እንኮ ፈውሲ ሕይወት ፍቅሪ ጥራሕ እዩ/ ንካልኦት ኣይንፍረድ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቀቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ዝለዓለ ሕውየት ፍወሳ ስምዒታት ኰይኑ ፍቅሪ ኣይሽየጥ ኣይልወጥ ነቶም ዝቈሰሉን ብሕትውና ዝወረሮም ብምሕጋዝ ምስ ኢየሱስ ጥቡቅ ርክብ ብምፍጣር እዩ ዝርከብ’ እንክብሉ ምስ ገለጹ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም ስለሰላም ምሥራቅ ኣብ ዝግበር ዕለተ ጸሎት ኩልና ክንሳተፍ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማር 5,21-43 ኰይኑ ብዛዕባ ክልተ ተኣምራታት ይዛረብ እታ ሓንቲ ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ ‘ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ’ ዝብል ኰይኑ ኢየሱስ ከይዱ ክሳብ ዘሕውያ ድሮ መይታስ ንመምህር ብከንቱ ኣይተድክም ዝብሉ ልኡኻት ከም ዝሰደዱን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ነቲ ኣቦ ቆልዓ ኣጆኻ እመን ክትሓዊ እያ ኢሉ ‘ጣቢታ ቁም’ እንክብል ብኢዳ ሒዙ ካብ ሞት ከም ዘተንሥኣ ዝትርኽ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ተኣምራት ከኣ ነቲ ቀዳማይ ኣብ ምድንጓይ ዘስዓበ ዝመስል ጐይታ ነታ ሕምምቲ ቈልዓ ከሕዊ ክኸይድ እንከሎ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ኢሉ ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ብኩሉሉ ፈቲና ምዃን ምስ ኣበያን ገንዘባን ጒልበታን ምስ ወደኤትን ብዛዕባ ኢየሱስ ወረ ምስ በጽሓ ብልባ ‘ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡’ ኢላ ብእምነት ተደሪኻ ብልባ ኣሚና ብማእከል እቶም ህዝቢ ሰሊዃ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ከምዝተንከየትን ብኡንብኡ ዓይኒ ደማ ከምዝነቐጸን፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየትን ብነፍሳ ከምዝተፈለጣን ምስ ኢየሱስ ከኣ ብማዕዶ ማዕዶ ተረዳዲኤ ‘እምነትኪ ኣሕዋያትኪ’ ክብላ ዘፋነዋ ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ጥቅልል ዝበለ ትሕዝቶ እቲ ወንጌል ንምግላጽ ‘ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል ጌና ሕማማት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ እንተኾነ ስቃይን ሞትን ናይ መወዳእታ ኣይኮኑን ከመይ ኢየሱስ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ስለዘሸነፎ እዩ። እንተኾነ ናይታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ብምኽንያት ሕማማ ዘይንጽሕቲ ተቈጺራ በይና ተነጺላ ብምንባራ ልባ ብጣዕሚ ቈሲሉ ከምዝነበረ’ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እስኪ ኣብ ሕይወትና ምልስ ኢልና ኣብ ሕይወትና እቲ ዝዓበየ ሕማም እንታይ ኮን ይኸውን! ኢልና ንሕተት። መንሽሮ ወይ ካንሰርዶ ይኸውን! ሕማም ዓባይ ሰዓል ትዩበርክሎዚስዶ ይኸውን! ወይስ እዚ ናይ ዘመንና ለበዳ ኮቪድ 19! ናይ ኩለን መልሲ ኣይፋል እዩ። ኣብ ሕይወትና እቲ ዝዓበየ ሕማም ፍቅሪ ምስኣን ክተፍቅር እውን ዘይምኽኣል እዩ። እቲ ዝዓበየ ሕውየትከስ ካብ ስምዒታትካ እንክትፍወስ እዩ። ፍቅሪ ኣይሽየጥ ኣይልወጥ ጸጋ እዩ ኢሎም።”

ፍቅሪ ኣይዕደግን እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ጉዳይ እታ ስማ ዘይጥቀስ ሰበይቲ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኩልና ንገዛእ ርእስና ከምኣ ገርና ኣብ ቦታኣ ክንትክእ ንኽእል። ዝነበራ ኩሉ ፈውሲ ክትረክብ ብዝብል ተስፋ ኣጥፈኤት። ንሕና እውን ነቲ ቀንዲ ሕማምና ዝኾነ ምጒዳል ፍቅሪ ብግጉይ መንገዲ ክንትክእ ዘሎና ኩሉ ንኸፍል ንኸውን።

