ምስቲ ሓደስቲ ጐደናታት ሕይወት ዝኸፍት ኢየሱስ ሕይወት ወትሩ ከምብሓዲሽ ትጅምር! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ርግጽ እዩ ነቲ ዘደንቅ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ዘመልክት ብርሃንን ቀንዴላትን ጸሎትን ካብ መንበረ ጴጥሮስ ናብ መላእ ዓለም ውሒዙ እንተኾነ ዓለምና ብውግእን ድኽነትን ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ቈሲሉ ይሳቀ ብምህላው ነዚ ሥቃይ እዚ ክውድኦ ዝኽእል ሓደ ጐይታ ብምዃኑ ትንሣኤኡ ብምዝካር ቈላሕታና ናብኡ ንክንገብር እዚ ብርሃን እዝን እዚ ጸሎት እዝን ንትንሣኤ ጐይታ ዳግም ንምንባርን ነቲ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝሰጋገር ኢየሱስ ምሉእ ቈላሕታን እምነትን ንምንባር ተገብረ። እቲ ካብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ዝተባረኸ ሓዊ ዝበርሄ መብራህትን ብላቲን ሉመን ክሪስት ብርሃን ክርስቶስ ዝብል ዜማን ብሓቂ ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ዓለምና ከምዝዕወት ይእውጅ።
እቲ እተሰቅለ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ!
ከምቲ ሥርዓት ዝእዝዞ ካብ ብዙሕ ብውሑዱ ካብ ኦሪት ዘፍጥረትን ዘጸኣትን ከምኡ እውን ካብ ትንቢት ሕዝቅኤል ብዝዓባ ታሪኽ ፍጥረትን ድሕነትን ምስ ተነበ ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት ዝብል ክፍሊ ቅዳሴ ይዝየም እሞ እተን ንሳልስቲ ካብ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ጀሚረን ድምጸን ኣቋሪጸን ዝንበራ ዓበይቲ ደወላት ብስራት ትንሣኤ ንምግዋሕ የድምጻ። ታሪኽ ትንሣኤ ብሊቀ ዲያቆን ይቀርብ ከምቲ ንሱ ዝተንስኦ ንሕና እውን ክንትንስእ ኢና ሃሌሉያ እናተባህለ ምስ ተዜመ ካብ ወንጌል ማርቆስ ትንሣኤ ኢየሱስ ዝትርኽ ተነበ።
ቅዱስነቶም ነተን ፍልይ ብዝበለ ማርቆስ ዘዘንትዎ ነተን ምድሪ ከይወግሐ ናብ መቃብር ኢየሱስ ዝኸዳ ሠለስተ ኣንስቲ እቲ መንእሰይ ዝበለን ሰልስተ ሓረጋት ማለት ብቀዳምነት ‘ኣይትፍርሃ!’ ኣስዒቡ ‘ነቲ እተሰቅለ ኢየሱስ ናዝራዊ ዲኽን ትደልያ ዘሎኽን ኣብዚ የለን ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ’ ኣብ መወዳእታ ከኣ ‘ንሓዋርያቱን ጴጥሮስን ኣብ ገሊላ ቀዲመኩም ክጸንሓኩም እዩ በላኦም’ ይብለወን።
እተን ኣንስቲ ይብሉ ቅዱሰንቶም! እተን ኣንስቲ ሬሳ ኢየሱስ ክረኽባ እየን ዝሓሰባ ዝነበራ በዚ ከኣ ክቀብኣኦ እንተኾነ ባዶ መቃብር ይጸንሐን። ናብ ገሊላ ኣብቲ ካብ ሞት ዝተነሠኤ ክርስቶስ ዝርከቦ ክኸዳ ይንገራ። እዚ ዕድመ እዚ ሎሚ ንዓናውን ይቀርብ ኣሎ። እንትኾነ ናብ ገሊላ ምኻድ ትርጉሙ እንታይ ኮን ይኸውን ኢሎም ይሓቱ እሞ፡ እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ዳግም ከምብሓዲሽ ምጅማር የመልክት ኢሎም። ነቶም ናይ ሽዑ ሓዋርያት ናብታ መጀመርያ ኢየሱስ ደልዩ ዝረኽቦምን ንክኽተለዎ ዓዲሙ ዝመረጾምን ቦታ የመልክት። መጀመርያ ዝተራኸቡሉ ቦታ ናይ መጀመርያ ፈላሚ ፍቅሪ ቦታ እዩ።
እንደገና ብሓዲሽ ዳግም ምጅማር!
ቅዱስነቶም ዳግም ናብ ዕድመ ገሊላ ይምለሱ እሞ እዚ ነቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ዝቀረበ ዕድመ ንናይ ሎሚ መላእ ዓለም ከምዝኾነ የዘኻኽሩ እሞ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ዓለምና ዳግም ከምብሓዲስ ክጅምር ይኽእል ከመይ ክንዮ ኩሉ ውድቀታትናን ፍሽለታትናን እግዚአብሔር ኣብ ውሽጥና ሓዲስ ሕይወት ዘሪኡ ከም ብሓዲስ ሓዲስ ሕይወት ንክንጅምር ሓዲስ ሕይወት ክህበና ይኽእል እዩ።
ሓደስቲ ጐደናታ ምኽታል!
