ሶሙነ ሕማማት ምስ ምሉእ ሥድራቤት እናጸለኹም ኣሕልፍዎ! ር.ሊ.ጳ
ኣብዚ ብምኽንያድ ለበዳ ኮቪድ 19 ለብዒ ኮረና ቫይሩስ ቅዱስነቶም ኣብ ባዶ ቤተክርስትያን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብተለቪዥንን ብመራኸቢ ብዙሓንን ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴን ሥርዓተ ሆሳዕናን ምስ ፈጸሙ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ብመንፈስ ቅርበትና ነቶም ዝሳቀዩ እናገለጽና ንሥርዓታት ሶሙነ ሕማማት ብናይ ዘመና መራኸቢ ብዙሓን እናተሓገዝና ብመንፈሳውነት ክነሕልፎም ተማሕጺኖም። ዓመት መጸ በዚ ዕለት እዚ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ሰሰባኻኡ ዝዝከረሉ እውን ብምንባሩ ኣብ ዘዘሎኹሞ ጽንዑ ክብሉ ኣተባቢዖም።
ዜና ቫቲካን
ኣብዚ ኩሉ ኣብ ጭንቂ ዝርከበሉ ዘመነ ውሸባ ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ናይ ተስፋ መሰኻኽር ክኾኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ዕለቱ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ብምዃኑ ብልማድ ከኣ እቶም ኣቀዲሞም ነዚ በዓል እዚ ኣብ ሃገሮም ዘብዓሉ ነቲ ምልክጥ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ዝኾነ ዓቢ መስቀል እተቅብል ሃገር ብመንእሰያታ ናብ መንበረ ጴጥሮስ እንክተሰናብቶ እታ ድሒራ ነቲ በዓል ክተብዕል ዝተሓርየት ሃገር ከኣ ብመንእሰያታ ገራ ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በዚ ዕለት እዚ ተቀቢላ ንሃገራ ትወስዶ። ከምዝዝከር ዝሓለፈ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ሃገረ ፓናማ ተዘኪሩ ነሩ። ንዝመጽእ 2021 ከኣ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ከተማ ሊዝቦና ክዝከር ተወሲኑ ነበረ። ቅዱስነቶም ከም ፍቃድ ኣምላኽ እዚ ዕለት እዚ ከምዝተሰጋገርረ ከምዚ ክብሉ ኣመልኪቶም።
ቅዱስነቶም ቅርበቶም ብመንፈስ ገሊጾም ኣብዚ ሶሙነ ሕማማት ንኩሎም ሕሙማት ብመንፈስ እናሓቈፍና ንቤተሰቦምን ተሓጋገዝቶምን ብምምስጋን ስለእቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሞቱ እግዚአብሔር ኣብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክቅበሎም ዘለዓለማዊ ብርሃን ትንሣኤ ከብርሃሎም ንለምን ኢሎም።
05 Apr 2020, 18:24