“ብዙሕ ግዜ ዝስዕረና ሓሳብ ዕውታት ምዃንን ገንዘብን ዘሐጒሱና ይመስለና። ፍቅሪ ኣይዕደግን እዩ። ብነጻ እዩ ዝዕደል። ኣብ ሕልናን ኰይኑ ኣብ ዘዕገርግር ሓሳብ ክንሕባእ ንፍትን እንተኾነ ፍቅሪ ኣብ ጭቡጥ ተግባር እዩ ዝግለጽ። ከምዘሎናዮ ንገዛእ ርእስና ክንቅብሎ ንጽገም ነቲ ብደገደገ ክንጸባበቅ ብእንገብሮ ነገራት ክንሕባእ ንፍትን እንተኾነ ፍቅሪ ብደገ ዝረኤ መጸባበቂ ኣይኮነን። ካብ ጠንቆልትን ፈለጥን እንብሎም ፍታሓት ሃሰስ ንብል። ደሓር ግን ገንዘብና ኩሉ ምስ ወዳእና ከምታ ሰበይቲ ብዘይ ገንዘብን ብዘይ ሰላምን ንተርርፍ። ንክንሓውኸስ እታ ተድልየና ልብና ንኢየሱስ ምኽፋት ጥራይ እዩ።”

ምሕይዋይ ማለት ልብኻ ንኢየሱስ ምኽፋት እዩ!  

ኣብ ዘበልና ነብል ዝኸፈልና ንኽፈል ፍቅሪ ኣብ ኢየሱስ ብሕቱ እንተዘይኮይኑ ኣብ ማንም ኣይርከብን ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ ምስ ኢየሱስ ቀጥተኛ ርክብ ብምፍጣር ማለት ልክዕ ከምታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ዝገበረቶ ዘፈር ክዳኑ ክትንክፍ ብማእከል እኩብ ሕዝቢ ሓሊፍ ዝተዓወተት ምግባር የድሊ ኢሎም።

“ምናዳ ኣብዚ ግዜ እዚ ምትንካብ ርክብ ምፍጣር ክሳብ ክንደይ ኣድላዩ ከምዝኾነ ኣጸቢቁ ተሰቊሩና ኣሎ። ምስ ኢየሱስ ከኣ ክንተናኸፍ ክንራኸብ ኣሎና። ሓንሳእ ሓንሳእ ሓንቲ ጽብቅቲ ሓሳብ ጸሎት ንረክብ እሞ ከም ሕንጻይ ወይ ፓፓጋሎ ንዓዓ ደጋግምን ክንጽሊ ንውዕል። እንተኾነ ጐይታ ክንረኽቦ ልብና ክንከፍተሉ ከምታ ናይታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ዘፈር ክዳኑ ብምትንካፍ ክንሓዊ እዩ ዝጽበየና ዘሎ። ምኽንያቱ ከኣ ምስ ኢየሱስ እንክንራኸብ ካብ ስምዒታትና ብኡ ንብኡ ኢና እንሓዊ። ስለዚ ክንዮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ዘይኮናዮ ኰና ክንረኤ ሒዂ ምባልን ምኻድ የድልየና ኢሎም።”

ክንዮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ዘይኮናዮ ኰና ክንረኤ ሒዂ ምባልን ምኻድ የድሊ!

ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ታሪኽ እታ ሰበይቲ ምልስ ይብሉ ከምቲ ወንጌል ዝትርኾ ኢየሱስ መን ተንኪፉኒ ዝብል ንሓዋርያት ዘደንጸው ሕቶ ምስ ሓተተ ኣዕይንቱ ናብቲ ሕዝቢ ይልእኽ እሞ ኣብ መንጎ እቲ ሕዝቢ ምሉእ እምነት ዘለዎ ልብን ገጽታን ሃሰስ ይብል። ኣብ ገጽ እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ይዓልባ ይረዳድኡ።

