ድለ

ብሕዳር 2019 ኣብ ንጃፓን ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብሕዳር 2019 ኣብ ንጃፓን ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ  

ኒክለሳዊ ኣጽዋር ብምውጋድ ጥራይ እዩ ሰላም ክርከብ ዚከኣል! ር.ሊ.ጳ ንገዛኢ ሂሮሺማ

ብ1945 ዓም ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝተፈጸመ እሞ ኸኣ ናይ ሕልቂት ምህዞ ኮይኑ ብዓለም ክዂነን ዝነብር ንከተማታት ሂሮሺማን ዕለት 6 ነሐሰ ንከተማ ናጋሳኪ ከኣ ብዕለት 9 ነሐሰ ብኣቶሚክ ቦምብ ናይ ምጽናት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ኣመልኪቶም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ገዛኢ ሂሮሺማ ሂደሂኮ ዩዛኪ መልእኽቲ ሰዲዶም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዕለቱ ኣማስያኡ በቲ ሓጸርቲ መልእኽታት ዘመሓላልፉሉ ትዊተር ብዝበሃል መራኸቢ ብዙሕን ‘ሎሚ ኣብ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ኣቶሚካዊ ዕንወት ሂሮሺማ እንክንዝክር እቲ ንዕንወት ዝኸውን መጋበሪ ውግእ ንምምሓዝ ዝተጠቀምናሉ ሃብቲ ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕብልና ደቂሰባትን ኣከባቢና ንምክልኻልን ክንጥቀመሉ ነሩና’ እንክብሉ ዝኽሪ ደብዳብ ኣቶሚካዊ ቦምብ ሂሮሺማ ሎሚ እውን እንተኾነ ክንመሃረሉ ዘሎና ጉዳይ ካብ መዕነዊ ዝኾነ ኣጽዋር ውግእ ክትዕድግ ምቅድዳም ንሰብኣዊ ሕንጸትን ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ኣከባብን እንተንኸፍሎ ብዙሕ ውጺኢታውን ጥዕናውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብታ ንገዛኢ ሂሮሺማ ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም ልባዊ ሰላምታ ነቶም ንዝኽሪ 75 ዓመት ዕንወት ሄሮሺማ 1945 ዘሰናደው ኣቅሪቦም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ንጃፓን ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ነዘን ክልተ ከተማታት ብምብጻሖም ዝተሰምዖም ክብሪ  ወትሩ ኣብ ልቦም ከምዝዝክዎ ሓቢሮም። ነቲ ሽዑ ዝበልዎ ማለት ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ናይ ሰላም ቤተመዘክር ብዕለት 24 ሕዳር 2019 ዓም ዝሃብዎ ቃል ‘ኣቶሚካዊ ጸዓት ንውግእ ምውዓል ኢሞራላዊ እዩ ከምኡ እውን ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ምሓዝ ኢሞራላዊ እዩ። ከመይ ናይዚ ኣጽዋር እዚ ዕንወት ኣብዘን ክልተ ከተማታት ርኢናዮ ኢና።’ ዳግም ብምግዋሕ ሕጂ ነቲ ውጻእ መዓት ናይዚ ዝኾኑ ዘንቀሳቅስዎ ሰላም ብምድጋፍ ሰላም ንዓኹም ይኹን እንክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ መልእኽቶም ዛዘሙ።

07 August 2020, 10:36