ምስቲ ሓደስቲ ጐደናታት ሕይወት ዝኸፍት ኢየሱስ ሕይወት ወትሩ ከምብሓዲሽ ትጅምር! ር.ሊ.ጳ

ጸሎተ ሓሙስን ዓርቢ ስቅለትን ብዓሚቚ ኣስተንትኖን ጸሎትን ምስቶም ምሳኦም ክሳተፉ ዕድል ዝረኸቡ ዉሱናት ሰባትን ብመራኸቢ ብዙሓን ምስ መላእ ዓለምን ምስ ፈጸሙ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ጸጥታ ቀዳም ስዑር ኣማስያኡ ነቲ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ፋሲካ ክግበር ዝነበሮ ሥርዓተ ዑደትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ኣቀድም ኣቢሎም ቅድሚ ሰዓቱ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ኣብ መልእ ሃገረ ጣልያን ዝተነብብረ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት ፈጺሞም። ከምቲ ሥርዓት ዝእዝዞ ከኣ ቡራኬ ሓውን ማየ ጸሎትን ፈጺሞም ካብቲ ሓዊ ብዝበርሄ ጥዋፍ ኣብቲ ጸልሚቱ ዝነበረ ቤተክርስትያን ‘ክርስቶስ ብርሃን’ እናበለ ነቶም ብውሱን ቊጽሪ ሸምዓ ሒዞም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ምስ ኣብሩሆልምን መላእ ቤተክርስትያን ብብርሃንን ዕምባባታትን ምስ ወቀበን ነቲ ሥርዓቱ ዝእዝዞ ንባባትን ጸሎታትን ኣብጺሖም ብማየ ጸሎት ነጺጎም ምሕዳስ ጥምቀት ምስ ፈጸሙ ‘ክንዮ ኩሉ ሽንፈትን ክፍኣተ ግብርን ዓመጽን ከምኡ እውን ክንዮ ማንም ስቃይን ሞትን እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሕያው እዩ ንታሪኽ ድሕነት ከኣ ገና ይቅጽሎ ኣሎ’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ርግጽ እዩ ነቲ ዘደንቅ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ዘመልክት ብርሃንን ቀንዴላትን ጸሎትን ካብ መንበረ ጴጥሮስ ናብ መላእ ዓለም ውሒዙ እንተኾነ ዓለምና ብውግእን ድኽነትን ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ቈሲሉ ይሳቀ ብምህላው ነዚ ሥቃይ እዚ ክውድኦ ዝኽእል ሓደ ጐይታ ብምዃኑ ትንሣኤኡ ብምዝካር ቈላሕታና ናብኡ ንክንገብር እዚ ብርሃን እዝን እዚ ጸሎት እዝን ንትንሣኤ ጐይታ ዳግም ንምንባርን ነቲ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝሰጋገር ኢየሱስ ምሉእ ቈላሕታን እምነትን ንምንባር ተገብረ። እቲ ካብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ዝተባረኸ ሓዊ ዝበርሄ መብራህትን ብላቲን ሉመን ክሪስት ብርሃን ክርስቶስ ዝብል ዜማን ብሓቂ ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ዓለምና ከምዝዕወት ይእውጅ።

እቲ እተሰቅለ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ!

ከምቲ ሥርዓት ዝእዝዞ ካብ ብዙሕ ብውሑዱ ካብ ኦሪት ዘፍጥረትን ዘጸኣትን ከምኡ እውን ካብ ትንቢት ሕዝቅኤል ብዝዓባ ታሪኽ ፍጥረትን ድሕነትን ምስ ተነበ ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት ዝብል ክፍሊ ቅዳሴ ይዝየም እሞ እተን ንሳልስቲ ካብ ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ጀሚረን ድምጸን ኣቋሪጸን ዝንበራ ዓበይቲ ደወላት ብስራት ትንሣኤ ንምግዋሕ የድምጻ። ታሪኽ ትንሣኤ ብሊቀ ዲያቆን ይቀርብ ከምቲ ንሱ ዝተንስኦ ንሕና እውን ክንትንስእ ኢና ሃሌሉያ እናተባህለ ምስ ተዜመ ካብ ወንጌል ማርቆስ ትንሣኤ ኢየሱስ ዝትርኽ ተነበ።