“ኢየሱስ ነቲ ፍጻሜ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ብኣልማማ ብሓፈሻ ኣይኮነን ዝጥምቶ እንታይ ደኣ ነቲ በዓል ጉዳይ ብኣካል ይጥምት። ኣብቲ ዝረኤ ቊስልታትን ሕሉፍ ጌጋታትን ጠጠው ኣይብልን እንታይ ደኣ ክንዮ ሓጢኣትን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ይሰግር። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ንሕና እንክንዛረብ ብኡ ንብኡ ኣብ ቤላቤለው ወዲቅና ብዛዕባ ብጾትና ሕማቅ ንዛረብን ንሓምን! ከምቲ ኢየሱስ ንድሕነትና ዝተግህ ዘይኮነ ኣየኸ እዚ ሰብ እዚ እሞ ረኣዮ ንብል። እንተ ኢየሱስ ናይ ሎሚ ሃረርታናን ድላይናን እምበር ነቲ ዘሎና ሕማቅ ታሪኽ ኣይኮነን ዝጥምት። ኢየሱስ ክንዮ ሓጢኣት ይሰግር። ኢየሱስ ክንዮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ይሓልፍ። ኣብ ኣፍኣዊ ገጽታ ኣይቀውምን ናብ ልቢ እዩ ዝበጽሕ። በዚ ከኣ ነታ ብኩሎም ዝተናዕቀት ሰበይቲ የሕውያ። ፍቅሪ ብዝመልኦ አንደበት ከኣ ጓለይ ይብላ እሞ እምነትኪ ኣሕውያትኪ ብሰላም ኪዲ ካብ ሕማምኪ እውን ተፈወሲ ኢሉ የሰናብታ። ኢየሱስከስ ብተነጽሎ ንብሕቶም ዝሳቀዩን ዝቈሰሉን ይቅበል ንሕና እውን ከምቲ ናቱ ንዝቈሰሉን በይኖም ንዝኾኑን ሰባት ንቀበል ኢሎም።”

ንዝቈሰሉን ተነጺሎም በይኖም ዝተረፉን ንቀበል!

እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ጠመተኡ ናብቲ ሕዝቢ ዝሰደድ ኢየሱስ ንከተል። ኣብነቱ ብምስዓብ ድማ ኣብ ጥቃና ዝነብሩ ቊስላትን በይኖም ተነጺሎም ብብሕትውና ዝሕቀዩን ዘለው ንጠምት እሞ ነቲ ካባና ዘድልዮም ዝተፈቀሩ ናይ ምዃን ሃረርታን ለዋህ ልግስናን ነወፊ።

“ኢየሱስ ነቲ ፍጻሜ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ብኣልማማ ብሓፈሻ ኣይኮነን ዝጥምቶ እንታይ ደኣ ነቲ በዓል ጉዳይ ብኣካል ይጥምት። ኣብቲ ዝረኤ ቊስልታትን ሕሉፍ ጌጋታትን ጠጠው ኣይብልን እንታይ ደኣ ክንዮ ሓጢኣትን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ይሰግር። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ንሕና እንክንዛረብ ብኡ ንብኡ ኣብ ቤላቤለው ወዲቅና ብዛዕባ ብጾትና ሕማቅ ንዛረብን ንሓምን! ከምቲ ኢየሱስ ንድሕነትና ዝተግህ ዘይኮነ ኢየሱስ ኣብ ደጋዊ ኩነታት ሰባት ደው ዝብል ጠመተ ኣይሃሉኻ ይብለና። እንታይ ደኣ ናብ ልቢ ዝበጽሕ ዘይከስስን ዘይፈርድን ጠመተ ኰይኑ ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል ጠመተ ይሃሉኻ ይብለና። ደጊምከስ ንካልኦት ምፍራድ ወጊድ ንበሎ። ምኽንያቱ ከኣ ፍቅሪ ጥራሕ እዩ ንሕይወት ዘጥዒ። ኣይትፍረድ። ንግላውን ማሕበራውን ኩነታት ካልኦት ኣይትፍረድ። እግዚአብሔር ንኩልና የፍቅር። ኣይትፍረድ። ንካልኦት ብሰላም ክነብሩ ግደፍዎም ብፍቅሪ ክትቀርብዎም ከኣ ጸዓሩ ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።”

ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ንዕለተ ሰላም ምብራቅ ዘኪሮም ‘እግዚአብሔር ንጻዕሪ እቶም ኣብታ ክርስትና ዝተወልደትላን ክንዮ ብዙሕ ስቃይ እትነብረላን ማእከላይ ምብራቅ ዘተን ተሓባቢርካ ብሕውነት ምንባርን ንከንግሱ ዝቃለሱ ይደግፍ’ ምስ ዕለት 29 ሰነ 2021 ዓም ዝዝከር በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኩሎም ስለ ር.ሊ.ጳ ክጽልዩ ተማሕጺኖም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንግዳያት ናይታ ብብርቱዕ ማዕበልን ንፋስን ዝተጐድአት ደብብ ምብራቃዊ ሪፓብሊክ ቸክ ብመንፈስ ቅርበቶም ግሊጾም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።  

ብድምጺ ንምክትታል!

 

28 June 2021, 12:06