ትኽስታ ላንጋ ላንጋነትን ሸለልትነትን ኣይጥልፈኩም! ር.ሊ.ጳ ንሓደስቲ ካርዲናላት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓም ምስ ዝሸምዎም ሓደስቲ ካርዲናላት ሰንበት ዕለት 29 ሕዳር ሓቢሮም እንክቅድሱ ቀዳማይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ብምንባሩ ንባባት ኩሉ ንቕሑ ንምጽኣት ጐይታ ተጊህኩም ተጸብዩ ዝብል ብምንባሩ እዞም ሓደስቲ ካርዲናላት እውን ነቂሖም ክሰርሑ ትኽስታ መንጎ መንጎ ምዃንን ሸለልትነትን ከየሸንፎም ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ቀንዲ መሪሕ ቃላት ዘመነ ምጽኣት ክልተ ምዃነን ንሰን ከኣ ቅርበትን ንቅሓትን እየን እንክብሉ ገሊጾም። ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ኢሳያስን ወንጌል ማርቆስን ነዘን ቃላት እዚአን የጉልሑ። ትንቢት ኢሳያስ ኩነታት ሕዝቡ ብሓቂ ከምዘሕዘኖ ይገልጽ እሞ መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ ብማለት ጐይታ ካብ ሰማየ ሰማየት ወሪዱ ክበጽሓና ምዃኑ ብዓቅሊ ክንጽበዮ እንክገልጽ ማርቆስ ወንጌላዊ ከኣ እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን እናበለ ንምጽኣት ጐይታ ተጊህናን ነቂሕናን ክንጽበ ዝዕድም ነበረ። ነቲ መጀመርያ ዝመጾ ልደቱ ንምዝካር ኣብ ዝግበር ምስንዳውስ ይኹን ነታ ብኽብርን ብግርማን ንኩሉ ዓለም ንክፈርድ ዝመጸላ ዳግማይ ምጽኣት ኩልና ማራን ኣታ ኦ ጐይታ ቀልጢፍካ ንዓ ኦ ጐይታ ንክተድሕነና ንዓ ክንብል እዋኑ ምዃኑ ተረዲእና እምነትና ኣሓዲስና ቅርበት ጐይታ እንምህለሉ እዋን እዩ።

ኦ ጐይታ ንክተድሕነና ንዓ!

ቅዱስነቶም ንዝሓለፈን ንዝመጽእን ብምዝካር ‘ዘመነ ምጽኣት ቅርበት እግዚአዚአብሔር ማለት እግዚአብሔር ወትሩ ቀረባና ምዃና እነስተንትነሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ናባና ዝወረደሉ እንዝክረሉ ግዜ እዩ። ነዚ ከኣ ነቢይ ኢሳያስ ከምቲ ንእስራኤላውያን እግዚአብሔር ብዝበለጸ ንክቀርቦም ኦ ጐይታ መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ እናበለ ዘዘኻኽሮ ክንተግህ ክንበራበር ነዚ ንምግባር ከኣ ቀዳማይ ስጉምቲ ስጉምቲ እምነት ኰይኑ ንጐይታ ኦ ጐይታ ተድልየኒ ኢኻ ተድልየና ኢኻ ቅርበትካ የድልየና እዩ ኣይትርሓቀና ቅረበና ማራን ኣታ ኦ ጐይታ ንክተድሕነና ንዓ እንብለሉ ምሩጽ ግዜ ሕጂ እዩ’ ኢሎም።

“ናይ ዘመነ ምጽኣትን ምጅማር ዓመት ሊጡርግያን ቀዳማይ መልእኽትኸስ እግዚአብሔር ቀረባና ምሳና ኣብ መንጎና ምዃኑ ዳግም ብምርግጋጽ ብዝበለጸ ቅረበና ደኣ ገና እናበልና እንልምነሉ ግዜ እዩ። ንሱ ወትሩ ኣብ ቀረባና ክኸውን ክቀርበና ይደሊ! ነዚ ከኣ ብሓይሊ ኣይኮነን ዝገብሮ እዚ ይሕሸኩም ኢሉ ከም ሓሳብ የቅርበልና ስለዚ ኦ ጐይታ ንዓ ቅረበና ማራን ኣታ ወሪ ቀልጢፍካ ንዓ ክንብሎ ንዓና ይምልከት። ዘመነ ምጽኣት ዘዘኻኽረና ጉዳይ እንተሃልዩ ብቀዳምነት ኢየሱስ ድሮ መጺኡ ኣብ ማእከልና ከምዘሎ ስዒቡ ከኣ ኣብ መወዳእታ ዓለም ክምለስ ምዃኑ እዩ። እንተኾነ እዘን ዝቀደማን ገና ብድሕሪ ሕጂ ክፍጸም ዘለዎን ምጽኣታት ሎሚ ኣብ ሕይወትና ዘይመጽእ እንተዀይኑ እንታይ ክዓብሳልና እየን! እወ ብርግጽ ሳልሳይ ዓይነት ምጽኣት እውን ኣሎ። ዕለት ዕለት ይመጽእ እዩ እንተኾነ ከይዓደምካዮ ኣብ ልብኻ ኣይኣቱን። ስለዚ ንዓድሞ ምዕዳም ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ንሱ ብጥቃና ክሓልፍ እንከሎ ንሱ ኣብ ጐድንና ክንቀሳቀስ እንከሎ ምስትውዓል የድሊ ከመይ እንተዘይኣተውዒልና ከይረኣናዮን ከይሰማዕናዮን ኮታ ከየስተውዓልናሉ ክሓልፍ ይኽእል።”

ኢየሱስ ኪሓልፍ ከሎ ንክተለልዮ ምስትውዓል የድሊ!

‘ማራን ኣታ ኦ ጐይታ ንዓ’ ብማለት መዓልታዊ ሕይወትና ክንጅምር ከምእንኽእል ዝገለጹን ነዚ ወትሩ ክንደግሞ ዝተሓሳሰቡን ቅዱስነቶም መኣስ መኣስ ክንደግሞ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ‘ቅድሚ ዝኾነ ርክብ ጉባኤ ኣኼባ ምግባርና ቅድሚ መጽናዕቲ ሥራሕ ወይውን ዝኾነ ውሳኔ ቅድሚ ምግባርና ከምኡ እውን ኣብ ወሳኒ ግዝያት ሕይወትናን ኣብ ግዜ ብርቱዕ ፈተናን ነዘን ቃላት እዚኤም ምድጋም የድሊ’ ኢሎም። እዛ ጸሎት እዚኣ ብጣዕሚ ደቃቅ ጸሎት እያ እንተኾነ ካብ ልቢ ሰለእትውልድ ብዙሕ ተስልጥ እውን ኢሎም። ኣብዚ ግን ቀንዲ ጸገም ዘሎ ቅረበና ንዓ ኣብ ጐድንና ኩን ኢልና ኣጥቢቅና ክንልምን ጸኒሕና እንዝንግዖ ጉዳይ ኣሎ ተጊህናን ነቂሕናን እንተዘይሓሊና ምሳና ምህላው ክነስተውዕለሉ ኣይንኽእልን። እቲ ቀንዲ ጌጋ ኩልና ንደጋግሞ ቈጺርካ ብዘይውዳእ ነገራት ንጭነቅ ንሓስብ በዚ ከኣ ንሱ ኣብ ጥቃና እንከሎ ከየስተውዓልናሉ ጸሓይ ትዓርበና።  ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ብሃጠውቀጠው ሓላፊ ናብራ ነቲ መሠረታውን ቀንድን ጉዳይ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከጋጥመና ስለዝኽእል ለይትን መዓልትን ክነቅሕ ኣሎና ኢሎም።