ቅዱስነቶም ነተን ፍልይ ብዝበለ ማርቆስ ዘዘንትዎ ነተን ምድሪ ከይወግሐ ናብ መቃብር ኢየሱስ ዝኸዳ ሠለስተ ኣንስቲ እቲ መንእሰይ ዝበለን ሰልስተ ሓረጋት ማለት ብቀዳምነት ‘ኣይትፍርሃ!’ ኣስዒቡ ‘ነቲ እተሰቅለ ኢየሱስ ናዝራዊ ዲኽን ትደልያ ዘሎኽን ኣብዚ የለን ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ’ ኣብ መወዳእታ ከኣ ‘ንሓዋርያቱን ጴጥሮስን ኣብ ገሊላ ቀዲመኩም ክጸንሓኩም እዩ በላኦም’ ይብለወን።

እተን ኣንስቲ ይብሉ ቅዱሰንቶም! እተን ኣንስቲ ሬሳ ኢየሱስ ክረኽባ እየን ዝሓሰባ ዝነበራ በዚ ከኣ ክቀብኣኦ እንተኾነ ባዶ መቃብር ይጸንሐን። ናብ ገሊላ ኣብቲ ካብ ሞት ዝተነሠኤ ክርስቶስ ዝርከቦ ክኸዳ ይንገራ። እዚ ዕድመ እዚ ሎሚ ንዓናውን ይቀርብ ኣሎ። እንትኾነ ናብ ገሊላ ምኻድ ትርጉሙ እንታይ ኮን ይኸውን ኢሎም ይሓቱ እሞ፡ እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ዳግም ከምብሓዲሽ ምጅማር የመልክት ኢሎም። ነቶም ናይ ሽዑ ሓዋርያት ናብታ መጀመርያ ኢየሱስ ደልዩ ዝረኽቦምን ንክኽተለዎ ዓዲሙ ዝመረጾምን ቦታ የመልክት። መጀመርያ ዝተራኸቡሉ ቦታ ናይ መጀመርያ ፈላሚ ፍቅሪ ቦታ እዩ።

“እቲ ጸገም ምሳኡ እዚ ኩሉ ተመላሊሶም ኣዕሚቆም ኣይፈለጥዎን ኣይተረድእዎን። ብዙሕ ግዜ ንዘረባኡ ዘይትርጉሙ ይህቡ ስለዝነበሩ ኣብ ቅድሚ መስቀል ምስ ቀረቡ በይኑ ሓዲጎሞ ሃደሙ። ምስዚ ኩሉ ፍሽለቶም ግን ጐይታ ገና ካልእ ሓዲስ ዕድል ይህቦም ኣብ ገሊላ ሓሊፉ ይጸንሖም። እንደገና ይጽውዖም ከይተሓላለ ከኣ ዳግም ንክስዕብዎ ይዕድሞም። እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብካልእ ኣዘራርባ ‘ካብቲ መጀመርያ ዝነቀልናዮ ከምብሓዲሽ ንጀምር። ክንዮ ኩሉ ውድቀትን ፍሽለትን ሎሚ እውን ከምብሓዲሽ ምሳይ ክትጅምሩ እደልየኩም ኣሎኹ ይብሎም። ኣብዚ ገሊላ ኸስ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩን ሓይሉን ንዕዘብ። ወትሩ ካብቲ ናይ ውድቀት ኣሰራትና ሓደስቲ መንገድታት ሕይወት እናሓንጸጸ እንደገና የጀምረና። ንሱኸስ ወትሩ ከምኡ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ነዙይ ንምግባር ናብ ገሊላ ይዕድመና ኢሎም።”

እንደገና ብሓዲሽ ዳግም ምጅማር!

