እንተደኣ ንእግዚአብሔር ብሓቂ ነፍቅር ኰይና ንብጻይና ክነፍቅር ኢና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
እታ ንፈተነ ዝቀረበት ወጣም ሕቶ ንዘለዓለም ዝኸውን ንኩሉ ኦሪትን ነቢያትን ሓዲስ ኪዳንን ዘጠቃልላ መሪሕ ሕይወት ዝኾና ኣዕኑድ ከምዝምንጩ ገረን። እዘን ክልተ ኣዕኑድ ኣብ ሕይወትናን መነባብሮናን ኣድለይትን መሠረታውያን ምዃነን እውን ኣብሪሆም። እታ ቀዳመይቲ ሞራላዊ ሕይወት ኣብ ዕውር ተኣዝዞን ብሓይልን ዘይኮነ ከም ዕላማ ፍቅሪ ክህሉ ከምዘለዎ እንከምልክት እታ ካልአይቲ ከኣ ፍቅሪ ብጻይ ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ነጺልካ ዝረኤ ስለዘይኮነ ንክልቲኤን ወትሩ ከይፈላለና ብሓንሳብ ክንስዕበን ኣዘኻኺሮም።
ኣይሁድ ነቲ ብባህሎም ንትእዛዛት እግዚአብሔር ትርጉምን ኣንድምታን እናህቡ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል ብዙሕ ትእዛዛት ፈጢሮም ይከራኸሩ ስለዝነበሩ ንኢየሱስ ከዋጥሩ ‘ካብ ኩለን እትዓቢ ትእዛዝ ኣየነይቲ ኮን ትኸውን’ ኢሎም ንኢየሱስ ይሓቱ። ኢየሱስ ከኣ ንሕቶኦም ክምልስ እንከሎ መጀመርያ አብ ዘዳ 6፡5 ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብዅሉ ኃይልኻን አፍቅሮ ዝብል እናጠቐሰ ይምልስ። እዚ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ትእዛዝ እንክኸውን ካልእ ንእኡ ዝመስል ካብ ሌዋ 19፡18 ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ ዝብል ይጠቅስ። አብዚ ኢየሱስ ነዚ ክልተ ትእዛዛት አብ ሓደ ገሩ ማዕረ ገሩ የቕርቦ። አብቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ሓደ ንአምላኽ ብኹሉ ልቡ፥ ነፍሱ፥ ኃይሉ ከፍቅሮ ከምዘለዎ እዚ ኸአ እቲ ምሉእ ፍቕሪ ከምዝኾነ ክንርዳእ አሎና። ካልእ ካብኡ ዘይፍለ ንዝኾነ ሰብ ከም ርእስኻ ምፍቃር። እዚ ሓቅን ጭቡጥ ተግባራዊ ትእዛዝ ካልእ መጽናዕቲ ወይ ምርምር ዘድልዮ አይኮነን። ኢየሱስ ነዚ ክልተ ትእዛዛት አብ ሓደ ክጥርንፎም እንከሎ ዓቢይን አገዳስ ነገርን ክብለና ስለ ዝደለ እዩ። ስለዚ እቲ ጸገም ናይ ደረጃን ቅድምያን ኣይኮነን።
እቲ ጸገም ናይ ደረጃን ቅድምያን ኣይኮነን!
እዘን ክልተ ትእዛዛት ነቲ ቈልዑት ማዕዶ ማዕዶ ኰይኖም መስትያት ሒዞም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘንጸባርቅ እዩ ነገሩ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ነጸብራቅ ኰይኖም ነንሕድሕዶም እናተጠማመቱ ዝነብሩ ብዘይ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ክትርድኦ ወይውን ክትትግብሮ ዘይከኣል እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ብተግባር ከም ክርስትያን ኣብ እንነብሮ ሕይወት ይግለጽ።
ጸሎትን ስግደትን ኣምልኾን ንእግዚአብሔር ምቅራብን ግብረ ሠናይ ምዝውታርን!
ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምንታይ ይግለጽ ቢልና እንተ ሓተትና ‘ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝግለጸሉ ልዕሊ ኩሉ ብጸሎት እዩ። ካብ ኩሉ ጸሎታት ከኣ ጸሎት ስግደትን ኣምልኾን እንክኾን ነዚ ብዙሕ ግዜ ንዝንግዖ ኢና ኢሎም።
ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዘሎና ርክብን ሓድነት ወግሐ ጸብሔ ክንልምኖ ዘሎና ጸጋ እንክኾን ብወገና እውን ክንተግሃሉ ኣሎና። ከመይ ሕይወትና ብናይዚ ዓለም እዚ ኣምልኾ ጣዖታን ማለት ሥልጣንን ገንዘብን ባርነት ከየጓንፋ ብምጥንቃቅ ናብ ጸገማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምትኳር ከም ነፍስና ክነፍቅሮም ይድግፈና ኢሎም።