ድለ

ቅዱስ ቊርባን እግዚኣብሔር መን ምዃኑ የዘኻኽረና! ብመስቀል ዝተወፈየልና ፍቅሪ! ር.ሊ.ጳ

ር.ሊ.ጳ መበል 52 ዓለምሓቆፍ ኮግረስ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ቡዳፐስት ሃገረ ሃንጋሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ እንክዛዝምዎ ነቲ ጐይታ ንሓዋርያት ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ‘ኣነ ንኣኹም መን እየ’ ክብል ዝሓተቶ ሎሚ እውን ንነፍሲወከፍና ይሓተና ኣሎ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ኣብ ቂሳርያ ዘፊሊጶስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ‘ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ!’ (ማር 8,29) ቢሉ ሓተቶም። እዛ ሕቶ’ዚኣ ንሓዋርያት ኣብ መዋጥር ተእትዎም ኣብ ምስ ዓብ መምህሮም ዝገርብርዎ ጒዕዞ ከኣ ሓንቲ ነጥበ መቀይሮ ትኸውን። ንሳቶም ን ኢየሱስ ኣጸቢቆም ይፈልጥዎ ነበሩ እንተኾነ ገና ጀመርቲ እዮም ዝነበሩ! ከመይ ምሳኡ እኹል ሌላ ኣብ ርእሲ ምንባሮም ናይ ብዙሕ ተኣምራታት መሰኻኽር ብምዃን ብትምህርቲ ሃነን ኢሎም ኣብ ዝኸደ ይስዕብዎ ነበሩ። እንተኾነ ከምቲ ንሱ ዚሓስቦ ይሓስቡ ኣይነበሩን። ካብቲ ን ኢየሱስ ካብ ምድናቅ ን ኣኡ ናይ ምምሳል ደረጃ ምሕላፍ ወሳኒ ነበረ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኢየሱስ ንነፍሲወከፍና ዓይኒ ዓይንና እናጠመተ ‘ኣነስ ንዓኻ መን እየ’ እናበለ ብኣካል ይሓተና ኣሎና። እዛ ንነፍስወከፍና እትቀርብ ‘ኣነ ንዓኻ መን እየ!’ እትብል ሕቶ ከምቲ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተማሃርናዮ ውሱን ትኽክለኛ መልሲ ኣይኮነን ትሓትት ዘላ እንታይ ደኣ ናይ ሕይወትና ግላዊ መልሲ እያ ትጽበ።

ካብዛ ሕቶ እዚኣ ተሓድሶ ሓዋርያነት ይውለድ። እዚ ከኣ በቲ ናይ ሽ ዑ ሓዋርያት ሎሚ ከኣ ንሕና ክንገብሮ እንኽ እል ሠለስተ ደረጃታት ይፍጸም፤ መጀመርያ ንኢየሱስ ምስባኽ ምብሳር ካልኣይ ምስ ኢየሱስ ኰንካ መንፈስ ምልላይ ምጥራይ ብሳልሳይ ደረጃ ደድሕሪ ኢየሱስ ጒዕዞኻ ምጅማር እየን።