ቅዱስነቶም ዳግም ናብ ዕድመ ገሊላ ይምለሱ እሞ እዚ ነቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ዝቀረበ ዕድመ ንናይ ሎሚ መላእ ዓለም ከምዝኾነ የዘኻኽሩ እሞ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ዓለምና ዳግም ከምብሓዲስ ክጅምር ይኽእል ከመይ ክንዮ ኩሉ ውድቀታትናን ፍሽለታትናን እግዚአብሔር ኣብ ውሽጥና ሓዲስ ሕይወት ዘሪኡ ከም ብሓዲስ ሓዲስ ሕይወት ንክንጅምር ሓዲስ ሕይወት ክህበና ይኽእል እዩ።

“ኣብቲ ዝፈራረሰ ልብታትና እውን እንተኾነ ማለት ነፍስወከፍና ልብታትና ክሳብ ክንደይ ተጐዲኡን ፋሕፋሕ ኢልዎን ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና እንተኾነ እግዚአብሔር ካብዚ ፍርስራስ ልብታትና ዘደንቅ ሥርሓት ጥበብ ከመንጩ ይኽእል። ኩሉ ተደምሲሱ ምንም ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ከይትረፈ እግዚአብሔር ሓዲስ ሕይወት ከመንጩ ሓዲስ መንገዲ ክፈጥር ይኽእል። ንሱ ወትሩ ቀቅድመና ምስ ተጓዕዘ እዩ። ኣብ ስቃይ መስቀልስ ይኹን ኣብ ብሕትውናን ሞትን ከምኡ እውን ኣብ ክብሪ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ሓዲስ ሕይወትን ክውለድ ዘለዎ ሓዲስ ተስፋን ወትሩ ቀቅድመና ምስ ተጓዕዝን ምስ መርሓናን እዩ። ኣብ ብምኽንያት ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ኩሉ ጸልሚትሉ ኣብ ዘሎ ግዜ እውን እንትኾነ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሰኤ ጐይታ ዳግም ከምብሓዲስ ንክንጅምር ፈጺምና ተስፋ ክንቈርጽ ከምዝብልና ብምርግጋጽ ይዕድመና ኣሎ ኢሎም።”

ሓደስቲ ጐደናታ ምኽታል!

ንገሊላ ምኻድከስ ሓደስት ጐደናታት ምጒዓዝ ናብ ተጻይ መቃብር ዝኾነ ኣንፈት ምምራሽ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ‘ብዙሓት ዝኽርታት ዝመልኦ እምነት ይነብሩ እዚ ከኣ ኢየሱስ ከም ሓደ ናይ ቀድም ዝሓለፈ ታሪኽ ገሮም ብምሕሳብ ከምቲ ኣብ ንእስነቶም ዘጥፍእዎ ዓርቅኪ ቀደም ቀደም ትምህርቲ ክርስቶስ ክመሃሩ እንከለው ጥራይ ዝነበረ ገሮም ይግምቲ። እዛ እምነት እዚኣ እምነት ልማድ ትበሃል ናይ ሕጻንነትካ ሠናይ ነገራት ጥራይ እናዘከርካ ዝንበር እምነት። እንተኾነ እዚ እምነት እዚ ልቢ ኣይትንክፍ ኣየንቀሳቅስ’ ኢሎም።

