ካብ ዘይምስምማዕ ናብ ውህደት ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ ኢየሱስ የሰንየና! ር.ሊ.ጳ ንሉተራውያን
ዜና ቫቲካን!
ንምሕጽንታ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስዒቡ ጒዕዞ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ምስ ብዙሕ ሓርጐጽጐስ ንቅድሚት ይምርሽ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ዘይምስምማዕ ዝርአ እንተኾነ ምሉእ ውህደትን ሓድነትን ክብጻሕ ከምዝከኣል ኣሚኑ ይቃለስ ኣሎ። እዚ ጒዕዞ እዚ ከቢድ ምዃኑ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘ቀሊል ጒዕዞ ኣይኮነን’ ይብሉ እሞ እንተኾነ ጸግዒ ከምዘሎና ብምርግጋጽ ከኣ ‘በይንና ኣይኮናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምስ ኣሰነየና’ እንክብሉ ንዓለምለኸ ፈደረይሽን ሉተራውያን ወኪሎም ንዝመጹ ኣባላት ኣረጋጊጾምሎም። ቅዱስነቶም ምስ ሉተራውያን ኣብ ዝግበር ዘተን መስመር ሓድነትን ኣብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ከተማ ላንድ ሃገረ እስዊደን ዝተገብረ ኢኩመኒካዊ ጸሎት ሓድነት ‘መምስ ፍልልያትና እንከሎና ኣብ ናይ ዕርቂ ሓድነት ገጽና ንጐዓዝ’ እንክብሉ ብ2016 ዓም ንዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምዝካር ‘ኣብታ ዘይትርሳዕ ታባ ጒዕዞ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ሓይሊ ዕርቂ ወንጌል ኣስተማቂርና ነዚ ከኣ ብዘተን ሓባራዊ ምስክርነት ብምሃብን ኣሕዋት እምበር ጓኖት ከምዘይኰና ብግህዶ ኣርኢና’ ምስ በሉ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ከኣ ብሓባር ነቲ ብእምነት ሓደ ንዝገብረና ጒዳያት ክንእመን የድሊ’ ኢሎም።
ብእምነት ሓደ ንዝገብሩና ጉድያት ንተኣመን!
ቅዱስነቶም ናብ ሓፈሻዊ ኩነታት እምነትን ናብራን ምልስ ይብሉ እሞ ነቲ ኣብ ልቦም ዝስምዖም ከምዚ ክብሉ ይገልጹ። ‘ቅልውላው ኣብቲ እንደልዮ ጉዳይ ንክንበስል ይሕግዘና። ካብቲ ቅድሚ ዘመናት ዝነበርናዮ ግጭታት ናብቲ ሃረር እንብሎ ሓድነትን ውህደትን ንምብጻሕ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ርእሱ ዝኸለ ቅልውላው እዩ። እንተኾነ እዚ ቅልውላው እዚ መብሰሊና ስለዝኾነ ብጐይታ ዝተባረኸ ቅልውላው እዩ። ኣብ መንጎ ክርስትያን ኩሎም እታ ብጐይታ እትድለ ምልእቲ ሓድነት ክትነግሥ ክንጽሊ የድሊ። ነዚ ክሕግዘና ዝኽእል ከኣ እቲ ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ንዝመጽእ 25 ሰነ 2030 ዓም ንምዝካር ኣብ እንሸባሸበሉ ዘሎና ኑዛዜ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንዓና እውን ኣብዚ እንገብሮ ጒዕዞ ሓድነት ዘኽስበና ነገራት ኣይሰኣኖን’ ኢሎም። እዛ ኑዛሴ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ እትብል ተማ ከምቲ 40 ዓመታት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዕለት 25 ሰነ 1980 ዓም ዝገልጽዎ ‘ንጸሎተ እምነትን ሕይወት ኣብያተ ክርስትያን ሉተራውያንን ንካልኦትን ዝኸውን ሰነድ እዩ’። ቅዱስነቶም ናብቲ ፍጻሜ ምልስ ይብሉ እሞ ብ1980 ዓም መበል 450 ዓመት ኑዛዜ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ ዝተዘከረሉ ሁመት ሉተራውያንን ካቶሊካውያንን ብሓባር ‘ኣብ ኑዛዜ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ተጻሒፉ ንዘሎ ከም ናይ ሓባር እምነት ወሲድና ንሕና እውን ብሓባር ኣብ ዘሎናዮ ዘመን ነዛ እምነት እዚኣ ክንእመን ይሕግዘና። ማለት ነቲ ብእምነት ዘተሓባብረና ነገራት ብሓባር ንተኣመን። ነተን ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ኣካል ሓንቲ ጥምቀት ሓደ ጐይታ ዝበለን ንዘክር’ ኢሎም።
እንኮ እግዚአብሔር!
ቅዱስነቶም ናብቲ ሰነድ ዳግም ምልስ ይብሉ እሞ ‘ቀዳማይ ዓንቀጽ ናይቲ ሰነድ ንጻውዒት ጉባኤ ኒቅያ ብምዝካር ሓደን ሥላሴን ብዝኾነ እንኮ እግዚአብሔር ንኣምን ዝብል’ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
እንኮ ጥምቀት!
