ድለ

ንዲያብሎስ ርሓቅ ሰይጣን ኢልካ ምብራሩ ደኣምበር ምሳኡ ምዝታይ ኣየድልን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 1 መጋቢት 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ልሙድ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ንምጅማር ጾመኣርባዓን ጾም ኢየሱስን ምኽንያት ብምግባር ‘እቲ ዝዓበየ ናይ ዘመንና ፈተና ነቲ እግዚኣአብሔር ዝሓበረካ ገዲፍካ ካልእ ኣማራጺ ክትረክብ ሃሰው ምባል እዩ’ እንክብሉ ኣብዚ ዘመነ ጾም ኣርባዓ ኣሰር ኢየሱስ ተኸቲልና ክንፍጽሞ ድሕሪ ተላብዮም መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ። ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ስለእቶም ኣብዚ ቅንያት እዚ ካብ ውግእ ክድሕኑ ዝሰደዱ ዘለው ክንጽሊ ከምኡ እውን ዓመታዊ ሱባኤ ኣማኸርቶም ሽሕ’ኳ ከምቲ ዝተመደበ ክሳተፉ እንተዘይከኣሉ ብመንፈስ ክከታተልዎ ምዃኖም ገሊጾም ብጸሎት ክነሰንዮም ተላብዮም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል  - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማቴ 4.1 ኰይኑ ‘ሽዑ ኢየሱስ፡ ብድያብሎስ ምእንቲ ኪፍተን፡ መንፈስ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። ድሕርዚ እቲ ፈታኒ ቀሪቡ፡ ‘ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኾይንካስ፡ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጌራ ኪኾና ኣዝዝ’ በሎ።  ኢየሱስ ግን፡ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል ደኣምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ሕይወት ዚረክብ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ ቢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ኣቖሞ። `ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኾይንካ ንታሕቲ ተወርወር ከመይሲ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኺእዝዝ እዩ ዝብል ተጻሒፉ አሎ’ በሎ።  ኢየሱስ ከኣ፡ ‘እንደገና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ዚብል እውን ተጻሒፉ አሎ’ በሎ።  ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ሓደ ኣዝዪ ዘልዓለ እምባ ወሰዶ እሞ፡ ኵለን መንግሥትታት ዓለምን ክብረንን ኣርአዮ፡ ‘ተፈጊምካ እንተ ሰገድካለይ፡ ነዚ ዅሉ ኽህበካ እየ’ በሎ። ሽዑ ኢየሱስ፡ ‘ርሓቕ ኣታ ሰይጣን! ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ ጥርያ እውን ኣገልግል’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ’’ በሎ። ድሕርዚ ዲያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ እውን መልእኽቲ መጺኦም የገልግልዎ ነበሩ’’ ዝብል ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም በብሓደ ነተን ሠለስተ ፈተናታት ምስ ተንተኑ ጥቅልል ብዝበለ ‘ዲያብሎስ ንኢየሱስ ያኢ ከጋጊ ካብቲ ቀንዲ መልእኽቲ እግዚአብሔር ንምዝንባል ብዓይኒ ፖሎቲካን ሥልጣንን ዝረአ መሲሓዊ ተልእኮ ከም ምርጫ የቅርበሉ። ኢየሱስ ከኣ ነቲ ደቂሰባት ከም ጣዖት ዘምልኽዎ ሥልጣንን ክብሪ ደቂሰባትን ወጊድ ኢሉ ኣብ መወዳእታ ነቲ ፈታኒ ‘ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ ጥርያ እውን ኣገልግል ዝብል እዩ ተጻሒፉ ዘሎ ኢሉ ብምርታዕ ኪድ ካባይ ረሓቅ ሰይጣን’ ኢሉ የባርሮ` ኢሎም።

ካብ እግዚአብሔር መጠን ዝረሓቅናሉ መጠኑ ንጥቃዕ!

