ድለ

ኣን ቡርጋሃርት ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ሉተራናዊ ፈደረሽን ሓዳስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ኣን ቡርጋሃርት ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ሉተራናዊ ፈደረሽን ሓዳስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት 

ኣን ቡርጋሃርት ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ሉተራናዊ ፈደረሽን ሓዳስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት

መጋቤ ኣን ቡርጋሃርት ድሕሪ እቲ ምርጫ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይ ሓላፍነት ክሕረይ ክብርን ሓላፍነት ይስምዓኒ፡ ሕብረትና ንቤተ ክርስቲያንን ብሓፈሻን ንዓለምን በረኸት ምእንቲ ክኸውን ነዚ ሓላፍነት እዚ ክቕበሎ ከሎዅ ብመንፈስ ቅዱስ ክምራሕ እጽሊ”

ዓለም ለኻዊ ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ነቶም ንዓሰርተው ሓደ ዓመት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንዘገልገሉ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ንዘብቕዑ መጋቤ ማርቲን ዩንገ ንምትካእ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ቀዳመይቲ ጓለንስተይትን ንመጀመሪያ ግዜ ተወላዲት ምብራቕ ኤውሮጳ ንዝኾና ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተወላዲት ኤስቶኒያ መጋቤ ኣን ቡርጋሃርት ከምዝሓረየ ዜና ቫቲካን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓቤረታ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋዕለ ፈደረሽን ሉተራን ቀዳም ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ሕብረት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን     ጠቕላሊ ዋና ጸሕፊት ንኽኾና መጋቤ ኣን ቡርጋሃርት ዋና ጸሓፊት ከምዝመረጸን እተን ሓዳስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ነቶም ንዓሰርተው ሓደ ዓመት ናይዚ 148 ዝተፈላለያ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጥርንፍ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንዘገልገሉ ማርቲን ዩንግ ዝትክኣ ኣብዚ ሓድሽ ኣገልግሎት’ዚ መንፈስ ቅዱስ ክመርሐን ኩሉ ብጸሎት ክድግፈን ከምእተላበዋ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝተመርጻ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ

መጋቤ ኣን ቡርጋሃርት 45 ዓመት ዝዕድመኤን በዓልቲ ቤት መጋቤ ኣርንድ ማቲያዝ ቡርጋሃርትን ክልቲኦም ሰብ ሓደራ ኣብ ኤስቶኒያ መጋቢያን ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ወለዲ ክልተ ቘልዑን እዘን ሓዳስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ኣብ ኤስቶኒያ ኤልክ ኣብ ዝርከብ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ጨንፈር ምዕባለ ሓላፊትን ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወጻእን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ርክባት ጉዳይ ኣማኻሪት ከምዝኾና ገሊጹ፥ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዓ.ም. መጋቤ ኣን ቡርጋሃርት ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ለኻዊ ፈደረሽን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊትን ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ጨንፈር ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣባልን ከይነን ከምዘገልገላን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ኰይነን ዝተሓርያ ቀዳመይቲ ጓለንስተይትን ቀዳመይቲ ተወላዲት ምብራቕ ኤውሮጳን ምዃኖን ኣፍሊጡ።

ቡርጋሃርት፥ “እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሌይ ዘንበሮ እምነት ዓቢይ ሓላፍነት እዩ”

መጋቤ ኣን ቡርጋሃርት ድሕሪ እቲ ምርጫ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይ ሓላፍነት ክሕረይ ክብርን ሓላፍነት ይስምዓኒ፡ ሕብረትና ንቤተ ክርስቲያንን ብሓፈሻን ንዓለምን በረኸት ምእንቲ ክኸውን ነዚ ሓላፍነት እዚ ክቕበሎ ከሎዅ ብመንፈስ ቅዱስ ክምራሕ እጽሊ” ከምዝበላ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራናዊ ማህበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተሰመዖ ሓጐስ

ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ዮኣን ሳውካ፥ ሕርየት መጋቤ ቡርጋሃርት ሓጐስን ምትብባዕን ይዀነና” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናብተን ሓዳስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሉተራናዊ ፈደራላዊ ማሕበር ጠቕላል ዋና ጸሓፊት ኮይነን ንዝተሓርያ ቡርጋሃርት ኣብ ዘመሓላለፉለን ናይ እንቋዕ ሓጐስን ናይ ሰናይ ምንዮትን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሕላለፉለንን፥ “ክንየው ዶባት ሓድነት ክርስቲያን ንምንቕቓሕ ማሕበረሰብ ንምሕናጽን ምትሕብባር ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከም መጋቤ ተኽእሎን ተመክሮን ዘለወን” ቢሎም ገሊጾም” ኣስዒቦም “ኣብ ክርስቲያናዊ ጉዕዞ ሓድነት ክመጽእ ዝግበር ጻዕሪ ቀዳምነት ከምዝህባሉ እምነትና እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ዓለም ለኻዊ ሉተራናዊ ፈደራላዊ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

22 June 2021, 18:37