ኒክለሳዊ ኣጽዋር ብምውጋድ ጥራይ እዩ ሰላም ክርከብ ዚከኣል! ር.ሊ.ጳ ንገዛኢ ሂሮሺማ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዕለቱ ኣማስያኡ በቲ ሓጸርቲ መልእኽታት ዘመሓላልፉሉ ትዊተር ብዝበሃል መራኸቢ ብዙሕን ‘ሎሚ ኣብ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ኣቶሚካዊ ዕንወት ሂሮሺማ እንክንዝክር እቲ ንዕንወት ዝኸውን መጋበሪ ውግእ ንምምሓዝ ዝተጠቀምናሉ ሃብቲ ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕብልና ደቂሰባትን ኣከባቢና ንምክልኻልን ክንጥቀመሉ ነሩና’ እንክብሉ ዝኽሪ ደብዳብ ኣቶሚካዊ ቦምብ ሂሮሺማ ሎሚ እውን እንተኾነ ክንመሃረሉ ዘሎና ጉዳይ ካብ መዕነዊ ዝኾነ ኣጽዋር ውግእ ክትዕድግ ምቅድዳም ንሰብኣዊ ሕንጸትን ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ኣከባብን እንተንኸፍሎ ብዙሕ ውጺኢታውን ጥዕናውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ኣብታ ንገዛኢ ሂሮሺማ ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም ልባዊ ሰላምታ ነቶም ንዝኽሪ 75 ዓመት ዕንወት ሄሮሺማ 1945 ዘሰናደው ኣቅሪቦም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ንጃፓን ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ነዘን ክልተ ከተማታት ብምብጻሖም ዝተሰምዖም ክብሪ ወትሩ ኣብ ልቦም ከምዝዝክዎ ሓቢሮም። ነቲ ሽዑ ዝበልዎ ማለት ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ናይ ሰላም ቤተመዘክር ብዕለት 24 ሕዳር 2019 ዓም ዝሃብዎ ቃል ‘ኣቶሚካዊ ጸዓት ንውግእ ምውዓል ኢሞራላዊ እዩ ከምኡ እውን ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ምሓዝ ኢሞራላዊ እዩ። ከመይ ናይዚ ኣጽዋር እዚ ዕንወት ኣብዘን ክልተ ከተማታት ርኢናዮ ኢና።’ ዳግም ብምግዋሕ ሕጂ ነቲ ውጻእ መዓት ናይዚ ዝኾኑ ዘንቀሳቅስዎ ሰላም ብምድጋፍ ሰላም ንዓኹም ይኹን እንክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ መልእኽቶም ዛዘሙ።