2021.04.26 ር.ሊ.ጳ ንደናግል ክላሪሰ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ 2021.04.26 ር.ሊ.ጳ ንደናግል ክላሪሰ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ 

ኣደራዕ እንከጋጥም ምስ እግዚአብሔርን መንፈስ ሕውነትን እንደገና ብሓዲሽ ምትንሣእ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ፓጋኒካ ኣብ ዝብሃል ዞባ ኣኲላ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ገዳም ዕጽዋት ደናግል ብ2009 ዓም ብርዕደ መሬት ዝተጐድኤ ኰይኑ ገና ኣምልኾን ንምቅራብን ስለ መላእ ዓለም ንምጽላይን ተዓጽየን ዝነብራ ደናግል ዕለት 26 ሚያዝያ 2021 ዓም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺበን ምኽሮምን ቡራኬኦምን ኣብ ዝሓተታሉ ግዜ ቅዱስነቶም ‘ብጸሎትን ምጽንናዕን ኣብ ዓለምና ተስፋ ኩና። ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ዞባኽን ገና ቊስልታት ርዕደ መሬት ንዘሳቅዮም’ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም ብቡራኬ ኣሰናበትወን።

ዜና ቫቲካን!

ብደናግል ክላሪሰ ዝፍለጣ መሠረተን ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ብቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚን ብቅድስት ክያራን ዝቆመ ለይትን መዓልትን ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባን ኣምልኾን ዝተጸምዳ ዕጽዋት ደናግል እየን። ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሔን ብጸሎት የገልግላ።

ናይዘን ደናግል እዚኤን ክፍሊ ዝኾነ ብገዳም ፓጋኒካ ዝፍለጥ ኣብ ኣኲላ ዝበሃል ዞባ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ገዳም ዕለት 6 ሚያዝያ 2009 ዓም ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ገዳመን ምሉእ ብምሉኡ እንክዓኑ እመመኔተን ዝነበራ እናቴ ጀማ ኣንቶኑቺ እውን ኣብኡ ዓረፋ። እዚ ገዳም እዚ ብ1997 ዓም ዝተኸፍተ ሓዲስ ገዳም ነበረ። ድሕሪ 12 ዓመት ከምዘይነበረ ኮነ። እንደገና ካብ ዝፈርስ ካልእ 12 ዓመት ኣቊጺሩ ከኣ ከምብሓዲስ ተሃንጸ።

ቊስልታት ናይቲ ሓያል ምቅጥቃጥ ምድሪ ገና ካብ ልብታት እቲ ሕዝቢ ኣይሓወየን። እንተኾነ እዘን ደናግል እዚኤን ምስ ሕዝበን ኰይነን ብጽንዓትን እምነትን ክጽልያን ከጸናንዓን ተስፋ ኰይነን ገና ይጐዓዛ ኣለዋ። ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ሓዲስ ገዳም ገዲመን ኣብ ዝሓለፈት ወርሒ ዕለት 9 መጋቢት 2021 ዓም ኣመሪቀን። ኣብቲ ፍርስራስ ገዳመን ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ናይቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተረኽበት ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ከም መዘከርታ ኣብቲ ገዳመን ኣብ ቨትሮ ተቀሚጣ ሓውልቲ ዝኽሪ ገረንኣ ኣለዋ።

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ ኣብዘን ደናግል እዚኤን ንዝረኣይዎ ጽንዓት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንኩሉ ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣንቢረን ብዘይ ምንም ንብረትን ገዛን ኣብ መንጎ ሕዝበን ኰይነን ብተኣማንነት ብዓቢ ፍቅሪ ዝከኣለን ብምብርካት ምልክት ተስፋን ጽንዓትን ምዃነን እሞ ከኣ ካብ ዘሰንብድ ድራማን ኣደራዕን ንእግዚአብሔር ሒዝካ ከመይ ቢልካ ብሓዲስ ከምእትጅምር ከምዚ ክብሉ ብምስጋና ኣዘኻኸሩ።

“ካብቲ ሽዑ ዘጋጠመ ድራማ እግዚአብሔር ሓዪልካ ከምትወጻ ገበረክን። ዳርጋ ከምቲ ዘርኢ ሥርናይ መይታ ተቀቢራ ሕይወት ዳግም እትዘርኦ ከኣ መትክን ተንሲእክን ብዙሕ ፍረ ንክተፍሪ እግዚአብሔር ነዛ ገዳምክን ካብ ሓሙዂሽቲ እንደገና ዳግም ሕይወት ከምእትዘርእ ገበራ። ዝዓበየ ስቃይን መከራን እኳ እንተኣጓነፍክን ፍቅሪ ዝመልኦ ሓልዮት እግዚአብሔርን ደገፍ ብዙሓት ሰባትን ኣይተፈልየክንን።”

