ኣደራዕ እንከጋጥም ምስ እግዚአብሔርን መንፈስ ሕውነትን እንደገና ብሓዲሽ ምትንሣእ የድሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ብደናግል ክላሪሰ ዝፍለጣ መሠረተን ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ብቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚን ብቅድስት ክያራን ዝቆመ ለይትን መዓልትን ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባን ኣምልኾን ዝተጸምዳ ዕጽዋት ደናግል እየን። ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሔን ብጸሎት የገልግላ።
ናይዘን ደናግል እዚኤን ክፍሊ ዝኾነ ብገዳም ፓጋኒካ ዝፍለጥ ኣብ ኣኲላ ዝበሃል ዞባ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ገዳም ዕለት 6 ሚያዝያ 2009 ዓም ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ገዳመን ምሉእ ብምሉኡ እንክዓኑ እመመኔተን ዝነበራ እናቴ ጀማ ኣንቶኑቺ እውን ኣብኡ ዓረፋ። እዚ ገዳም እዚ ብ1997 ዓም ዝተኸፍተ ሓዲስ ገዳም ነበረ። ድሕሪ 12 ዓመት ከምዘይነበረ ኮነ። እንደገና ካብ ዝፈርስ ካልእ 12 ዓመት ኣቊጺሩ ከኣ ከምብሓዲስ ተሃንጸ።
ቊስልታት ናይቲ ሓያል ምቅጥቃጥ ምድሪ ገና ካብ ልብታት እቲ ሕዝቢ ኣይሓወየን። እንተኾነ እዘን ደናግል እዚኤን ምስ ሕዝበን ኰይነን ብጽንዓትን እምነትን ክጽልያን ከጸናንዓን ተስፋ ኰይነን ገና ይጐዓዛ ኣለዋ። ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ሓዲስ ገዳም ገዲመን ኣብ ዝሓለፈት ወርሒ ዕለት 9 መጋቢት 2021 ዓም ኣመሪቀን። ኣብቲ ፍርስራስ ገዳመን ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ናይቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተረኽበት ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ከም መዘከርታ ኣብቲ ገዳመን ኣብ ቨትሮ ተቀሚጣ ሓውልቲ ዝኽሪ ገረንኣ ኣለዋ።
ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ ኣብዘን ደናግል እዚኤን ንዝረኣይዎ ጽንዓት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንኩሉ ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣንቢረን ብዘይ ምንም ንብረትን ገዛን ኣብ መንጎ ሕዝበን ኰይነን ብተኣማንነት ብዓቢ ፍቅሪ ዝከኣለን ብምብርካት ምልክት ተስፋን ጽንዓትን ምዃነን እሞ ከኣ ካብ ዘሰንብድ ድራማን ኣደራዕን ንእግዚአብሔር ሒዝካ ከመይ ቢልካ ብሓዲስ ከምእትጅምር ከምዚ ክብሉ ብምስጋና ኣዘኻኸሩ።
ቅዱስነቶም ነተን ደናግል ስለ እቲ ቀጻሊ ጸሎተንን ወትሩ ንቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዝኸውን ብዓቢ ጥበብን ውሕልነትን ብኣእዳወን ዝሰርሓኦ ዘወፍዮኦ ሽምዓን ብምምስጋን ስፍሕ ዝበለ ምኽሪ ዝሓዘ ብጽሑፍ ንዘቅረብዎ ማዕዳ ኣረከብወን። ብቀንዱ ግን በቲ ዘወፍያኦ ጸሎትን ሽምዓን ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ወኪለን ኣብቲ ቤትጸሎት ዝግበር ሥርዓታት ኩሉ ንሰን እውን ብመንፈስ ህልዋት ከምዝኾና ገለጹ። እንተ ንሓዲስ ተበግሶ ጒዕዞ ገዳመን ብዝምልከት ግን ወትሩ ካብ እግዚአብሔርን ካብ ፍቅሪ ኣሕዋትን ከም ብሓዲስ ምብጋስ ከምዘደሊ ምኽሮም ለገሱ።
ካብ እግዚአብሔር ካብ ፍቅሪ ኣሕዋትን ከም ብሓዲሽ ምጅማር!
ቅዱስነቶም ናብቲ ብ2009 ዓም ከውታ ለይታ ኣብ ምውጋሕ ገጹ ዘጋጠመ ብርቱዕ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲ ሓደጋ ንኩሉ ኩሉ ከምዘይነብረ ገሩ እንክድምስስ ንእግዚአብሔርን ንሕውነትን ግን ስለዘይተንከፈ ነዚኤን ክልተ ሒዝክን ጸኒዕክን ኣጽኒዕክን። ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ዳሳት ኰንክን ጸሎትክንን ሥራሕክንን እናቀጸልክን ብጸጋ እግዚአብሔርን ሓገዝ ብዙሓት ገበርቲ ሠናይን ነቲ ገዳም ዳግም ተኺልክን’ ምስ በሉ ነቲ ጥልቂ ምስጢር ከኣ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።
ኩለንትናኻ ኣብ ትሕቲ ወንጌል ኣወፊኻ ምንባር!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም እቲ ቀንዲ እጃም ጸዋዕታኤን ዝኾነ ማለት ንመሥረተቲ እቲ ማሕባር ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ቅድስት ክያራን ዝደፋፍአ መንፈስ ከምኡ ኣውን ኣብነት ፍረ ናይቲ ዘለዋኦ ገዳም ዝኾነት ብፅዕት ኣንቶንያ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸርወን።