ሕይወትና ንኣገልግሎት ካልኦት እንተዘይተጠቂምናሉ ትርጉም የብሉን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
እዚ ካብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ምእመናን ከካብ ገዛኦም ብተለቪዥንን ብኢንተርነትን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ዝተኸታተልዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ዑደተ ሆሳዕናን ከምቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ላቲናዊት ቤተክርስትያን ዝእዝዞ ኣብ ግዜ ወንጌል ካብ ሠለስተ ተመሳሰልቲ ወንጌላት ማለት ማቴዎስ ማርቆስ ሉቃስ ሓዲኦም ብምምራጽ ምሉእ ታሪኽ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ዝተታሕዘላ ክሳብ ዝዓረፈላ ብመልክዕ ተዋስኦ ሠለስተ ወይ ኣርባዕተ ካህናት ለቢሶም ሓደ ነቲ ኢየሱስ ዝብሎ ካልእ ነቲ ሕዝብን ጸሓፍትን ዝብልዎ ከምኡ እውን ናይ ሓዋርያት መልስትታን ናይ ጲላጦስ ቃላትን ብዝተፈላለዩ እናተቀባበሉ የንብብዎ። ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዘሎ ታሪኽ ሕማማት ክርስቶስ ግን ወትሩ ኣብ ዓርቢ ስቅለት እዮም ዘንብብዎ።
ንሎምዘመን ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ዝእዝዞ ወንጌለ ማቴዎስ ብምንባሩ ካብ ምዕራፍ 27 ካብቲ ብዓቢ ክብሪ ናይ ኢየሩሳሌም ዚኣተወሉን በዓለ ፋሲካ ምስ ሓዋርያቱ ፈጺሙ ኣብ ጌተሰማኒ እንክጽሊ ይሁዳ ካብታ መኣዲ ቊርባን መሊቑ ከይዱ ብ30 ቅርሺ ምስ ሊቃነ ካህናት ተዋዓዒሉ መምህር ኢሉ ስዒሙ ኣሕሊፉ ዝህቦ ጴጥሮስ እዝኒ ሓደ ኣገልጋሊ ብሰይፉ ክቈርጽ ጐይታ ከኣ ነታ እዝኒ ፈውሲ ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ክጠፍእ እዩ ኢሉ ምስ ተታሕዘ ሓዋርያት ራሕሪሖሞ ከምዝሃደሙን ጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ከምዝኸሓደን መርመራ ኢየሱስ ብሊቃነ ካህናትን ናይ ሓሶት መሰኻኸርን ኮታስ ኩሉ ክሳብ ስቕለቱን ሞቱን ዝገልጽ ብሰፊሑ ምስ ተነበ ቅዱስነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘተኰረ ስብከት ማለት 'ብዙሕ ግዜ ንእግዚአብሔር እነገልግሎ ንሕና ይመስለና ኰይኑ ግን ንሱ ኣቀዲሙ ስለዘፍቀረና ክገልግለና መረጸ። ስለዚ ንሱ እዩ ብነጻነቱ ከገልግለና ዝመጸ በዚኸስ ሕይወትና ንካልኦት እንተዘይኣገልጊልናሉ ትርጉም የብሉን' ክብሉ ነዚ ዝስዕብ ሰፊሕ ስብከተ ኣቅሪቦም።