ንገሊላ ምኻድከስ ሓደስት ጐደናታት ምጒዓዝ ናብ ተጻይ መቃብር ዝኾነ ኣንፈት ምምራሽ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ‘ብዙሓት ዝኽርታት ዝመልኦ እምነት ይነብሩ እዚ ከኣ ኢየሱስ ከም ሓደ ናይ ቀድም ዝሓለፈ ታሪኽ ገሮም ብምሕሳብ ከምቲ ኣብ ንእስነቶም ዘጥፍእዎ ዓርቅኪ ቀደም ቀደም ትምህርቲ ክርስቶስ ክመሃሩ እንከለው ጥራይ ዝነበረ ገሮም ይግምቲ። እዛ እምነት እዚኣ እምነት ልማድ ትበሃል ናይ ሕጻንነትካ ሠናይ ነገራት ጥራይ እናዘከርካ ዝንበር እምነት። እንተኾነ እዚ እምነት እዚ ልቢ ኣይትንክፍ ኣየንቀሳቅስ’ ኢሎም።
ኢየሱስ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ የፍቅረና!
እዛ ናብ ገሊላ ምኻድ እትብል ሓረግ ክንዮ እዚ ዝተባህለ ክሳብ ኣጽናፍ ምድሪ ምኻድ እውን ከምዘመልክት ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ‘ገሊላ ማለት ኣብቲ ግዜቲ ካብቲ ሥልጡንን ማእከል ኣምልኾን ዝኾነ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝረሓቀ ቦታ እዩ ዘስምዕ። እንተኾነ ኢየሱስ ተልእኮኡ ኣብኡ እዩ ጀሚሩ ነቶም ዝተናዕቁን ማንም ዘይግደሰሎምን ድኻታትን ተኣፈፍትን ወንጌል ብምስባኽ ንሶም ገጽታ እግዚአብሔር ምዃኖም ብምግላጽ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ከይተሰላቸው ብምድላይ እዩ ጀሚርዎ። በዚ ከኣ ካብ መንግሥቱ ማንም ዝግለል ከምዘይህሉ ክሳብ እታ ወሰናስን ወይውን ኣጽናፍ ኢየሩሳሌም ዝኾነት ገሊላ ብምኻድ ሰቢኹ። ካብ ሞት ምስ ተንሠኤውን ነቶም ኣርድእቱ ናብኣ ንክኸዱ እዩ ዓዲምዎም` ኢሎም።
ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታትና ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሎሚ ንዓናውን ናብ ሻውላትን ዝተገለለ ክፍሊ ከተማታትናን ዘወን ክንብል እሞ ኣብቲ ኲርናዓት ጐደናታት ኰይኖም ዝልምኑን ኣላዪ ዘይብሎምን ክንከይድ ይዕድመና ኣሎ። ንሱ ቀዲሙና ኣብኡ ከምዝለኦ ዘይምዝንጋዕ ንሱ ወትሩ ምሳኡ ግዜና እነሻምዎ ገዛና እነካፍሎ ሥራሕናን ድኻምናን ተስፋናን እነካፍሎ ሰብ ኰይኑ የሰንየና’ ኢሎም።
ፍርሕታት ብተስፋ እንክሰዓሩ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስበከቶም ናብታ ቀዳመይቲ ቃል ምልስ ይብሉ እቲ ነተን ሠለስተ ኣንስቲ ዝተዋህበ ቀዳማይ ብሥራት ትንሣኤ ክርስቶስ ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና ይወሃብ ስለዘሎ ‘ኣይትፍራህ ካብ ሙታን ተንሲኡ እዩ ኣብ ገሊላ ይጽበየካ ኣሎ’ እንክብሉ በዘን ቃላት እዚኤን ስብከቶም ዛዘሙ።
ሓፍተይ ሓወይ ኣብዛ ምሸት እዚኣ ኣብ ልብኻ ዝኾነ ጸልማት ሒዝካ ትጐዓዝ እንተደሃሊኻ ገና ዘይወግሐ ዕለትን ዘይተቀብረት ቀንዴልን ዘይፈሸለ ሕልምን ኣሎካ ልብኻ ነዛ ዓባይ ብሥራት ትንሣኤ ክርስቶስ ክርስቶስ ብዓቢይ ኣድናቆት ጋህ ኣቢልካ ክፈቶ። ‘ኣይትፍራህ ካብ ሙታን ተንሲኡ እዩ ኣብ ገሊላ ይጽበየካ ኣሎ’። ትጽቢታትካ ከይተፈጸማ ፈጺመን ኣይክተርፋን እየን ንብዓትካ ክሕበስ እዩ ፍርህታትካ ብተስፋ ትንሣኤ ክሽነፍ እዩ። ከመይ ቢሉ እንተበልካ ጐይታ ወትሩ ናብ ገሊላ ሓሊፉ ይጽበየካ ከምዘሎን ቀቅድሜካ ከምዝጐዓዝን ኣረጋጊጽካ ስለ እትፈልጥ እዩ። ምሳኡ ከኣ ሕይወት ወትሩ ከምብሓዲስ ትጅምር እንክብሉ ስብከቶም ፈጸሙ።