ትኽስታ ላንጋ ላንጋነትን ሸለልትነትን ኣይጥልፈኩም! ር.ሊ.ጳ ንሓደስቲ ካርዲናላት
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ቀንዲ መሪሕ ቃላት ዘመነ ምጽኣት ክልተ ምዃነን ንሰን ከኣ ቅርበትን ንቅሓትን እየን እንክብሉ ገሊጾም። ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ኢሳያስን ወንጌል ማርቆስን ነዘን ቃላት እዚአን የጉልሑ። ትንቢት ኢሳያስ ኩነታት ሕዝቡ ብሓቂ ከምዘሕዘኖ ይገልጽ እሞ መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ ብማለት ጐይታ ካብ ሰማየ ሰማየት ወሪዱ ክበጽሓና ምዃኑ ብዓቅሊ ክንጽበዮ እንክገልጽ ማርቆስ ወንጌላዊ ከኣ እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን እናበለ ንምጽኣት ጐይታ ተጊህናን ነቂሕናን ክንጽበ ዝዕድም ነበረ። ነቲ መጀመርያ ዝመጾ ልደቱ ንምዝካር ኣብ ዝግበር ምስንዳውስ ይኹን ነታ ብኽብርን ብግርማን ንኩሉ ዓለም ንክፈርድ ዝመጸላ ዳግማይ ምጽኣት ኩልና ማራን ኣታ ኦ ጐይታ ቀልጢፍካ ንዓ ኦ ጐይታ ንክተድሕነና ንዓ ክንብል እዋኑ ምዃኑ ተረዲእና እምነትና ኣሓዲስና ቅርበት ጐይታ እንምህለሉ እዋን እዩ።
ኦ ጐይታ ንክተድሕነና ንዓ!
ቅዱስነቶም ንዝሓለፈን ንዝመጽእን ብምዝካር ‘ዘመነ ምጽኣት ቅርበት እግዚአዚአብሔር ማለት እግዚአብሔር ወትሩ ቀረባና ምዃና እነስተንትነሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ናባና ዝወረደሉ እንዝክረሉ ግዜ እዩ። ነዚ ከኣ ነቢይ ኢሳያስ ከምቲ ንእስራኤላውያን እግዚአብሔር ብዝበለጸ ንክቀርቦም ኦ ጐይታ መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ እናበለ ዘዘኻኽሮ ክንተግህ ክንበራበር ነዚ ንምግባር ከኣ ቀዳማይ ስጉምቲ ስጉምቲ እምነት ኰይኑ ንጐይታ ኦ ጐይታ ተድልየኒ ኢኻ ተድልየና ኢኻ ቅርበትካ የድልየና እዩ ኣይትርሓቀና ቅረበና ማራን ኣታ ኦ ጐይታ ንክተድሕነና ንዓ እንብለሉ ምሩጽ ግዜ ሕጂ እዩ’ ኢሎም።
ኢየሱስ ኪሓልፍ ከሎ ንክተለልዮ ምስትውዓል የድሊ!