“ምስ ጐይታ እንኾነላ ዕለት ክትመጽእ እያ። እወ ብርግጽ ክትመጽእ ኣዘንጊዓ ከይትረኽበና ንንቃሕ! ጸልማት ለይቲ ክሓልፍ እዩ ጐይታ ከም ጸሓይ ብራቅ ክቅልቀል እዩ። እቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ምእንታና ዝሞተ ክፈርደና እዩ። ነዚ ነቂሕና ንጸበ። ብተስፋ ቊርጸት ከይንሽነፍ ሓደራ። ብተስፋ ንንበር። ከምቲ ቅድሚ ምውላድና በቶም ዘፍቅሩና ብዓቢ ህንጡይነት ትጽቢት ዝተገብረና ሕጂ ከኣ በቲ ፍቅሪ ባዕሉ ካብ ዝኾነ ጐይታ ትጽቢት ይግበረልና። ኣብ መንግሥተ ሰማያት ክንድዚ ትጽቢት ካብ ተገብረልናኸስ ከመይ ኢልና ኢና ብጉዳይ መሬት እናስተማሰልና ንነብር! ስለምንታይከ ስለ ቁሩብ ገንዘብ ስለ ክብሪ ስለ ምድራዊ ዓወት ንሻቀል! ኩሉ እኮ ሓላፊ በናኒ በራሲ እዩ። በርሃው ዝበለ ብርሃን መዓልቲ እናተጸበየናስ ከመይ ቢልና ኢና ብጸልማት ለይቲ ነጉረምርም! ዝለዓለ ሽመት ኣብ ሰማይ እናተጸበየናስ ከመይ ቢልና ኢና በናኒ ሽመት ንክንረክብ ጐይቶት ዓለም ሃሰስ እንብል! ኩሉ ሓላፊ እዩ። ጐይታ ንቅሑ ይብለና ኣሎ ኢሎም።”

ጽኑዕ እምነት ተጻይ ላንጋ ላንጋ ምዃን እዩ!

 ቅዱሰንቶም ነዚ ምንቃሕ እዚ ንምግላጽ ኣብታ ወሳኒት ናይ መጨረሻ ናይ ስቃይ ሰዓት ኢየሱስ ናብ ጌተሰማኒ ይጐዓዙ እሞ ‘ኣርድእቲ ኢየሱስ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ድራ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ጌተሰማኒ ኣብ ግዜ ደርሆ ነቆ ምስ ጐይታ ክነቅሑ ኣይከኣሉን። እዚ ምብዕዛዝ እዚ ኣባና እውን ክወርድ ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ ድቃስ ምብዕዛዝ ወይውን ትኽስታ ላንጋ ላንጋነት ንብሎ ኢሎም።

“ጐይታ ነቲ በዂሪ ፍቅርና ዝኾነ ፈጣሪ ረሲዕና ብሃሰሰ ለባም ኣብ እንጐዓዘሉን ንሻቅሎት ናብራና ጥራይ ኣብ እነተኩረሉን ግዜ ክመጽእ እዩ። እንተኾነ ብዘይ ሓይሊ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ትጽቢት ምሕዳስ መንፈስን እንተጸኒሕና ላንጋ ላንጋ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ዓለማዊ ኰና ንርከብ። እዚ ጠባይ እዚ ከኣ ንእምነትና የቅህም ከመይ እምነት ተጻይ ላንጋ ላንጋነት እዩ። እምነትሲ ሃልሃል ዝብል ሃረርታ እግዚአብሔር ኰይኑ ወትሩ ከሐድሰናን ክልወጠናን ዝነብር ጽንዓት ፍቅሪ ኰይኑ ወትሩ ንቅድሚ ከም እንስጉም ይገብረና። ንእምነት ንምብርባር ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ወትሩ ምጽላይ የድሊ።”

ወትሩ ጸልዩ! ኣብ ጸሎት ምትጋህ!

እዛ ብጸሎት እትበራበር እምነት ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘እዛ እምነት እዚኣ ንሓዊ ዘጥፍእ ማይ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ እተቃጽል |ሓዊ እያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ምዃን ኣይጻወሮን እዩ። ስለዚኸስ ካብዚ ምትኻስ እዚ ክንነቅሕ ኣድላዩ እዩ። ካብ ድቃስ ልኡምነት ዘናግፈና ጸሎት እዩ። ጸሎት ንጸልማት ለይቲ የብርህ እሞ ምስ ጐይታ የወሃህደና።

“ጸሎትከስ እግዚአብሔር ኣብ ጥቃና ንክኸውን የፍቅድ በዚ ከኣ ካብ ብሕትውና ኣላቂቁ ተስፋ የስንቀና። ጸሎት እስትንፋስ ሕይወት እዩ። ከየስተንፈስካ ክንበር ከምዘይከኣል ብዘይ ጸሎት ክርስትያን ክኽወን ኣይከኣልን። ንገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነ ስለ እቶም ዝታኸሱን ዝድቅሱን ብዙሕ ጸሎት ምግባ የድሊ። ስለዚ ከኣ ኢና ብዙሓት ኣማለድቲ ለይትን መዓልትን ብስግደትን ብእምልኾን ኣብ ቅድሚ እቲ ብርሃን እታ ጸልማት ታሪኽ ዝኾነት ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቂሖም ብትግሃት ዝጽልዩ ክርስትያን የድልዩና።”

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር ሓደጋ!