ብሥራት ኢየሱስ - ነታ ‘ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ!’ እትብል ሕቶኸስ ቅዱስ ጴጥሮስ ነታ ምል እቲ ጒጅለ ወኪሉ ‘ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ’ እንክብል ይምልሽ። ጴጥሮስ በተን ቁሩብ ቃላት ይጥቀም እሞ ቅኑዕ መልሲ ይህብ፤ እንተኾነ ኢየሱስ ንማንም ከይነግሩ ኣጥቢቁ ይምሕጸኖም። ስለምንታይ እዩ ኢየሱስ ከምዚ ኣጥቢቁ ዝኽልክል ቢልና እንተሓተትና መልሳ ንጽርቲ እያ እወ ብርግጽ ክርስቶ እቲ መሲሕ እዩ እንተኾነ ገና ኣብ ፍጻሜ ኣይበጽሐን። ገና ነቲ መሲሕነት ብኣተሓሳስባ እግዚኣብሔር ዘይኮነ ብ ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ናይ ምእዋጅ ሓደጋ የንጸላሉ ነበረ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ካብታ ሁመት እቲኣ ኣትሒዙ ሓቀኛ መንነቱ ማለት ፋሲካዊ መንነቱ ነቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ንረኽቦ መንነቱ ክገልጽ ጀመረ።  ተል እኮኡ ዝፍጸም ብክብሪ ትንሣኤ ምዃኑ ይገልልሎም እንተኾነ ናብ ክብሪ ትንሣኤ ንምብጻሕ ብውርደት መስቀል ክሓልፍ ከምዘለዎ ኸኣ የብርሃሎም። እዚ መስቀል እዚ ከም ጥበብ እግዚኣብሔር እዩ ማለት ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 2,6 ‘ናይዚ ዓለምዚ ወይውን ናይ ገዛእቲ እዚ ዓለም ዘይኮነ’ ጥበብ እዩ። ኢየሱስ መሲሓዊ መንነቱ ከይግለጽ ኣጽቅጥ ከብሉ ይ እዝዞም እንተ ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮ መስቀል ኣዳዕዲዑ ይገልጸሎ። በዚ ከኣ እዩ ማርቆስ ወንጌላዊ 8.32 ‘ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦ’ ዝብሎ ማለት ‘ወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግባእ’ (ኊ.31)።

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ መዓንጣኻ ዝዘራርግ መግለጺ ኢየሱስከስ ንሕና እውን ሕምቡጭቡጭ ከምዝብለና ርግጽ እዩ፤ ንሕና እውን ሓደ ኣብ ክንዲ ሓደ ባርያ ዝተሰቅለ መሲሕ ሓያል መሲሕ ምደለና ነርና። እዚ ኣብ ቅድመና ዘሎ ቅዱስ ቊርባን ኣምላኽና መንን ከመይን ምዃኑ የዘኻኽረና፤ ብቃላት ዘይኮነ እግዚኣብሔር ከም ዝተቈርሰ እንጌራ ከም ስቊልን ውፉይን ፍቅሪ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ የርእየና። ብዙሕ ሥር ዓታት ክንውስኽ ምደለና እንተኾነ ጐይታ ኣብ ኣ ኣሎ ክቊረስ ናብ ኩሎም ክባጻሕ ክብላዕ ከምዘለዎ ቊራስ እንጌራ ኰይኑ ይቀርበና። ንከድሕነና ባርያ ይኸውን ሕይወት ንክህበና ከኣ ይመውት። ብብሥራት ኢየሱስ ሓቦጭቦጭ ክብለና ጽቡቅ እዩ ከመይ ኣብዚ እታ መንፈስ ምልላይ ዝበልናይ ትኽሰት እሞ ምሳኡ ሌላ ንጅምር።

2. ምስ ኢየሱስ ኰንካ መንነትካ ኣለሊኻ ምኽኣል - ጐይታ ብዛዕባ ሕማማቱ ብግህዶ ክዛረብ ምስ ጀመረ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ ሰብ ኣዊ መልሲ እዩ፡ ከመይ ኣብ ቅድሚ መስቀልን ስቃይን ወዲሰብ ይቃወም። ጴጥሮስ ከኣ ቅድሚ ቊሩብ ግዝያት ክርስቶስ ኢኻ መሲሕ ኢኻ ክብል ክምስክር ጸኒሑስ ጐይታ ብዛዕባ መስቀል ምስ ተዛረበ እዝስ ኣባኻ ኣይረድ ክብል ካብ መስቀል ኪሃድም ይመኽሮ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መስቀል ፈጺምካ ኣይልመድን! ኣይምረጽን! እንተኾነ ውሽጣዊ ፍወሳ ይህብ፤ ኣብ ቅድሚ መስቀል ውሳጣዊ ቃልሲ የጋጥመና እዚ ከኣ እቲ መጺጽ ቅልስ ኣተሓሳስባ ኰይኑ ከም ኣተሓሳስባ እግዚኣብሔርን ከም ኣተሓሳስባ ደቂሰባትን ወጢሩ ይሕዘና፤ ብሓደ ወገን እታ ትሕቲ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ካብ ዝኾነ ተጽ ዕኖን ጃህራን ሆሆታን ብምርሓቅ ሠናይ ነገር ካል ኦት ክሳብ መሥዋዕቲ ገዛእ ር እሲ ምውፋይ እንክትበጽሕ በቲ ካል እ ወገን ከኣ ከም ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት መንገዲ ዓለም ምኽታል ኰይኑ እዚ ከኣ ኣብ ክብርታትን ሓለፋታትን ተመስሪቱ ኣብ ዓወት ጥራይ ዘተኮረ እዩ፤ ኣብዚ ሓይልን ስምም ዕን ወሳኒ እዩ ዝበዝሑ ኣባ ከምዝሰሓቡ ብምግባርን ካብ ካል ኦት ዝበለጽካን ዝሓየልካን ከምዝኾንካ ክተር ኢ የድሊ! እዚ ኣተሓሳስባ ዓለም እዩ።