‘ማራን ኣታ ኦ ጐይታ ንዓ’ ብማለት መዓልታዊ ሕይወትና ክንጅምር ከምእንኽእል ዝገለጹን ነዚ ወትሩ ክንደግሞ ዝተሓሳሰቡን ቅዱስነቶም መኣስ መኣስ ክንደግሞ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ‘ቅድሚ ዝኾነ ርክብ ጉባኤ ኣኼባ ምግባርና ቅድሚ መጽናዕቲ ሥራሕ ወይውን ዝኾነ ውሳኔ ቅድሚ ምግባርና ከምኡ እውን ኣብ ወሳኒ ግዝያት ሕይወትናን ኣብ ግዜ ብርቱዕ ፈተናን ነዘን ቃላት እዚኤም ምድጋም የድሊ’ ኢሎም። እዛ ጸሎት እዚኣ ብጣዕሚ ደቃቅ ጸሎት እያ እንተኾነ ካብ ልቢ ሰለእትውልድ ብዙሕ ተስልጥ እውን ኢሎም። ኣብዚ ግን ቀንዲ ጸገም ዘሎ ቅረበና ንዓ ኣብ ጐድንና ኩን ኢልና ኣጥቢቅና ክንልምን ጸኒሕና እንዝንግዖ ጉዳይ ኣሎ ተጊህናን ነቂሕናን እንተዘይሓሊና ምሳና ምህላው ክነስተውዕለሉ ኣይንኽእልን። እቲ ቀንዲ ጌጋ ኩልና ንደጋግሞ ቈጺርካ ብዘይውዳእ ነገራት ንጭነቅ ንሓስብ በዚ ከኣ ንሱ ኣብ ጥቃና እንከሎ ከየስተውዓልናሉ ጸሓይ ትዓርበና። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ብሃጠውቀጠው ሓላፊ ናብራ ነቲ መሠረታውን ቀንድን ጉዳይ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከጋጥመና ስለዝኽእል ለይትን መዓልትን ክነቅሕ ኣሎና ኢሎም።
ጽኑዕ እምነት ተጻይ ላንጋ ላንጋ ምዃን እዩ!
ቅዱሰንቶም ነዚ ምንቃሕ እዚ ንምግላጽ ኣብታ ወሳኒት ናይ መጨረሻ ናይ ስቃይ ሰዓት ኢየሱስ ናብ ጌተሰማኒ ይጐዓዙ እሞ ‘ኣርድእቲ ኢየሱስ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ድራ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ጌተሰማኒ ኣብ ግዜ ደርሆ ነቆ ምስ ጐይታ ክነቅሑ ኣይከኣሉን። እዚ ምብዕዛዝ እዚ ኣባና እውን ክወርድ ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ ድቃስ ምብዕዛዝ ወይውን ትኽስታ ላንጋ ላንጋነት ንብሎ ኢሎም።
ወትሩ ጸልዩ! ኣብ ጸሎት ምትጋህ!
እዛ ብጸሎት እትበራበር እምነት ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘እዛ እምነት እዚኣ ንሓዊ ዘጥፍእ ማይ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ እተቃጽል |ሓዊ እያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ምዃን ኣይጻወሮን እዩ። ስለዚኸስ ካብዚ ምትኻስ እዚ ክንነቅሕ ኣድላዩ እዩ። ካብ ድቃስ ልኡምነት ዘናግፈና ጸሎት እዩ። ጸሎት ንጸልማት ለይቲ የብርህ እሞ ምስ ጐይታ የወሃህደና።
ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር ሓደጋ!
ሕይወት ክርስትና ፈተናታቱ እልቢ ከምዘይበሉ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ነዛ ዓባይ ሓደጋን ሕማምን ዝበልናያ ላንጋ ላንጋ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ናይ ምዃን ጠባይ ትቋረና ካልእ መፈንጠራ እውን ከምዘላ እዚኣ ከኣ እንታይ ገደሰኒ ዝብል መንፈስ ሸለልትነት ዝዓብለሎ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ እምበር ካልእስ ባዕሉ ይፈልጥ ዝብል መንፈስ ምዃኑ የብርሁ። እዚ ድቃስ እዚ ከኣ ብዛዕባ ካልኦት ምንም ዘይስመዓካ ኮንካ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ኢልካ ለጥ ኢልካ እትድቅሰሉ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።
ኣብ ግብረ ሠናይ ምትጋህ!
ንኩሉ ሕማም ፈውሲ ኣለዎ፣ ሕሱም ለበዳ እንተኾነ ከኣ ክትባት ሃሰው ኢልካ ይርከቦ። ከምኡ ልክዕ ንድቃስ ሸለልትነት ዝኸውን ክትባት ኣብ ግብረ ሠናይ ምትጋህ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ‘ብዘይ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክርስትያን ክኸውን ከምዘይከኣል` ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ክልተ ሓጸርቲ ግን ከኣ ንኩሉ ዝጥርፋ ሓረጋት ብምቅራብ ስብከቶም ዛዘሙ።