ነዛ ሓጻር ክፍሊ ወንጌል እንተተመልከትናያ ይብሉ ቅዱስነቶ፡ ኢየሱስ ምስ ዲያብሎስ ብምንም ተኣምር ኣይዛተን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን ብቃል ኣምላኽ ጥራይ ይምልሸሉ። ስለዚኸስ ምስ ዲያብሎስ ብምንም ተኣምር ክንዛተ ወይውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክንወርድ የብልናን። ከመይ ንሱ ሓሳውን ኣቦኣ ንሓሶትን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሓባሊ እውን ስለዝኾነ ሓቢሉ ሓባቢሉ ከጋግየና ስለዝኽእል ፈጺምና ማዕጾ ዘተ ክንከፍተሉ የብልናን። ተመክሮ ኢየሱስ ከኣ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ዝኾነና ስለዚ ወትሩ ጥንቁቃት ክንከውን ካብ ፈተና ናይ ዓለምና ኣምልኾ ጣዖት ብዝኾነ ሥልጣንን ጣዕሚ ዓለምን ክብሪ ዓለምን ከንቱ ብዝኾነ ነገራትን ከየስዳዓና የለብመና ኢሎም።

“ምስ ፈተናታት ኣብ ዘተ ዘይምውዳቅ! ምስ ዲያብሎስ ፈጺምኩም ኣይትዛተዩ። ሎሚ እውን እንተኾነ ሰይጣን በተን መታለልቲ ዝኾና ፈተናታቱ ናይ ብዙሓት ሕይወት ከዕኑ ይፍትን እዩ። ነተን መደናገርቲ ዝኾና ድምጽታቱ ዝተፈላለየ ቅላጼ እናሃበ ንሕልና ብዙሓት ከሰሓሕት ይፍትን። ጣዕሚ ሕግታት ምፍራስ ናይ ሓሶት ሓርነት ከልብሱ ዝቀርቡ ዝተፈላለዩ ሰላሕታውያን ፈተናታትን ጻውዒትን የሰናዱ። ኣብዚ መምህር ዝኾነና ተመኲሮ ኢየሱስ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ንመደብ ኣምላኽ ብኻልእ ኣማራጺ ንምትካእ ንዝቀርበና ፈተና ንምሽናፍ ዓቢ ትምህርቲ ገዲፉልና። ኣሎ። እቶም ናይ እግዚአብሔር ሰባት እንብሎም እውን ከይተረፉ ደሓን እዝስ ጸገም የለን እግዚአብሔር ይምሕር እዩ ሓደ መዓልቲ ተሓጐስ ዝብል ፈተና እንከጋጥም ዋእ ሓጢኣት እንድዩ ንዝብል ድምጺ ንምሽፋን ዝተፈላለየ ኣማራጺ ብምፍጣርን ስምዒታት ብምቅስቃስን ሕይወት ንጣዕምን ባህታን ከምዝተፈጥረት ጌርካ ብምቅራብ ከሰሓሕቱ ዝፍቱ ብዙሓት እዮም። ኰይኑ ግን ክሳብ ክንደይ ተጋጊዮም ከምዘጋግዩ ብኡ ንብኡ ይግለጽ ዝገደደ ከኣ ካብ ኣምላኽ መጠን ዝረሓቅናሉ መጠኑ መከላኸሊ ኣልቦ ኰይን እንደንግጽ ድኹማት ንኸውን እሞ ናብ ተስፋ ቊርጸት ገጽና ንጐዓዝ። እታ ርእሲ ተመን ዝጨፍለቀት ድንግል ማርያም ኣብዚ ዘመነ ጾመኣርባዓ ኣብ ቅድሚ እዚ ፈተናታት እዚ ንቊሓትን ጥንቁቃትን ኰና ካብ ፈተና ናይ ዓለምና ጣዖታት ዝኾኑ ሥልጣንን ጣዕምን ክብርን ክፍኣትን ከም ኢየሱስ ዕውታት ኰና ናብ ፋሲካ ንክንበጽሕ ትደግፈና ኢሎም።”

ብድሕሪ ኣስተምህሮ ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምእንቲ እቶም ኣብዚ ሶሙን እዚ ብምኽንያት ውግእ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ቈልዓ ሰበይቲ ኣብ ዶባት ሃገራት ዝጐዓዙ ዘለው ስደተኛታት ንጸሊ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዓመት መጸ ኣብ ምጅማር ጾመኣርብዓ ምስ መሳርሕቶም ብሓባር ካብ ሮማ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ኣሪቻ ኣብ ዝበሃል ገዳም ዝግበር ሱባኤ ር.ሊ.ጳ ካብ ዝኾነ ሎምዘመን ብምኽንያት ሰዓል ንመጀመርያ ግዜ ይበኹሩ እኳ እንተለው ብመንፈስ ከምዝከታተልዎ ሓቢሮም ምእንታኦም ክንጽልን ብመንፈስ ክንሓብሮምን ኣዝኻኺሮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

02 March 2020, 17:41