አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ውግእ ሶርያ ሓድሕዳዊ ውግእ ካብ ዝኸውን ግዝያት እኳ እንተአቚጸረ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ኢድ ኣእታውነተን ገና ደው ስለዘየበላ ምናዳ ኸኣ ሃገረ ሩስያ ዝባና ቀሊዓ ምስ ፕረሲደንት ሃገረ ሶርያ ኣሳድ ብምስላፍ ብኣጽዋርስ ይኹን ብምኽሪ ብዙሕ ጒድኣት ኣብ ልዕሊ እቶም ተጻይ ማእከላይ መንግሥቲ ተሰሊፎም ንነዊሕ ዓመታት ሓንሳእ ብርእሰ ሃያላን ኣመሪካ ሓንሳእ ብልኡኻት ከም በዓል ሃገረ ቱርኪ እናተሓገዙ ዝዋግኡ ዝነበሩ መሊሻ ላዕለዋይ ኢድ ብምርካብም ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ብዙሓት ወተሃደራት ቱርኪ ከይተረፉ ዝሞቱሉ ዓቢ ቅልውላው ስለዝተፈጥረ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቊጸሩ ስደተኛታት ሶርያ ንኤውሮጳ ገጾም ክሳገሩ ነጻ ስለዝገደፎም ኣብ ዶብ ቱርክን ግሪኽን ኣብቲ ድሮ ኣዕለቅሊቚ ዘሎ መቀበሊ ስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ስደተኛታት ብምድርን ብባሕርን ኣብ ርእሲ ሓድሕድ ተጸፋጺፎም ከምዘለውን ምናዳ ኸኣ ሕጻናትን ኣደታትን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለው ተገሊጹ። ቅዱስነቶም እዚ ኩነታት እዚ ስለዝሓቀዮም ከምዚ ክብሉ ሓያል ጻውዒት ኣቅሪቦም።