እንኮ ፈውሲ ሕይወት ፍቅሪ ጥራሕ እዩ/ ንካልኦት ኣይንፍረድ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማር 5,21-43 ኰይኑ ብዛዕባ ክልተ ተኣምራታት ይዛረብ እታ ሓንቲ ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ ‘ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ’ ዝብል ኰይኑ ኢየሱስ ከይዱ ክሳብ ዘሕውያ ድሮ መይታስ ንመምህር ብከንቱ ኣይተድክም ዝብሉ ልኡኻት ከም ዝሰደዱን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ነቲ ኣቦ ቆልዓ ኣጆኻ እመን ክትሓዊ እያ ኢሉ ‘ጣቢታ ቁም’ እንክብል ብኢዳ ሒዙ ካብ ሞት ከም ዘተንሥኣ ዝትርኽ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ተኣምራት ከኣ ነቲ ቀዳማይ ኣብ ምድንጓይ ዘስዓበ ዝመስል ጐይታ ነታ ሕምምቲ ቈልዓ ከሕዊ ክኸይድ እንከሎ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ኢሉ ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ብኩሉሉ ፈቲና ምዃን ምስ ኣበያን ገንዘባን ጒልበታን ምስ ወደኤትን ብዛዕባ ኢየሱስ ወረ ምስ በጽሓ ብልባ ‘ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡’ ኢላ ብእምነት ተደሪኻ ብልባ ኣሚና ብማእከል እቶም ህዝቢ ሰሊዃ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ከምዝተንከየትን ብኡንብኡ ዓይኒ ደማ ከምዝነቐጸን፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየትን ብነፍሳ ከምዝተፈለጣን ምስ ኢየሱስ ከኣ ብማዕዶ ማዕዶ ተረዳዲኤ ‘እምነትኪ ኣሕዋያትኪ’ ክብላ ዘፋነዋ ዝገልጽ ነበረ።
ቅዱስነቶም ጥቅልል ዝበለ ትሕዝቶ እቲ ወንጌል ንምግላጽ ‘ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል ጌና ሕማማት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ እንተኾነ ስቃይን ሞትን ናይ መወዳእታ ኣይኮኑን ከመይ ኢየሱስ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ስለዘሸነፎ እዩ። እንተኾነ ናይታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ብምኽንያት ሕማማ ዘይንጽሕቲ ተቈጺራ በይና ተነጺላ ብምንባራ ልባ ብጣዕሚ ቈሲሉ ከምዝነበረ’ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ፍቅሪ ኣይዕደግን እዩ!
ቅዱስነቶም ናብ ጉዳይ እታ ስማ ዘይጥቀስ ሰበይቲ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኩልና ንገዛእ ርእስና ከምኣ ገርና ኣብ ቦታኣ ክንትክእ ንኽእል። ዝነበራ ኩሉ ፈውሲ ክትረክብ ብዝብል ተስፋ ኣጥፈኤት። ንሕና እውን ነቲ ቀንዲ ሕማምና ዝኾነ ምጒዳል ፍቅሪ ብግጉይ መንገዲ ክንትክእ ዘሎና ኩሉ ንኸፍል ንኸውን።
ምሕይዋይ ማለት ልብኻ ንኢየሱስ ምኽፋት እዩ!
ኣብ ዘበልና ነብል ዝኸፈልና ንኽፈል ፍቅሪ ኣብ ኢየሱስ ብሕቱ እንተዘይኮይኑ ኣብ ማንም ኣይርከብን ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ ምስ ኢየሱስ ቀጥተኛ ርክብ ብምፍጣር ማለት ልክዕ ከምታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ዝገበረቶ ዘፈር ክዳኑ ክትንክፍ ብማእከል እኩብ ሕዝቢ ሓሊፍ ዝተዓወተት ምግባር የድሊ ኢሎም።
ክንዮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ዘይኮናዮ ኰና ክንረኤ ሒዂ ምባልን ምኻድ የድሊ!
ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ታሪኽ እታ ሰበይቲ ምልስ ይብሉ ከምቲ ወንጌል ዝትርኾ ኢየሱስ መን ተንኪፉኒ ዝብል ንሓዋርያት ዘደንጸው ሕቶ ምስ ሓተተ ኣዕይንቱ ናብቲ ሕዝቢ ይልእኽ እሞ ኣብ መንጎ እቲ ሕዝቢ ምሉእ እምነት ዘለዎ ልብን ገጽታን ሃሰስ ይብል። ኣብ ገጽ እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ይዓልባ ይረዳድኡ።
ንዝቈሰሉን ተነጺሎም በይኖም ዝተረፉን ንቀበል!
እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ጠመተኡ ናብቲ ሕዝቢ ዝሰደድ ኢየሱስ ንከተል። ኣብነቱ ብምስዓብ ድማ ኣብ ጥቃና ዝነብሩ ቊስላትን በይኖም ተነጺሎም ብብሕትውና ዝሕቀዩን ዘለው ንጠምት እሞ ነቲ ካባና ዘድልዮም ዝተፈቀሩ ናይ ምዃን ሃረርታን ለዋህ ልግስናን ነወፊ።
ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ንዕለተ ሰላም ምብራቅ ዘኪሮም ‘እግዚአብሔር ንጻዕሪ እቶም ኣብታ ክርስትና ዝተወልደትላን ክንዮ ብዙሕ ስቃይ እትነብረላን ማእከላይ ምብራቅ ዘተን ተሓባቢርካ ብሕውነት ምንባርን ንከንግሱ ዝቃለሱ ይደግፍ’ ምስ ዕለት 29 ሰነ 2021 ዓም ዝዝከር በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኩሎም ስለ ር.ሊ.ጳ ክጽልዩ ተማሕጺኖም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንግዳያት ናይታ ብብርቱዕ ማዕበልን ንፋስን ዝተጐድአት ደብብ ምብራቃዊ ሪፓብሊክ ቸክ ብመንፈስ ቅርበቶም ግሊጾም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።