ናብቲ ታሪኽ ምልስ ምስ እንብል ጴጥሮስ በቲ ዝበሃል ዝነበረ ተዳሂሉስ ን ኢየሱስ ኣግልል ኣቢሉ ክዛረቦ ጀመረ፤ እዚ ንጐይታ ካብ ካልኦት ምግላል ን ዓና እውን ከጋጥመና ይኽ እል፤ ማለት ኣብ ሓደ ኲርናዕ ልብና ኣግልል ኣቢልናዮ በቲ ንሕና እንደልዮን እንሓስቦን መንገዲ ክንመላለስ ካብ ኣተሓሳስባ ኢየሱስ ክንሃድም ንኽ እል፤ እንተ ኢየሱስ ግን ወትሩ ኣብዚ ውሳጣዊ ቃልሲ ምስ ሓገዘና እዩ፤ ከምቲ ምስ ሓዋርያት ዝገበሮ ንሕና እውን ናቱ ወገን ክንከውን ይልደየና፤ ወገን እግዚኣብሔር ኣሎ ወገን ዓለም ከኣ ኣሎ! እቲ ፍልልይ ሃይማኖታውን ዘይሃማኖታውን ኣይኮነን! ኣብ መንጎ ሓቀኛ እግዚኣብሔርን እቲ ናትና እግዚኣብሔርን እዩ ዘሎ! እቲ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቂሉ ብሱቊታ ዝገዝ እ ኣምላኽ ካብቲ ብሓይሊ ክመልኽ ዝደልን ንጸላእቱ ሱቊ ዘብልን ናይ ሓሶት ኣማላኽ ብጣዕሚ ርሑቅ እዩ፤ እቲ ብፍቅሪ ጥራይ ዝቀርብ ኢየሱስ ካብቶም ዓለምና ዘቅርበልና ሓያላትን ዕውታትን መሲሓት ብጣዕሚ ርሑቅ እዩ፤ ኢየሱስ ብመግለጺ እምነት ኣይ ዓግብን፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ መስቀሉ ዘሎና እምነት ክነጽርዮ ይሓተና! ይነቃንቀና! ተኣፋፍነት ናይዚ ጉዳይዚ ንክንርዳእ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ኣምልኾን ስግደትን ምቅራብ ክሕግዘና ይኽ እል፤ ህያው ኅብስተ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ነቲ ዓጽዩ ሒዙና ዘሎ ሰቢሩ ንምክፋል ክፉታት ክግበርና ንድርቅናና ከሕዊ ካብ ዕሚም ምባል ከውጽኣና መንነትና ክንሕሉ ክንብል ኣደንዚዙ ሒዙና ካብ ዘሎ ባርነት ሓራ ከውጽ ኣና እሞ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ክመርሓናን ክንክተሎን ነፍቅደሉ። እቲ ሳልሳይ ደረጃኸስ እንሆ! ደድሕሪ ኢየሱስ ምጒዓዝ!

