ድለ

ሕይወትና ንኣገልግሎት ካልኦት እንተዘይተጠቂምናሉ ትርጉም የብሉን! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ሆሳዕና እንክትዝክር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰንበት ዕለት 5 ሚያዝያ 2020 ዓም ከምቲ ብቅንያቱ ክገብርዎ ዝቀነዩ ምስ ውሑዳት ተሓጋገዝቲ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ናብ ዓለም ምሉእ ዝዝርጋሕ ቅዳሴን ሥርዓት ዑደት ሆሳዕናን ጥርሑ ኣብ ዝነበረ ባዚሊካ ገሮም።

ዜና ቫቲካን

እዚ ካብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ምእመናን ከካብ ገዛኦም ብተለቪዥንን ብኢንተርነትን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ዝተኸታተልዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ዑደተ ሆሳዕናን ከምቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ላቲናዊት ቤተክርስትያን ዝእዝዞ ኣብ ግዜ ወንጌል ካብ ሠለስተ ተመሳሰልቲ ወንጌላት ማለት ማቴዎስ ማርቆስ ሉቃስ ሓዲኦም ብምምራጽ ምሉእ ታሪኽ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ዝተታሕዘላ ክሳብ ዝዓረፈላ ብመልክዕ ተዋስኦ ሠለስተ ወይ ኣርባዕተ ካህናት ለቢሶም ሓደ ነቲ ኢየሱስ ዝብሎ ካልእ ነቲ ሕዝብን ጸሓፍትን ዝብልዎ ከምኡ እውን ናይ ሓዋርያት መልስትታን ናይ ጲላጦስ ቃላትን ብዝተፈላለዩ እናተቀባበሉ የንብብዎ። ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዘሎ ታሪኽ ሕማማት ክርስቶስ ግን ወትሩ ኣብ ዓርቢ ስቅለት እዮም ዘንብብዎ።

ንሎምዘመን ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ዝእዝዞ ወንጌለ ማቴዎስ ብምንባሩ ካብ ምዕራፍ 27 ካብቲ ብዓቢ ክብሪ ናይ ኢየሩሳሌም ዚኣተወሉን በዓለ ፋሲካ ምስ ሓዋርያቱ ፈጺሙ ኣብ ጌተሰማኒ እንክጽሊ ይሁዳ ካብታ መኣዲ ቊርባን መሊቑ ከይዱ ብ30 ቅርሺ ምስ ሊቃነ ካህናት ተዋዓዒሉ መምህር ኢሉ ስዒሙ ኣሕሊፉ ዝህቦ ጴጥሮስ እዝኒ ሓደ ኣገልጋሊ ብሰይፉ ክቈርጽ ጐይታ ከኣ ነታ እዝኒ ፈውሲ ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ክጠፍእ እዩ ኢሉ ምስ ተታሕዘ ሓዋርያት ራሕሪሖሞ ከምዝሃደሙን ጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ከምዝኸሓደን መርመራ ኢየሱስ ብሊቃነ ካህናትን ናይ ሓሶት መሰኻኸርን ኮታስ ኩሉ ክሳብ ስቕለቱን ሞቱን ዝገልጽ ብሰፊሑ ምስ ተነበ ቅዱስነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘተኰረ ስብከት ማለት 'ብዙሕ ግዜ ንእግዚአብሔር እነገልግሎ ንሕና ይመስለና ኰይኑ ግን ንሱ ኣቀዲሙ ስለዘፍቀረና ክገልግለና መረጸ። ስለዚ ንሱ እዩ ብነጻነቱ ከገልግለና ዝመጸ በዚኸስ ሕይወትና ንካልኦት እንተዘይኣገልጊልናሉ ትርጉም የብሉን' ክብሉ ነዚ ዝስዕብ ሰፊሕ ስብከተ ኣቅሪቦም።

