ድለ

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ርክብ ፍራንቸስኮን ኪሪልን ኣብ ሃቫና ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ርክብ ፍራንቸስኮን ኪሪልን ኣብ ሃቫና 

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ርክብ ፍራንቸስኮን ኪሪልን ኣብ ሃቫና

ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃቫና ዘካይድዎ ርክብን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ውሳኔንን ንምዝካር ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፍሪበርግን ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቪየናን ኣብ 2019 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ሞስካ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ንክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ወኪሎም ዝተራኸቡ ኣብዚ ናይ2020 ዓ.ም. ርክብ ተዋሳእቲ ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ሜጥሮፖሊታ ክቡርነቶም ሂላሪዮን

ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱሳን፡ ምልክት ሓድነት ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ንዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ ናይ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫንን ኣብቲ ርክብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ውሳኔ ሰነድን ምኽንያት ዕለት 12 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደን ንምሸቱ እውን ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ናይ ሞስኮ ቅዱስ ሲኖዶስን ናይ ካፐላ ሲስቲና መዘምራን ብሓባር ዘቕረብዎ ናይ መዝሙር ምርኢት ከምዝቐረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቀዳማይ ሺሓዊ ታሪኽ ክርስትና ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር መንፈሳዊ ባህሊ ዝካፈላ ከምዝነበራን እዚ ኸኣ ቅድስተ ማርያም እመ እግዚኣብሔርን ቅድስተ ድንግል ማርያምን ኣብ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝኽበሩን ቅዱሳት ብጭቡጥ ነት ዘራኽብ መንፈሳዊ ኵነት ዝምስክር እዩ። ኣብ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ክርስትና ክርስቲያን ብዝኸፈልዎ ናይ ደም ሰማዕትነት እሙናት ንኽርስቶስ ዝዀኑ ብዙሓት እያቶም። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ኣብ ዝርከብ ኾሰ ማርቲ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርቲያን ፓትሪያርክ ተራኺቦምን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሰነድ እረኽቦ ምዃኑ ኣብቲ በዚ ዝኽሪ መበል ኣርባዕተ ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ.ን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምእተመልከተን፡ ኣብቲ ርክብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኪርት ኮኽ ክዀ ክዀኑ እንከለዉ ብወገን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያ ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ኣቦ መንበር ሜጥሮፖሊታ ክቡርነቶም ሂላሪዮን ከምዝነበሩ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ቅዱሳትን ሰማዕታትን ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን መሰረት

ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃቫና ዘካይድዎ ርክብን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ውሳኔንን ንምዝካር ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፍሪበርግን ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቪየናን ኣብ 2019 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ሞስካ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ንክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ወኪሎም ዝተራኸቡ ኣብዚ ናይ2020 ዓ.ም. ርክብ ተዋሳእቲ ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ሜጥሮፖሊታ ክቡርነቶም ሂላሪዮን መደረ ከምዘስምዑን፡

ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ ንሚጥሮፖሊታ ክቡርነቶም ሂላሪዮን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም እቲ ቅዱሳትን ሰማእታትን መሰረት ዝገበረ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርሲያን ርክብ ኣብ መራሕትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውነትን እናበለ እውን ናብ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ዝበጽሕ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ምሕያል የድሊ ከምዝበሉን፥ ሜጥሮፖሊታ ክቡርነቶም ሂላሪዮን እውን ብወገኖም፡ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልያት ኣብ ልዕሊ ምሉእ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ቁስሊ ከምዝዀነ ገሊጾም፡ ናይ ቀዳሞት ዘመናት ሰማዕታት ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣረመናዊ ባህልን ኢእግዚኣብሔራዊ ስርዓትን ግዳያት ከምዝዀኑን፡ ቅዱሳትን ሰማእታትን ኣብ መባኣታ ናይ ክርስትና ዘመን ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መንፈሳዊ ባህሊ መግለጺ እዩ፡ ሎሚ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ብዙሓት ክርስቲያን ስቓይን ስደትን መከራን ዘኪሮም እቶም ሰምዕታን ንናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ተግባር መሰረት እያቶም ከምዝበሉ ገሊጸን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ሞስካ ኣብ ዝርከብ ናይ መንግስቲ መንበረ ጥበብ መምህር ኣባ ኣልዶ ኣለክሰይ ኣንድረቭ “ቅድስና ምበንጽር ናይ ሞስካ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስትያን” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘኽረቡን፡ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያና ናይ ስነ ቅብእን ንድፍን ሊቅ ናይ ኣለቲ ማእከል ኣቦ መንበር ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ፡  “ቅዱስናን ሱታፌን” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘቕረቡን፡ ኣባ ኪሪል ላለዳን እናቴ ጋብርኤላ ማስቱርዛ እውን ኣብ ዚሪያ ብቐረባ ዝፈለጥዎን ናይ እዋንና ሓደስት ሰማዕታትን ቅዱሳትን ታሪኽ ዘመእከለን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸራዞ ኣፍሊጠን። 

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ርክብ ፍራንቸስኮን ኪሪልን ኣብ ሃቫና
13 February 2020, 17:55