ር.ሊ.ጳ ስቃይ ሕዝቢ ሊባኖስ ብጣዕሚ ከምዘሻቅሎም ተመልኪቱ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 9 ነሐሰ 2020 ዓም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ዳግም ንሊባኖስን ኣብ ብርቱዕ ስቃይ ንዘሎ ሕዝባን ብምዝካር ‘ሊባኖስ ከም ቀደማ ብሓባር ናይ ምባር ኣብነት ንክትከውን ስለእዛ ብጣዕሚ ተኣፋፊት ኰይና ዘላ ሓቢርካ ምንባር ንጸሊ። ቤተክርስትያን ከኣ ነዛ ፍኖተ መስቀል ተሕልፍ ዘላ ሃገር ብወንጌላዊ ድኽነት ተሰንያ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ሶሉስ ብዘጋጠመ ባርዕ ነትጒ ብዙሕ ሕይወትን ንብረትን ዘጥፍአት ሃገር ሊባኖስ ገና ትሳቀ ብምህላዋ ዓለምለኸ ማሕበረሰብስ ይኹን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ዝተኻእሎም እኳ የበርክቱ እንተለው እቲ ዕንወት ሰፊሕን ከቢድን ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ዕለት 9 ነሓሰውን ፍኖተ መስቀል ወይውን ቀራንዮ ኢሎም ዝገለጽዎ ሊባኖሳውያን ዘሕልፍዎ ዘለው ስቃይ ከምዘተሓሳስቦምን ምእንታኦም ከምዝጽልዩን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

“ኣብዚ ዕለታት እዚ ሓሳበይ ደጋጊሙ ናብ ሃገረ ሊባኖስ ይጐዓዝ ኣሎ። ኣብዚ ቅርዓት ባንዴራ ሊባኖስ ጉጅለ ደቂ ሊባኖስ እዕዘብ ኣሎኹ። ናይ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕንወት ንኩልና ካብ ሊባኖሳውያን ጀሚርካ ንሓባራዊ ጽቡቅ ነገር ናይዛ ፍቅርቲ ሃገር እዚኣ ክንደጋገፍ ይጽውዓና። ሃገር ሊባኖስ ፍሉይ መንነት ኣለዋ። እዚ ከኣ ፍረ ውህደት ናይ ዝተፈላለያ ባህልታት ኰይኑ ኣብ ዘመናት ዘማዕበለቶ ኣብነታዊ ሓቢርካ ምንባር እዩ። ርግጽ ሕጂ እዚ ሓቢርካ ምንባር እዚ ተኣፋፊ ኰይኑ ኣሎ እኳ ደኣ ብጣዕቢ ተኣፋፊ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ሓደራ ዝብሎን ዝምህለሎን ብሓገዝ እግዚአብሔር እሙን ምትሕብባር ናይ ኩሎምን ሃገረ ሊባኖስ ዳግም ክትውልድን ዝሓየለት ክትከውንን እዩ። ንቤተክርስትያን ሊባኖስ ኣብ ጐድኒ እዚ ፍኖተ መስቀሉ ጒዕዞ ቀራንዮኡ ዝፍጽም ዘሎ ሕዝቢ ሊባኖስ ኰይና ከምቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ትገብሮ ዘላ ብምድግጋፍን ርሕራሔን ልባን ኣእዳዋን ከፊታ ንዘለዋ ኩሉ ተካፍል። ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቅረብኵዎ ጻውዒት ማለት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ለጋስ ሓገዝ የበርክት። ንኩሎም ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሃገረ ሊባኖስ ሓደራ ዝብሎ ኣብ ጐድኒ ሕዝቦም ክኾኑ ከምኡ እውን ናብራ ምጮት ከይደለዩ ብድኽነት ናይ ምንባር ምኽሪ ወንጌል ኽኽተሉ እላቦ ከማይ ሕዝብኹም ይሳቀ ኣሎ እኳ ደኣ ብጣዕሚ ይሳቀ ኣሎ።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

09 August 2020, 13:07