“[ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ፊሊጲስዩስ 2.7 ኢየሱስ 'መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ' ይብል። ኣብዘን ቅዱሳን ዕለታት ሶሙነ ሕማማት እዘን ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ክመርሓና ነፍቅድ። ነዚ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ማንም ባርያ ዘቅርበልና ቃል ኣምላኽ እዚ ዝመጽእ ጸሎተ ሓሙስ ከኣ እግሪ ሓዋርያቱ ብምሕጻብ ኣገልግሎቱ የረጋግጸልና። ኣብ ዓርቢ ስቅለት ከኣ ነቲ ኢሳይያስ 52 ዝሳቀ ኣገልጋሊ ኮይኑ ነቲ ኣብ 42.1 'እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ' ዝበሎ ተፈጺሙስ ንዓና በዚ ኣገልግሎት እዚ ወይውን ባርነት ንበሎ ሓራ የውጽኣና። እግዚአብሔር ሓራ ዘውጽኣና እናገልገለና እዩ። ብዙሕ ግዜ ንሕና ንእግዚአብሔር ከም እንገልግሎ ንሓስብ። ኩነታቱ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ንሱ ኣቀዲሙ ኣፍቂሩና እዩ እሞ ንኣና ፈትዩ ከገልግለና ዝመረጸ ንሱ እዩ። ክተፍቅርን ከም ግብረ መልሲ ፍቅሪ ኣንክትስእን ከቢድ እዩ። ስለዚኸስ እግዚአብሔር ከገልግለና እንተዘይፈቂድናሉ ንኣኡ መሊስካ ምግልጋል ዝኸበደ ይኸውን። እንተኾነ ጐይታ ከመይ ገቢሩ እዩ ዘገልግለና! ንገዛእ ርእሱ ንዓና ብምውፋይ የፍቅረና። ንሕና ፍቁራቱ ኢና። ክቡር ዋጋ ዝተኸፈለና ኢና። ዋጋና ክቡር እዩ። ቅድስት ኣንጀላ ዘፎሊና ሓደ ግዜ 'ኣባኹም ዘሎኒ ፍቅሪ ዋዛ ኣይኮነን' እንክብል ኢየሱስ ንዝተዛረባ ትዝክር። ኣባና ዘለዎ ፍቅሪኸስ ንገዛእ ርእሱ ንዓና ከወፍን ሓጢኣትና ወሲዱ ከምዝሽከሞን ገርዎ። ነዚ ከኣ ብዘይ ምንም ምጉርምራምን ብዓቢ ትሕትናን ትዕግሥትን ከምኡ እውን ከም ሓደ ባርያ ብምእዛዝ ብንጹሕ ፍቅሪ እዩ ፈጺምዎ። እግዚአብሔር ኣቦ እውን ንኢየሱስ ኣብ ኣገልግሎት ፍቅሩ ደጊፍዎ እዩ። ኰይኑ ግን ነቲ ጥንተ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስ ኣጻዊድዎ ዝነበረ ክፍኣት ከይኣለየ ነቲ ክፍኣትና ክሳብ መወዳእታ በቲ ሓያል ፍቅሩ ምእንቲ ክሽነፍ ኣብ ግዜ መከራኡ ኣብ ጐድኑ ኰይኑ ክሳብ መጨረሻ ደፊፍዎ። ኢየሱስ ንዓና እናኣገልገለ ስቃይ ዝመልኦ ኩነታት ተሸኪሙ እንኪጐዓዝ ዝገደደ ከኣ በቶም ዘፍቅሮም ዝነበረ ሰባት ክሕደትን ምግልላልን ኣጋጢምዎ። ክሕደት! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦን ዝሸጦን ከምኡ እውን ብኸሓዶ ሓዋርያት ዓቢ ክሕደት በጺሕዎ እዩ። እቶም ናብ ኢየሩሳሌም ኪኣቱ ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት እናበሉ ዝተቀበልዎ ሕዝቢ እውን ቃሎም ከይደረቀ ስቀሎ ስቀሎ እናበሉ ጨርሑ (ማቴ 27.22)። ፍትሒ ብዝጐደሎ ፍርዲ ንሞት እንክፍረድ በቶም መራሕቲ እምነትን ኢዱ ብዝተሓጽበ ጲላጦስን ዓቢ ክሕደት በጽሖ። ኣብ ሕይወትና ዘጋጠሙና ናኣሽቱን ዓበይትን ክሕደታት እስኪ ነስተንትን። ዓቢ እምነት ዘንበርናሎም እንፈትዎምን እንኣምኖምን ሰባት ክሕደት ክበጽሓና እንከሎ ብጣዕሚ የሕዝነና። ኣብ ልብኻ ሕይወት ትርጉም የብሉን ክሳብ ምባል ዘብጽሕ ብስጭት ከኸትል ዝኽእል ክንደይ ክሕደት ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ንሕና ክነፍቅር ብኡ ኣቢልና ከኣ ንክንፍቀር ዝተፈጠርና ስለዝኾና እቲ ዝገደደ ከኣ በቶም ዘፍቀርናዮምን እምነት ዘንበርናሎምን ሰባት ክሕደት ከጋጥመና ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዘሰቃን ይኸውን። ነቲ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚአብሔር እዚ ክሕደት እዚ ክሳብ ክንደይ ከምዘሳቀዮ ክንርድኦ እኳ እንተዘይከኣልና ካብዚ ተመኲሮና ክንርዳእ ንኽእል። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
05 April 2020, 17:51