“እንተ ናብ ገሊላ ምኻድ ግን እምነት ሕይወት ክህልዋ እንተኾይኑ ዳግም ጒዕዛኣ ክትጅምር ከምዘለዋ እዩ ዘመልክት። ዕለት ዕለት ነዚ ጒዕዞ እዚ ክምብሓዲስ ምጅማሩ ነቲ ቀዳማይ ፍቅርን ረስኑን ዳግም ምንባሩ የድሊ። ብድሕሪ ነቲ ኩሉ እፈልጦ እየ ዝብል ኣምሰሉነት ኣሊኻ ብትሕትና ኣባኡ ተኣማሚንካ በቲ ንሱ ዘሰናደወልካ ጐዳናታት ከመርሃካ ንኩል ኣብ ኢዱ ምሕዳግ የድሊ። ብዙሕ ግዜ ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ እግዚአብሔር ዝህበናን ዝገበረልናን ዘይተጸበናዮ ነገራት የፍርሁና እዮም። እንተ ሎሚ ጐይታ ኣጆኹም ኣይትፍሁ ሓጐሰይ ክህበኩም ኣፍቅዱለይ ይብለና ኣሎ። ናብቲ ከም ናይ ሕጻንነት ዝኽሪ ታሪኽ ጥራይ ኰይኑ ዘይተርፍ ቀዳማይ ፍቅርና ተመሊስና ብሓዲስ ክነስተማቅሮ ንዑናይ ናብ ገሊላ ንኺድ። ካልኣይ ዓቢይ ብሥራት ትንሣኤኸስ እዚ እዩ። እምነት ዝክሪ ጥራይ ኣይኮነን ሕያው እያ። ኢየሱስ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣይኮነን ሎሚ ሕያው ኰይኑ ኣብ ማእከልና ኣሎ። ዕለት ዕለት ምሳኻ ይጐዓዝ ኣብ እትነብሮ መነባብሮ ኩሉ ኣብ ፈተናስ ይኹን ኣብ ሕልማታትካ ወትሩ ምሳኻ ኣሎ። ኣለው ኢልካ ዘይትግምቶም ወይውን ክህልው ይኽእሉ እዮም ኢልካ ዘይትሓስቦም ሓደስቲ ጐደናታት ይኸፍተልካ። ካብቲ እዝስ እፈልጦ እዝስ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ እየ እናበልካ ትነብሮ ናይ ዕሚም ናብራ ተጻዩ ኣብ ዝኾነ ሓዲስ ሕይወት እቶ። ዋላውን ኩሉ ዝዓነወን ዝጠፍአን እንተመሰልካ በቲ ብሃንደበት ንሱ ዝህበካ ሓደስቲ ነገራት ንክትድነቅ ተሰናዶ ኢሎም።”

ኢየሱስ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ የፍቅረና!

እዛ ናብ ገሊላ ምኻድ እትብል ሓረግ ክንዮ እዚ ዝተባህለ ክሳብ ኣጽናፍ ምድሪ ምኻድ እውን ከምዘመልክት ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ‘ገሊላ ማለት ኣብቲ ግዜቲ ካብቲ ሥልጡንን ማእከል ኣምልኾን ዝኾነ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝረሓቀ ቦታ እዩ ዘስምዕ። እንተኾነ ኢየሱስ ተልእኮኡ ኣብኡ እዩ ጀሚሩ ነቶም ዝተናዕቁን ማንም ዘይግደሰሎምን ድኻታትን ተኣፈፍትን ወንጌል ብምስባኽ ንሶም ገጽታ እግዚአብሔር ምዃኖም ብምግላጽ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ከይተሰላቸው ብምድላይ እዩ ጀሚርዎ። በዚ ከኣ ካብ መንግሥቱ ማንም ዝግለል ከምዘይህሉ ክሳብ እታ ወሰናስን ወይውን ኣጽናፍ ኢየሩሳሌም ዝኾነት ገሊላ ብምኻድ ሰቢኹ። ካብ ሞት ምስ ተንሠኤውን ነቶም ኣርድእቱ ናብኣ ንክኸዱ እዩ ዓዲምዎም` ኢሎም።

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታትና ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሎሚ ንዓናውን ናብ ሻውላትን ዝተገለለ ክፍሊ ከተማታትናን ዘወን ክንብል እሞ ኣብቲ ኲርናዓት ጐደናታት ኰይኖም ዝልምኑን ኣላዪ ዘይብሎምን ክንከይድ ይዕድመና ኣሎ። ንሱ ቀዲሙና ኣብኡ ከምዝለኦ ዘይምዝንጋዕ ንሱ ወትሩ ምሳኡ ግዜና እነሻምዎ ገዛና እነካፍሎ ሥራሕናን ድኻምናን ተስፋናን እነካፍሎ ሰብ ኰይኑ የሰንየና’ ኢሎም።

