ድለ

2021.10.25  Pellegrinaggio ecumenico "Con Lutero al Papa" 2021.10.25 Pellegrinaggio ecumenico "Con Lutero al Papa" 

ሓድነት ክርስትያን ነንሕድሕድካ ብሓባር ጽን ቢልካ ምስማዕ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ካብ ሃገረ ጀርመን ነቂሎም መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻምን ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ንምድንፋዕን ‘ምስ ሉተር ናብ ር.ሊ.ጳ’ ብዝብል ስምን ‘ኩልና ብሓባር ምዃን ይሕሸና’ ዝብል መሪሕ ቃል ተኣንጊቦም ንዝመጹ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርንቸስኮስ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ጽን ቢልካ ንምስማዕ ስንድው ምዃን ቀንዲ ንኣብያተ ክርስትያን ዘድሊ መጋበሪ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሓባር ንምጒዓዝ እውን ኣብዚ ሲኖዶስ እንካይደሉ ግዜ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቶም ብቋንቋ ጀርመን ‘ሚት ሉተር ዙም ፓፕስት’ ማለት ‘ምስ ሉተር ናብ ር.ሊ.ጳ’ ብዝብል ኣርእስቲ ስለ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን መንፈሳዊ ንግደት ንምጻም ንዝተጓዕዙ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቀቢሎም ብመዝሙር ንዝቀረበሎም ሰላምታ ሰሚዖም ኣብ ዘዘራረበሉ ግዜ ሽሕ’ኳ ቃላት ነቲ እንሓስቦ ኣብ ምግላጽ ዓቢ ግደ እንተለዎም ሎሚ ከም ሎም ግን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ጽን ቢልካ ነንሕድሕድካ ምስማዕ እውን ግድን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ መባእታ ርክብና ሰላምታ ብመዝሙር ሕብረት ኣቅሪብኩምለይ። ምዝማር የወሃህድ እዩ። ኣብ ጉጅለ መዘምራን ማንም ኣይንጸልን። ንካልኦት ጽን ቢልካ ብምስማዕ ምዝማር ግድን እዩ። እዚ ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ምስማዕ እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ክውን ክኸውን ዘሎኒ ምንዮት እገልጽ። ነዚ ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ምስማዕ ዝብል ኣብዚ ጒዕዞ ሲኖዶስ እንደገና ንመሃሮ ኣሎና። ንቅኒት ውህደት እግዚአብሔር ኣብ ሕይውትና ጽን ቢልና ሰሚዕና ንክንክእል ጸጋኡ ይሃበና ኢሎም።”

ቅኒት ውህደት እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ሰሚዕና ንኽኣል!

ቅዱስነቶም ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ምፍጣርናን ሓልዮቱን ዘርኣዮ ተግባር ከም ቅኒት ውህደት መዝሙር እግዚአብሔር ብምግላጽ ካባና ዝድለ ናይ ሕይወትና ኣእዛንን ኣዕይንቲ ልብናን ከፊትና ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ዘወሃሃዶ ቅኒት ውህደት መዝሙር ጽን ቢልና ሰሚዕና ምኽኣል የድሊ ኢሎም። እዚ ከኣ ንነፍሲወከፍና ዝገበረልና ኰይኑ እንክንዝምር ሓንሳእ ሓንሳእ ከይተረደኣና እውን ኣብ እንዝምረሉ ግዜ ንምሥጢር እግዚአብሔር ማለት ንፍቅሪ ክንትንክፍ ንኽእል ኢሎም።

“ኣብ ሕይወትኩም እግዚአብሔር ንዝደረሶ ቅኒት ውህደት መዝሙር ወትሩ ጽን ቢልኩም ስምዑ። በዚ ከምዚ ከኣ ብዙሕ ድምጽታት ሓደ መዝሙር የቅውም። ኩነት ሓድነት ኣብያተክርስትያን እውን ኣብ ጀርመንስ ይኹን ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለምና ከምኡ እዩ።”

ብሓባር ምዃን ክንደይ ሠናይ እዩ!

እዚ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 23 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝመጽእ 30 ጥቅምቲ 2021 ዝካየድ መንፈሳዊ ንግደት ሓድነት ኣባያተ ክርስትያን ካብ ሃገር ጀርመን ነቂሉ ናብ ሮማ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ነቲ መዝሙረ ዳዊት ናሁ ሠናይ ወናሁ ኣዳም ሶበ ይሄልው ኣኃው ኅቡረ ዝበሎ ቃል ምርኲስ ብምግባር ‘ብሓባር ምዃን ክንደይ ሠናይ እዩ’ ዝብል ተማ ተኣንጊቦም ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። እዚ ፍጻሜ እዚ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብ2016 ዓም ንመበል 500 ዓመት ተሓድሶ ሉተር (1517-2017) ንምስንዳው ‘ምስ ሉተር ናብ ር.ሊ.ጳ’ ብማለት ዝጀመረ ምንቅስቃስ ስዒቡ ዝኾነ እዩ። ዘሰናደውዎ ከኣ ናይ ሰበኻ ማግደበርግ ግብረተልእኮ መንእሰያትን ቤትጽሕፈታት ሕጻናትን መንእሸያትን ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ጀርመንን ኣንሃልትን ምዃኖም እውን ተመልኪቱ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
26 October 2021, 15:05