ር.ሊ.ጳ ስቃይ ሕዝቢ ሊባኖስ ብጣዕሚ ከምዘሻቅሎም ተመልኪቱ!
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 9 ነሐሰ 2020 ዓም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ዳግም ንሊባኖስን ኣብ ብርቱዕ ስቃይ ንዘሎ ሕዝባን ብምዝካር ‘ሊባኖስ ከም ቀደማ ብሓባር ናይ ምባር ኣብነት ንክትከውን ስለእዛ ብጣዕሚ ተኣፋፊት ኰይና ዘላ ሓቢርካ ምንባር ንጸሊ። ቤተክርስትያን ከኣ ነዛ ፍኖተ መስቀል ተሕልፍ ዘላ ሃገር ብወንጌላዊ ድኽነት ተሰንያ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።
ዜና ቫቲካን!
ዝሓለፈ ሶሉስ ብዘጋጠመ ባርዕ ነትጒ ብዙሕ ሕይወትን ንብረትን ዘጥፍአት ሃገር ሊባኖስ ገና ትሳቀ ብምህላዋ ዓለምለኸ ማሕበረሰብስ ይኹን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ዝተኻእሎም እኳ የበርክቱ እንተለው እቲ ዕንወት ሰፊሕን ከቢድን ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ዕለት 9 ነሓሰውን ፍኖተ መስቀል ወይውን ቀራንዮ ኢሎም ዝገለጽዎ ሊባኖሳውያን ዘሕልፍዎ ዘለው ስቃይ ከምዘተሓሳስቦምን ምእንታኦም ከምዝጽልዩን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
09 Aug 2020, 13:07