ሓድነት ክርስትያን ነንሕድሕድካ ብሓባር ጽን ቢልካ ምስማዕ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነቶም ብቋንቋ ጀርመን ‘ሚት ሉተር ዙም ፓፕስት’ ማለት ‘ምስ ሉተር ናብ ር.ሊ.ጳ’ ብዝብል ኣርእስቲ ስለ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን መንፈሳዊ ንግደት ንምጻም ንዝተጓዕዙ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቀቢሎም ብመዝሙር ንዝቀረበሎም ሰላምታ ሰሚዖም ኣብ ዘዘራረበሉ ግዜ ሽሕ’ኳ ቃላት ነቲ እንሓስቦ ኣብ ምግላጽ ዓቢ ግደ እንተለዎም ሎሚ ከም ሎም ግን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ጽን ቢልካ ነንሕድሕድካ ምስማዕ እውን ግድን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ቅኒት ውህደት እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ሰሚዕና ንኽኣል!
ቅዱስነቶም ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ምፍጣርናን ሓልዮቱን ዘርኣዮ ተግባር ከም ቅኒት ውህደት መዝሙር እግዚአብሔር ብምግላጽ ካባና ዝድለ ናይ ሕይወትና ኣእዛንን ኣዕይንቲ ልብናን ከፊትና ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ዘወሃሃዶ ቅኒት ውህደት መዝሙር ጽን ቢልና ሰሚዕና ምኽኣል የድሊ ኢሎም። እዚ ከኣ ንነፍሲወከፍና ዝገበረልና ኰይኑ እንክንዝምር ሓንሳእ ሓንሳእ ከይተረደኣና እውን ኣብ እንዝምረሉ ግዜ ንምሥጢር እግዚአብሔር ማለት ንፍቅሪ ክንትንክፍ ንኽእል ኢሎም።
ብሓባር ምዃን ክንደይ ሠናይ እዩ!
እዚ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 23 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝመጽእ 30 ጥቅምቲ 2021 ዝካየድ መንፈሳዊ ንግደት ሓድነት ኣባያተ ክርስትያን ካብ ሃገር ጀርመን ነቂሉ ናብ ሮማ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ነቲ መዝሙረ ዳዊት ናሁ ሠናይ ወናሁ ኣዳም ሶበ ይሄልው ኣኃው ኅቡረ ዝበሎ ቃል ምርኲስ ብምግባር ‘ብሓባር ምዃን ክንደይ ሠናይ እዩ’ ዝብል ተማ ተኣንጊቦም ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። እዚ ፍጻሜ እዚ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብ2016 ዓም ንመበል 500 ዓመት ተሓድሶ ሉተር (1517-2017) ንምስንዳው ‘ምስ ሉተር ናብ ር.ሊ.ጳ’ ብማለት ዝጀመረ ምንቅስቃስ ስዒቡ ዝኾነ እዩ። ዘሰናደውዎ ከኣ ናይ ሰበኻ ማግደበርግ ግብረተልእኮ መንእሰያትን ቤትጽሕፈታት ሕጻናትን መንእሸያትን ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ጀርመንን ኣንሃልትን ምዃኖም እውን ተመልኪቱ።