3. ደድሕሪ ኢየሱስ ምጒዓዝ - ጴጥሮስ ን ኢየሱስ ክመኽሮን ዕንቅፋት ክኾኖን ምስ ፈተነ ኢየሱስ ‘ኪድ ካባይ ረሓቅ ሰይጣን’ ይብሎ፤ ንጹርን ሓያልን ትእዛዝ! ጐይታ ሓደ ነገር ክእዝዝ እንከሎ ሽዑ ንሽዑ ይጽጉ ይዕድል! ጴጥሮስ ከኣ ነዚ ጸጋ እዚ ይቅበል ሓደ ስጒምቲ ንድሕሪት ይምለስ፤ ጒ ዕዞ ክርስትና ናብ ዓወት ዝግበር ጒያ ዘይኮነ ሓደ ስጒምቲ ንድሕሪት ብምምላስ እዩ ዝጅምር! እዚ ከኣ ሓራ የውጻኣካ ምናዳ ካብቲ ንገዛእ ር እስኻ ማእከል ኩሉ ገርካ ምጥማት ሓራ ይገብረካ፤ በዚኸስ ጴጥሮስ ማእከል ኩሉ ናቱ ኢየሱስ ዘይኮነ እቲ ሓቀኛ ኢየሱስ ከምዝኾነ ይግንዘብ፤ ምናልባት እንደገና ዳግም እውን ክወድቅ እዩ እንትኾነ ካብ ምሕረት ናብ ምሕረት እናተሰጋገረ ገጽታ እግዚኣብሔር ብዝበለጸ ክፈልጥ እዩ፤ ካብቲ ፍረ ኣልቦ ኣድናቆት ኢየሱስ ናብ ጭቡጥ ዝኾነ ንኢየሱስ ምምሳል ይሰጋገር።   

ደድሕሪ ኢየሱስ ጒ ዕዞ እንታይ ማለት እዩ! ከምታ ናቱ እምነት ተኣንጊብካ ንቅድሚት ምግስጋስ ማለት ዝተፈቶና ደቂ እግዚኣብሔር ምዃን ማለት እዩ፤  ከምታ ናቱ ሕይወት ማለት ንከገልግል እምበር ንክግልገል ዘይመጸ (ማር 10.45) መንገዲ ሕይወት ምንባር የድሊ፤ ዕለት ዕለት ከኣ ንሓውና ንምርካብ ስጉምታትና ምንቅስቃስ የድሊ፤ ቅዱስ ቊርባን ከኣ ነዚ ንምግባር እዩ ዝደፋፍኣና፤ ከም ክርስቶስ ንካል ኦት ክንቊረስ ሓደ ኣካል ኰና ክስምዓና የድሊ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ነዞም ንስኹም እትዝክርዎም ዓበይትን ተባዓትን ቅዱሳት ማለት ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅድስት ኤልሳቤጥን ዝለወጠ ን ዓና እውን ንክልውጠና ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ኢየሱስ ነፍቅደሉ፤ ከምቲ ንሶም ዝገበርዎ ብሥር ዓታትን ምድግጋምን ብዝንበር እምነትን ብቁሩብ ቁራቦና ከይ ዓገብና ነታ ዕንቅፋት ዝመል ኣ ሕዳሴ መስቀልን ትንሣኤን ልብና ንኽፈት ነቲ ን ዓለም ሕይወት ክህብ ዝተቈርሰ እንጌራ ልብና ንኽፈት! በዚ ከኣ ሓጐስ ንሓጐስ ክንከውን ኢና ዓደልቲ ጉጐስ እውን ክንከውን ኢና።

እዚ ዓለምለኸ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ናይ ሓደ ጒ ዕዞ ም ዕራፍ እዩ እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ክኾኖ ዘለዎ ነጥበ ተበግሶ እዩ፤ ምኽንያቱ ከኣ ደድሕሪ ኢየሱስ ምጒዓዝ ንቅድሚት ጠምት ኢሉ ስለዝጽውዕ እዚ ከኣ ዕለት ዕለት ነታ ኣብ ቂሳርያ ዘፊሊጶስ ጐይታ ነርድእቱ ‘ንስኻትኩምከ ኣነ መን እየ ትብሉ!’ ዘቅረባ ሕቶ ኣብ ልብና ሕያው ኰይና እትነብረሉ ጸጋ ንምቅባል እዩ።    

ብድምጺ ንምክትታል!
13 September 2021, 13:38