ቅዱስነቶም ነተን ደናግል ስለ እቲ ቀጻሊ ጸሎተንን ወትሩ ንቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዝኸውን ብዓቢ ጥበብን ውሕልነትን ብኣእዳወን ዝሰርሓኦ ዘወፍዮኦ ሽምዓን ብምምስጋን ስፍሕ ዝበለ ምኽሪ ዝሓዘ ብጽሑፍ ንዘቅረብዎ ማዕዳ ኣረከብወን። ብቀንዱ ግን በቲ ዘወፍያኦ ጸሎትን ሽምዓን ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ወኪለን ኣብቲ ቤትጸሎት ዝግበር ሥርዓታት ኩሉ ንሰን እውን ብመንፈስ ህልዋት ከምዝኾና ገለጹ። እንተ ንሓዲስ ተበግሶ ጒዕዞ ገዳመን ብዝምልከት ግን ወትሩ ካብ እግዚአብሔርን ካብ ፍቅሪ ኣሕዋትን ከም ብሓዲስ ምብጋስ ከምዘደሊ ምኽሮም ለገሱ።

ካብ እግዚአብሔር ካብ ፍቅሪ ኣሕዋትን ከም ብሓዲሽ ምጅማር!

ቅዱስነቶም ናብቲ ብ2009 ዓም ከውታ ለይታ ኣብ ምውጋሕ ገጹ ዘጋጠመ ብርቱዕ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲ ሓደጋ ንኩሉ ኩሉ ከምዘይነብረ ገሩ እንክድምስስ ንእግዚአብሔርን ንሕውነትን ግን ስለዘይተንከፈ ነዚኤን ክልተ ሒዝክን ጸኒዕክን ኣጽኒዕክን። ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ዳሳት ኰንክን ጸሎትክንን ሥራሕክንን እናቀጸልክን ብጸጋ እግዚአብሔርን ሓገዝ ብዙሓት ገበርቲ ሠናይን ነቲ ገዳም ዳግም ተኺልክን’ ምስ በሉ ነቲ ጥልቂ ምስጢር ከኣ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።

“ካብዘን ክልተ ጽኑዓት ዓንድታት ማለት እግዚአብሔርን ፍቅሪ ኣሕዋትን ብትብዓት ብሓዲሽ ተበገሳ። እቲ ጸገም ምስ ኣጋጠመ ንቁሩብ ግዜ ንግዜኡ ከጽንሓን ዝበልክንኦ ንልዕሊ ዓሠርተ ዓመት መንበሪኽን ኰይኑ ሕጂ ግን ንገዳምክን ዳግም ሓኒጽንክን። ገዳምክን እንደገና ይዕምብብ ኣሎ። ዓሠርተ ደናግል እሞ ኸኣ ኩለን መንእሰያት። ንሕዝቢ ሎሚ እትህባኦ መልእኽቲኸስ ‘ኣደራዕ እንከጋጥም ምስ እግዚአብሔርን መንፈስ ሕውነትን እንደገና ብሓዲሽ ምትንሣእ ይከኣል እዩ’ ዝብል እዩ ኢሎም።”

ኩለንትናኻ ኣብ ትሕቲ ወንጌል ኣወፊኻ ምንባር!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም እቲ ቀንዲ እጃም ጸዋዕታኤን ዝኾነ ማለት ንመሥረተቲ እቲ ማሕባር ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ቅድስት ክያራን ዝደፋፍአ መንፈስ ከምኡ ኣውን ኣብነት ፍረ ናይቲ ዘለዋኦ ገዳም ዝኾነት ብፅዕት ኣንቶንያ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸርወን።

“ዝኸበርክን ኣሓት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብጣዕሚ ዝተጐድኤ ሕዝቢ ገና እውን ምጽንናዕን ምትብባዕን ዘድልዮ ሕዝቢ ንምድጋፍ ብጸሎትክንን ብምጽንናዕክንን ከተሰንያኦ ሓደራ። ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ልብኽን ዘንብረልክን ሠናይ ፍቃድ ብልግሲ መልሲ ሃባ። ነዚ ከኣ ኩለንትናኻ ኣብ ትሕቲ ወንጌል ብምግባር ነታ ናይ ወፈያ ሕይወትክን ብምንባር ግበራኦ በልወን።”

ብድምጺ ንምክትታል!
27 April 2021, 12:03