ጐባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ጐባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 

እንተደኣ ንእግዚአብሔር ብሓቂ ነፍቅር ኰይና ንብጻይና ክነፍቅር ኢና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብታ ኣይሁድ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍትኑ ‘ካብ ኩለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ’ እትብል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመስሪቱ ኢየሱስ ንኣመንቲ ኩሉ ዘመን ዝኾና መሠረታውያን ክልተ ኣዕኑድ ኣመንቲ ከምዘንበረ ገሊጾም። እዚ ከኣ ካብ ሓቀኛ ፍቅሪ እግዚአብሔር ፍቅሪ ብጻይ ከምዝምንጩ ሓቀኛ ርክብ ምስ እግዚአብሔር እንተልዩ ምስ ብጾትና ብፍቅሪ ክንነብር ንኽእል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

እታ ንፈተነ ዝቀረበት ወጣም ሕቶ ንዘለዓለም ዝኸውን ንኩሉ ኦሪትን ነቢያትን ሓዲስ ኪዳንን ዘጠቃልላ መሪሕ ሕይወት ዝኾና ኣዕኑድ ከምዝምንጩ ገረን።  እዘን ክልተ ኣዕኑድ ኣብ ሕይወትናን መነባብሮናን ኣድለይትን መሠረታውያን ምዃነን እውን ኣብሪሆም። እታ ቀዳመይቲ ሞራላዊ ሕይወት ኣብ ዕውር ተኣዝዞን ብሓይልን ዘይኮነ ከም ዕላማ ፍቅሪ ክህሉ ከምዘለዎ እንከምልክት እታ ካልአይቲ ከኣ ፍቅሪ ብጻይ ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ነጺልካ ዝረኤ ስለዘይኮነ ንክልቲኤን ወትሩ ከይፈላለና ብሓንሳብ ክንስዕበን ኣዘኻኺሮም።

ኣይሁድ ነቲ ብባህሎም ንትእዛዛት እግዚአብሔር ትርጉምን ኣንድምታን እናህቡ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል ብዙሕ ትእዛዛት ፈጢሮም ይከራኸሩ ስለዝነበሩ ንኢየሱስ ከዋጥሩ ‘ካብ ኩለን እትዓቢ ትእዛዝ ኣየነይቲ ኮን ትኸውን’ ኢሎም ንኢየሱስ ይሓቱ። ኢየሱስ ከኣ ንሕቶኦም ክምልስ እንከሎ መጀመርያ አብ ዘዳ 6፡5 ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብዅሉ ኃይልኻን አፍቅሮ ዝብል እናጠቐሰ ይምልስ። እዚ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ትእዛዝ እንክኸውን ካልእ ንእኡ ዝመስል ካብ ሌዋ 19፡18 ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ ዝብል ይጠቅስ። አብዚ ኢየሱስ ነዚ ክልተ ትእዛዛት አብ ሓደ ገሩ ማዕረ ገሩ የቕርቦ። አብቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ሓደ ንአምላኽ ብኹሉ ልቡ፥ ነፍሱ፥ ኃይሉ ከፍቅሮ ከምዘለዎ እዚ ኸአ እቲ ምሉእ ፍቕሪ ከምዝኾነ ክንርዳእ አሎና። ካልእ ካብኡ ዘይፍለ ንዝኾነ ሰብ ከም ርእስኻ ምፍቃር። እዚ ሓቅን ጭቡጥ ተግባራዊ ትእዛዝ ካልእ መጽናዕቲ ወይ ምርምር ዘድልዮ አይኮነን። ኢየሱስ ነዚ ክልተ ትእዛዛት አብ ሓደ ክጥርንፎም እንከሎ ዓቢይን አገዳስ ነገርን ክብለና ስለ ዝደለ እዩ። ስለዚ እቲ ጸገም ናይ ደረጃን ቅድምያን ኣይኮነን።

እቲ ጸገም ናይ ደረጃን ቅድምያን ኣይኮነን!

