ድለ

HUNGARY-VATICAN-RELIGION-POPE-VISIT HUNGARY-VATICAN-RELIGION-POPE-VISIT 

መስቀል ክርስቶስ ሕሉፍኩምን መጻኢኹምን የተኣሳስር! ር.ሊ.ጳ ኣብ ቡዳፐስት

ንሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ቡዳፐስት ዝርከቡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉሉ ቅር ዓት ጀጋኑ ተጋቢኦም ንዝነበሩ ኩሎም ብምምስጋን ምናዳ ኸኣ ንሰበሥልጣን እምነትን መንግሥትን ብምምስጋን መስቀል ሕሉፎምን መጻኢኦምን ዘተኣሳስር ድልድል ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ዓለምሓቆፍ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ቡዳፐስት ካብቶም ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎም ንብዙሓት ምኽንያት ቅድስናን መሠረት እምነትን ዝኾነ መንፈሳውያን ንግደታትን ተግባራትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓደ ኮይኑ ምስ ዘሎናዮ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ምስንዳዋትን ጥንቃቄን ዝተገብረሉ ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ዓመት እውን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መጀጎርየ ዝተገብረ መንፈሳዊ ንግደት መን እሰያት ስዒቡ ዝበዝሐ ምትእኽኻብ ምእመናን ዝተገብረሉ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ዓጸውዎ ቅዱስነቶም ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ቊርባን ማለት ብ ዓንዲ ር እሱ ምስጋና ዝብል ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላጽ ንሶምውን ከምዚ ክብሉ ኣመስግኖም።

“ኣብ ፍጻሜ እዚ ንዓለምሓቆፍ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ንምዝዛም ዘዕረግናዮ መሥዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ቡዳፐስት ዝገበርክዎ ሓውጾተ ኖልዎን ብልበይ ከመስግኖም ዝደልዮም ሰባት ኣለው፤ ቅድሚ ዝኣገረ ነዛ ዓባይ ሥድራቤት ክርስትያን ሃንጋሪ እንከመስግን ንሥር ዓታታን ንታሪኻን ን ኣሕዋታን ኣሓታን ኩሎም ማለት ካቶሊካውያንስ ይኹኑ ናይ ካል ኦት ኣብያተ ክርስትያን ኣባላት ንኩሎም ናብቲ ምሉእ ሓድነት ገጾም ዝጐዓዙ ከመስግን እፈቱ ኢሎም።”

 ቅዱስነቶም ምስጋናኦም ናብ ኩሎም ሕዝቢ ሃንጋሪ ብምምስፋሕ መስቀል ክርስቶስ ፍሉይ ትርጉሙ ምት እሣር ምርኻብ ስለዝኾነ ንሕዝቢ ሃንጋሪ ሕሉፎምን መጻኢኦምን ንክራኸብ ከም መራኸቢ ድልድል ክኾኖም ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም፤ እዚ ሕሉፍን መጻእን ሃንጋሪ ክኸውን ዝምነይዎ ከኣ መሠረት ዘለዎን ንኩሉ ክፉት ዝኾነን ንኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን በዓል ዓቢ ተስፋ ምዃኖም ገሊጾም ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ደገሙ።

ብፅዕና ኣብ ሃገረ ፖላንድ!

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዕለቱ ብፍቃዶምን ብሥልጣኖምን ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዝተኣወጀ ብፅዕና ካርዲናል ስተፋን ዋይዝኒስኪ ከማኡ እውን መሥራቲት ፍራንቸስካውያን ኣሓት ኣገልግልቲ መስቀል እናቴ ኤልሳቤጥ ቻካ ዘኪሮም። ናይዞም ክልተ ሓደስቲ ብፁዓን ቀንዲ ሓባራዊ ረቋሒ ክል ቲኦም ምስ መስቀል ክርስቶስ ጽ ዑቅ ዝምድና ነርዎም፤ መራሒ ኣመንቲ ኣብ ፖላንድ ዝነበረ ካርዲናል ዋይዝንስኪ ማእሰርትን ስደትን እኳ እንተኣጋጠሞ ከም ልቢ እግዚኣብሔር ዝጓሲ ተባዕ ጓሳ ኣብ ር እሲ ምንባሩ ስለ ነጻነትን ክብርን ደቂ ሰባት ብዙሕ ዝጸዓረ ነበረ። እናቴ ኤልሳቤጥ እውን ብወገና ከም መን እሰይ ዑረት ዘጋጠማ ን ዓይነ ስውራን ንምድጋፍ ምሉ እ ሕይወታ ዝወፈየት እያ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 September 2021, 13:48