 ሕይወት ክርስትና ፈተናታቱ እልቢ ከምዘይበሉ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ነዛ ዓባይ ሓደጋን ሕማምን ዝበልናያ ላንጋ ላንጋ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ናይ ምዃን ጠባይ ትቋረና ካልእ መፈንጠራ እውን ከምዘላ እዚኣ ከኣ እንታይ ገደሰኒ ዝብል መንፈስ ሸለልትነት ዝዓብለሎ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ እምበር ካልእስ ባዕሉ ይፈልጥ ዝብል መንፈስ ምዃኑ የብርሁ። እዚ ድቃስ እዚ ከኣ ብዛዕባ ካልኦት ምንም ዘይስመዓካ ኮንካ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ኢልካ ለጥ ኢልካ እትድቅሰሉ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።

“ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ግድነትናን ናይ ምሽቃል ልማድ ምስ ኣሕደርና ብዛዕባ ካልኦት ሸለል ንብል በዚ ከኣ ንልብና ለይቲ ይወሮ። ልብና ጸልማት ይኸውን። ብኡ ንብኡ ከኣ ብዛዕባ ኩሉ ዕሚም እናበልካ ምጉርምራም ስዒቡ ኩሉ ጸላኢኻ ኰይኑ ይስመዓካ ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ነገር ትቋወም። ዕሚም እናበልካ ምጉርምራም ግዳይ ናይ ካልኦት ኢልካ ምሕሳብ ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ምቅዋም ይስዕብ። እዚ ተደጋጋሚ ሰንሰለት እዩ። ኣብዚ ዘሎና ግዜ እዛ ጸልማት ለይቲ እዚኣ ንብዙሓት ዝጐልበበት ዘንጸላለወት ትመስል። እዚኦም ከኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እምበር ብዛዕባ ካልኦት ዘይግደሱ እዮም። ስለዚ ድሕሪ ኣብ ጸሎት ምትጋህ ኣብ ግብረሠናይ ምትጋህ ከምዘድሊ ኣይንዘንግዕ ኢሎም።”

ኣብ ግብረ ሠናይ ምትጋህ!

ንኩሉ ሕማም ፈውሲ ኣለዎ፣ ሕሱም ለበዳ እንተኾነ ከኣ ክትባት ሃሰው ኢልካ ይርከቦ። ከምኡ ልክዕ ንድቃስ ሸለልትነት ዝኸውን ክትባት ኣብ ግብረ ሠናይ ምትጋህ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ‘ብዘይ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክርስትያን ክኸውን ከምዘይከኣል` ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንገሊኦም ርሕራሔ ምዝውታር ንካልኦት ምሕጋስ ምግልጋል ናይ ዝኸሰሩ ጉዳይ ኰይኑ ዝረኣዩ]ዮ ኣይሰኣንን። ከም ሓቁ ግን ኣብዛ ዓለምና እታ እንኮ መንገዲ ዓወት እዚኣ እያ ከመይ ናብ መጻኢ ዝዓለመት ዕለት ጐይታ ምስ በጽሐ ከኣ ኩሉ ኪሓልፍ ምዃኑ ፍቅሪ ግን ንዘለዓለም ክትነብር ስለዝኾነ እዩ። ብናይ ምሕረት ሥራሓት ጥራሕ ኢና ናብ ጐይታ ክንቀርብ እንኽእል ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ክልተ ሓጸርቲ ግን ከኣ ንኩሉ ዝጥርፋ ሓረጋት ብምቅራብ ስብከቶም ዛዘሙ።

“[ ቤተክርስትያን ንእግዚአብሔር ኣምልኾ እተቅርብን ንብጻይ እተገልግልን ቤተክርስትያን ኣብ ጸልማት ለይቲ ከቶ ኣይትነብርን። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ንዓ ሃረርታ ጸሎትን ኣድላይነት ፍቅርን ከምዝስመዓና ግበር። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
29 November 2020, 12:45