እዘን ክልተ ትእዛዛት ነቲ ቈልዑት ማዕዶ ማዕዶ ኰይኖም መስትያት ሒዞም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘንጸባርቅ እዩ ነገሩ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ነጸብራቅ ኰይኖም ነንሕድሕዶም እናተጠማመቱ ዝነብሩ ብዘይ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ክትርድኦ ወይውን ክትትግብሮ ዘይከኣል እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ብተግባር ከም ክርስትያን ኣብ እንነብሮ ሕይወት ይግለጽ።

“ኢየሱስ ዘረባኡ በዘን ዝስዕባ ቃላት ይድምድም ‘ኩሉ ሕግን ነቢያት ኣብዘን ክልተ ሕግታት እዚኤን ይውሕዝ’ ይብል። እዚ ማለት ከኣ እቲ እግዚአብሔር ንሕዝቡ ዝሃቦም ሕግታት ኩለን ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ማለት ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ብዘሎ ርክብ ይውሰና። ከም ሓቁ ከኣ ኩለን ትእዛዛት ነዘን ዘይፈላለያ ክልተ ትእዛዛት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንክሕግዛ ዝተገብራ እየን። እሞኸ ደኣ እንታይ ይገበር እንተበልና ጸሎትን ስግደትን ኣምልኾን ንእግዚአብሔር ምቅራብን ግብረ ሠናይ ምዝውታርን ጥራይ እዩ ዘድሊ።”

ጸሎትን ስግደትን ኣምልኾን ንእግዚአብሔር ምቅራብን ግብረ ሠናይ ምዝውታርን!

ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምንታይ ይግለጽ ቢልና እንተ ሓተትና ‘ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝግለጸሉ ልዕሊ ኩሉ ብጸሎት እዩ። ካብ ኩሉ ጸሎታት ከኣ ጸሎት ስግደትን ኣምልኾን እንክኾን ነዚ ብዙሕ ግዜ ንዝንግዖ ኢና ኢሎም።

“ፍቅሪ ብጻይ ሕውነታዊ ግብረ ሠናይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንብጻይካ ቀረባኡ ብምዃን ጽን ኢልካ ብምስማዑ ንጸጋማቱ ብምክፋል ሓልዮት ብጻይ ብግብሪ ብምፍጻይ ይግለጸ። ብዙሕ ግዜ ንብጾትና ሸለል ንብሎም እዚ ከኣ ወይ ዘሸግረናን ዘሰልችወናን ክኸውን ይኽእል ወይውን ግዜና ዘጥፍኣልና ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ንዝሓዘኑ ብጾትና ክነጸናንዕ ግዜ የብልናን ንብል ንክንሓሚ ግን መዓት ግዜ ኣሎና። ሓዋርያው ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ‘ነቲ ዝርእዮ ሓው ዘይፍቅር ነቲ ብዓይኒ ዘይረኤ እግዚአብሔር ከፍቅር ኣይክእልን’ ይብል። ናይዘን ክልተ ትእዛዛት ሓድነትን ምትእስሳርንከስ እዚ እዩ።”

ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዘሎና ርክብን ሓድነት ወግሐ ጸብሔ ክንልምኖ ዘሎና ጸጋ እንክኾን ብወገና እውን ክንተግሃሉ ኣሎና። ከመይ ሕይወትና ብናይዚ ዓለም እዚ ኣምልኾ ጣዖታን ማለት ሥልጣንን ገንዘብን ባርነት ከየጓንፋ ብምጥንቃቅ ናብ ጸገማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምትኳር ከም ነፍስና ክነፍቅሮም ይድግፈና ኢሎም።

“ብሓቂ ተለዊጥናን ጉዕዞ ቅድስናን ሒዝና እንተዀና እነረጋግጸሉ መንገዲ ወትሩ ፍቅሪ ብጻይ እዩ። ንእግዚአብሔር አፍቅር እየ እናበልኩ ንብጻየይ ዘየፍቅር እንተኾይነ እዚ ኣይወፍረኒ ኣየእትወኒ። ነቶም ንልብና ረጊጥና ዓጺናሎም ዘሎና ሓውናን ሓውትናን ልብና ክሳብ ዘይከፈትና ካብቲ ተኸተልቲ ኢየሱስ ክነከውን ጐይታ ዝሓተና ነገራት ኣመና ርሒቅና ኣሎና እሞ ንሕሰበሉ እንክብሉ ምስ መሃሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

25 October 2020, 08:39