“ናብ ገሊላ ምስ እንኸይድ ነቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ ገጻ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንረኽቦ ኢና። ኣብ ሃንቀውታ እቶም ሓለምትስ ይኹን ኣብ ኢድ ምሃብ ናይቶም ተስፋ ዝቆረጹ ኣብቶም ዝስሕቁን ዝሕጐስንስ ይኹን ኣብቶም ዝነብዑን ዝሓዝኑን ቅድሚ ዝኣገረ ግን ኣብ ድኻታትን ተገሊሎም ኣብ ወሰን ዘለውን ንረኽቦ። ዕብየት እግዚአብሔር ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ዝደቀቀ ነገራት እንክርኢ ክንድነቅ ኢና። ጽባቄኡ ኣብዞም ገርሀይናታትን ድኻታት ከንጸባርቅ እንክንርኢ ብሓቂ ክንድነቅ ኢና። እነሆ እምበአርከስ እቲ ሳልሳይን ኣደናቅን ብሥራት ትንሣኤ ክርስቶስ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ የፍቅረና ነፍሲወከፍ ኩነት ሕይወትና ከኣ ይበጽሕ። ንሱ ህላዌኡ ኣብ ልቢ መላእ ዓለም ተኺልዎ እዩ ንሕና ከኣ ብግደና ማንም ንዝኾነ ዶብ ጥሒስና ንቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ኣሸኒፍና ናብቶም ዕለት ዕለት ኣብ ጐድንና ዘለው ቅርብ ኢልና ዕለታዊ ጸጋ እግዚአብሔር ንረዳእ። ኣብዘን ሓጸርቲ መዋዕል ሕይወትና እንገብረን ጒዕዞ ገሊላ ንጐይታ ዕለት ዕለት ነለልዮ። ምሳኡ ሕይወትና ብርግጽ ክልወጥ እዩ። ክንዮ ሽንፈትን ፍሽለትን ክፍኣተ ግብርን ዓመጽ ስቃይን ሞት እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሕያው እዩ ንታሪኽና ከኣ ይመርሖን ይቅልሶን ኣሎ ኢሎም።”

ፍርሕታት ብተስፋ እንክሰዓሩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስበከቶም ናብታ ቀዳመይቲ ቃል ምልስ ይብሉ እቲ ነተን ሠለስተ ኣንስቲ ዝተዋህበ ቀዳማይ ብሥራት ትንሣኤ ክርስቶስ ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና ይወሃብ ስለዘሎ ‘ኣይትፍራህ ካብ ሙታን ተንሲኡ እዩ ኣብ ገሊላ ይጽበየካ ኣሎ’ እንክብሉ በዘን ቃላት እዚኤን ስብከቶም ዛዘሙ።

ሓፍተይ ሓወይ ኣብዛ ምሸት እዚኣ ኣብ ልብኻ ዝኾነ ጸልማት ሒዝካ ትጐዓዝ እንተደሃሊኻ ገና ዘይወግሐ ዕለትን ዘይተቀብረት ቀንዴልን ዘይፈሸለ ሕልምን ኣሎካ ልብኻ ነዛ ዓባይ ብሥራት ትንሣኤ ክርስቶስ ክርስቶስ ብዓቢይ ኣድናቆት ጋህ ኣቢልካ ክፈቶ። ‘ኣይትፍራህ ካብ ሙታን ተንሲኡ እዩ ኣብ ገሊላ ይጽበየካ ኣሎ’። ትጽቢታትካ ከይተፈጸማ ፈጺመን ኣይክተርፋን እየን ንብዓትካ ክሕበስ እዩ ፍርህታትካ ብተስፋ ትንሣኤ ክሽነፍ እዩ። ከመይ ቢሉ እንተበልካ ጐይታ ወትሩ ናብ ገሊላ ሓሊፉ ይጽበየካ ከምዘሎን ቀቅድሜካ ከምዝጐዓዝን ኣረጋጊጽካ ስለ እትፈልጥ እዩ። ምሳኡ ከኣ ሕይወት ወትሩ ከምብሓዲስ ትጅምር እንክብሉ ስብከቶም ፈጸሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 April 2021, 18:43