ንዲያብሎስ ርሓቅ ሰይጣን ኢልካ ምብራሩ ደኣምበር ምሳኡ ምዝታይ ኣየድልን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማቴ 4.1 ኰይኑ ‘ሽዑ ኢየሱስ፡ ብድያብሎስ ምእንቲ ኪፍተን፡ መንፈስ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። ድሕርዚ እቲ ፈታኒ ቀሪቡ፡ ‘ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኾይንካስ፡ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጌራ ኪኾና ኣዝዝ’ በሎ። ኢየሱስ ግን፡ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል ደኣምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ሕይወት ዚረክብ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ ቢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ኣቖሞ። `ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኾይንካ ንታሕቲ ተወርወር ከመይሲ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኺእዝዝ እዩ ዝብል ተጻሒፉ አሎ’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ ‘እንደገና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ዚብል እውን ተጻሒፉ አሎ’ በሎ። ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ሓደ ኣዝዪ ዘልዓለ እምባ ወሰዶ እሞ፡ ኵለን መንግሥትታት ዓለምን ክብረንን ኣርአዮ፡ ‘ተፈጊምካ እንተ ሰገድካለይ፡ ነዚ ዅሉ ኽህበካ እየ’ በሎ። ሽዑ ኢየሱስ፡ ‘ርሓቕ ኣታ ሰይጣን! ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ ጥርያ እውን ኣገልግል’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ’’ በሎ። ድሕርዚ ዲያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ እውን መልእኽቲ መጺኦም የገልግልዎ ነበሩ’’ ዝብል ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስነቶም በብሓደ ነተን ሠለስተ ፈተናታት ምስ ተንተኑ ጥቅልል ብዝበለ ‘ዲያብሎስ ንኢየሱስ ያኢ ከጋጊ ካብቲ ቀንዲ መልእኽቲ እግዚአብሔር ንምዝንባል ብዓይኒ ፖሎቲካን ሥልጣንን ዝረአ መሲሓዊ ተልእኮ ከም ምርጫ የቅርበሉ። ኢየሱስ ከኣ ነቲ ደቂሰባት ከም ጣዖት ዘምልኽዎ ሥልጣንን ክብሪ ደቂሰባትን ወጊድ ኢሉ ኣብ መወዳእታ ነቲ ፈታኒ ‘ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ ጥርያ እውን ኣገልግል ዝብል እዩ ተጻሒፉ ዘሎ ኢሉ ብምርታዕ ኪድ ካባይ ረሓቅ ሰይጣን’ ኢሉ የባርሮ` ኢሎም።
ካብ እግዚአብሔር መጠን ዝረሓቅናሉ መጠኑ ንጥቃዕ!
ነዛ ሓጻር ክፍሊ ወንጌል እንተተመልከትናያ ይብሉ ቅዱስነቶ፡ ኢየሱስ ምስ ዲያብሎስ ብምንም ተኣምር ኣይዛተን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን ብቃል ኣምላኽ ጥራይ ይምልሸሉ። ስለዚኸስ ምስ ዲያብሎስ ብምንም ተኣምር ክንዛተ ወይውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክንወርድ የብልናን። ከመይ ንሱ ሓሳውን ኣቦኣ ንሓሶትን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሓባሊ እውን ስለዝኾነ ሓቢሉ ሓባቢሉ ከጋግየና ስለዝኽእል ፈጺምና ማዕጾ ዘተ ክንከፍተሉ የብልናን። ተመክሮ ኢየሱስ ከኣ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ዝኾነና ስለዚ ወትሩ ጥንቁቃት ክንከውን ካብ ፈተና ናይ ዓለምና ኣምልኾ ጣዖት ብዝኾነ ሥልጣንን ጣዕሚ ዓለምን ክብሪ ዓለምን ከንቱ ብዝኾነ ነገራትን ከየስዳዓና የለብመና ኢሎም።
ብድሕሪ ኣስተምህሮ ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምእንቲ እቶም ኣብዚ ሶሙን እዚ ብምኽንያት ውግእ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ቈልዓ ሰበይቲ ኣብ ዶባት ሃገራት ዝጐዓዙ ዘለው ስደተኛታት ንጸሊ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዓመት መጸ ኣብ ምጅማር ጾመኣርብዓ ምስ መሳርሕቶም ብሓባር ካብ ሮማ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ኣሪቻ ኣብ ዝበሃል ገዳም ዝግበር ሱባኤ ር.ሊ.ጳ ካብ ዝኾነ ሎምዘመን ብምኽንያት ሰዓል ንመጀመርያ ግዜ ይበኹሩ እኳ እንተለው ብመንፈስ ከምዝከታተልዎ ሓቢሮም ምእንታኦም ክንጽልን ብመንፈስ ክንሓብሮምን ኣዝኻኺሮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበትዎም።