ስለ እቶም ካብ ውግእ ዝሃድሙ ስደተኛታት ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 1 መጋቢት 2020 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ስለ እቶም ኣብ ካብ ውግእ ንክሃድሙ ኣብ ፈቀዶኡ ዝስደዱ ዘለው ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ መንጎ ሶርያን ቱርክን ብዝተላዕለ ዶባዊ ግጭት ኣብ ድርኲዂት ኤውሮጳ ኮይኖም ኣብየት ዝብሉ ዘለው ሕጻናትን ኣደታትን ንጸሊ ኢሎም።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ውግእ ሶርያ ሓድሕዳዊ ውግእ ካብ ዝኸውን ግዝያት እኳ እንተአቚጸረ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ኢድ ኣእታውነተን ገና ደው ስለዘየበላ ምናዳ ኸኣ ሃገረ ሩስያ ዝባና ቀሊዓ ምስ ፕረሲደንት ሃገረ ሶርያ ኣሳድ ብምስላፍ ብኣጽዋርስ ይኹን ብምኽሪ ብዙሕ ጒድኣት ኣብ ልዕሊ እቶም ተጻይ ማእከላይ መንግሥቲ ተሰሊፎም ንነዊሕ ዓመታት ሓንሳእ ብርእሰ ሃያላን ኣመሪካ ሓንሳእ ብልኡኻት ከም በዓል ሃገረ ቱርኪ እናተሓገዙ ዝዋግኡ ዝነበሩ መሊሻ ላዕለዋይ ኢድ ብምርካብም ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ብዙሓት ወተሃደራት ቱርኪ ከይተረፉ ዝሞቱሉ ዓቢ ቅልውላው ስለዝተፈጥረ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቊጸሩ ስደተኛታት ሶርያ ንኤውሮጳ ገጾም ክሳገሩ ነጻ ስለዝገደፎም ኣብ ዶብ ቱርክን ግሪኽን ኣብቲ ድሮ ኣዕለቅሊቚ ዘሎ መቀበሊ ስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ስደተኛታት ብምድርን ብባሕርን ኣብ ርእሲ ሓድሕድ ተጸፋጺፎም ከምዘለውን ምናዳ ኸኣ ሕጻናትን ኣደታትን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለው ተገሊጹ። ቅዱስነቶም እዚ ኩነታት እዚ ስለዝሓቀዮም ከምዚ ክብሉ ሓያል ጻውዒት ኣቅሪቦም።
02 Mar 2020, 17:46