ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮንን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮንን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮንን

ብዙሕ እዋን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቐጻሊ ዝፍጸም ቅትለት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን እዚዩ ዘሰክፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ከትርፍ ዝኽእል ሓደጋው ምዃኑ ብኽልቲኦም ወገን ዝተገልጸ ስክፍታ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ምዕራባውያን ፖለቲከይናታትን ርእዮም ከምዘይረኣዩን ሰሚዖም ከምዘሰምዑን ብዘይተገዳስነት ዝሓልፍዎ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃቫና ዘካይድዎ ርክብን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ውሳኔንን ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ምኽንያት ቅድም ክብል እቶም ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፍሪበርግን ንዝኽሪ ካልኣይ ዓመት  ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቪየናን ኣብ 2019 ዓ.ም. ንዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ሞስካ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ንናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ወኪሎም ዝተሳተፉ ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ሜጥሮፖሊታ ክቡርነቶም ሂላሪዮን ንዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ዕለት 12 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ኣኼባ ተሳቲፎምን መደረ ከምዘስምዑን ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሪየላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 13 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ ወጻእ ርክባት ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮፖሊታ ክብሩነቶም ሂላሪዮን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡ ኣፍሊጠን፡ ድሕሪ ቐትሪ ክቡርነቶም ሜጥሮፖሊታ  ሂላሪዮን “ሞትን ትንሳኤን” ዘርእስቱ መጽሓፎም ትርጉም ጣልያንይና ብወግዒ ንንባብ ከምዘቕረቡን፡ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ክሪልን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመተ ኣብ ሃቫና ተራኺቦም ብሓባር ከቲሞም ወዓዊ ዝገበርዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ቀንዲ ትሑዝቶኡ ንምትግባር ዝዓዪ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ድርገት፡ ባህላውን ማሕበራውን መደባቱ እውን ድሕሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ከምተራኸቡን ብዛዕባ ናይ ሮማን ሞስካን ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብን ቀጻሊ ናይ ሓባር መደባትን ኣማእኪሎም ከምዝዘተዩን፡ ቅድም ኣቢሎም እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ እውን ከምዝመኸሩ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ማእከላይ ምብርቕ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዑ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ንምድጋፍን፡ ስደትን መከራን ክርስቲያን ከብቅዕን፡ እዚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ፍራንቸስኮን ኪሪልን ኣብ ሃቫና ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ዘቕረብዎ ጻውዒት እውን እዩ ኢሎም።

ብዙሕ እዋን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቐጻሊ ዝፍጸም ቅትለት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን እዚዩ ዘሰክፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ከትርፍ ዝኽእል ሓደጋው ምዃኑ ብኽልቲኦም ወገን ዝተገልጸ ስክፍታ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ምዕራባውያን ፖለቲከይናታትን ርእዮም ከምዘይረኣዩን ሰሚዖም ከምዘሰምዑን ብዘይተገዳስነት ዝሓልፍዎ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ፡ ስለዚህ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውሑስ ክኸውን ብሓባር ድምጽና ነስምዕ ኢሎም።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮንን

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮንን
14 February 2020, 17:05