ቅዱስነቶም ንሓድነት ክርስትያን ድሕሪ ብሓደ እግዚአብሔር እኣምን ቢልካ ዝግበር ኑዛዜ እታ ካልአይቲ ነቅ ዘይትብል እምኒ ኲርናዕ ምሥጢረ ጥምቀት ምዃናን ካብኣ ዝርከብ መኽሰብ ከኣ ‘ነቲ እናገፍሔ ዝመጽእ ዘሎ ምምቅቃል ንምፍዋስን ካብ ናይ ዝኽሪ ሕማም ንምሕዋይን መንፈስ ዕርቅን ሕውነትን ዝዓሰሎ ምድግጋፍ ሓድሕድ ንምድንፋዕን እትሕግዝ እታ ስለ ሕድገት ሓጢኣት እትወሃብ እንኮ ጥምቀት እያ’ ኢሎም።
[ ቅዱስ ጥምቀት መለኮታዊ መበቆል ዘለዎ ትዕድልቲ ኮይኑ ንእምነትና ብዝምልከት እንገብሮ ዝኾነ ጻዕሪ ዝምስረተሉን ናብ ምሉእ ሓድነት ንክንበጽሕ ኣብ እንገብሮ ተጋድሎ ዝሕግዝ መሠረታዊ ጉዳይን እዩ። እወ ርግጽ እዩ! ጒዕዞ ሓደንት ኣብያተ ክርስትያን ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብያተ ክርስትያን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ጒዕዞ ጸጋ እዩ። እዚ ጸጋ እዚ ኣብቲ ደቂሰባት ዝገብርዎ ሽምግልናን ስምምዓትን ኣይኮነን ዝዘንም እንታይ ደኣ ኣብቲ ንኣእምሮን ልብን ኣንጺሑ ንድርቅና ኣሸኒፉ ናብ ዝተሓደሰ ሓድነት ገጹ ዝደፋፍእ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ ዝወርድ። እዚ ውህደት እዚ ኣብ ስምምዓትን ነዚ ግደፍ ነዚ ግደፍ ዝብል ዋጋ ዕዳጋን ዘይኮነ ዝተዓርቁ ፍልልያት ናብ ዝውንን ሓድነት ገጹ እዩ ዘመርሽ እዩ። ንኩሎም ኣብ ዘተ ካቶሊካውያንን ሉተራውያንን ተዋፊርኩም ንዘሎኹም በዚ ዝተገልጸ መንፈስ ብዘይተባተኸ ጸሎት ብምትእምማን ከምኡ እውን ንዘሎካ ናይ ምክፋል ግብረሠናይ ብምዝውታርን ኣብ መንጎ ኣካል ክርስቶስ ዝኾኑ ኣባላት ዝለዓለ ሓድነት ንምርካብ ብልዑል ወኒ ሃሰስ ብምባልን ክትሰርሑ እላቦ። ]
እንኮ ኣካል!
ቅድስንቶም ነታ ሳልሠይቲ እንኮ እትብል ብዛዕባ ኣካል ክርስቶስ እትገልጽ መሠረት ሓድነት ንምግላጽ ኣብ ተዘ ዝበሃል ሃገረ ፈረንሳ ዝርከብ ዓቢይ መካነ ሕውነት እትዝውተር ጻውዒት ‘ናይ ኣካል ክርስቶስ ሓድነት ውዕውዕ ስምዒት ይሃልኹም’ ንእትብል ይጠቅሱ እሞ ‘እዛ ሓድነት እዚኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዘስዓብናዮም ቊስልታት ብምስቃይ ትበስል’ ኢሎም።
ዕርቂ ገጽታ ኢየሱስ ኣለዎ! ሊቀጳጳሳት ሙሳ
ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ኣብ ዝተቀበሉሉ ከክንዲ ኩሎም ኮይኖም ቃለ ሰላምታን ምስጋናን ዘቅረቡ ናይ ዓለምለኸ ሉተራዊ ፈደረይሽን ፕረሲደንት ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ፓንቲ ፍሊቡስ ሙሳ እንክኾኑ ‘ንዓና ዕርቂ ገጽ ኣለዎ እዚ ከኣ ገጽ ኢየሱስ እዩ። ገጽ ኢየሱስ ገጽ ብጻይና እዩ። ፍቅሪ እግዚአብሔር ናብ ፍቅሪ ብጻይ ይመርሕ። በዚ ከኣ እምነት ፍቅሪ ይኸውን። ንድኻታትን ንዝተረስዑን ዓለምና ንዝመመዞምን እንክንረክብ ነቲ ክረኽበና ዝመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ንረክብ። በዚ ከኣ ሓደ ከም እንኸውን ይገብረና። ሉተራውያንን ካቶሊካውያንን ሎሚ ከም ሎሚ ብዓለምለኸ ደረጃ ነቲ ሓደ ዝገብረና ፍቃድ እግዚአብሔር ከመይ ገቢርና ከም እንነብሮ ክንርዳእ የድሊ’ ብማለት ቃሎም ከምዝሃቡ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።