ድለ

ድሕሪ ደጊም ከም ሕልቂት መዳጎኒ ኣውስኪዝ ቢርከናው ዚኣመሰለ ከይድገም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 26 ጥሪ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ንዝኽሪ መበል 75 ዓመት ሓራ ምውጻእ ካብ መዳጎኒታት ሕልቂት ኣውስኪዝ ቢርከናው ኣመልኪቶም ‘ነፍሲወከፍና ብልብና ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ብምንም ተአምር ኣየደገም’ ኢሎም ክጽልዩ ብምዕዳም ነቲ ኣብ ዕለቱ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቅዳሴ ዝጀመርዎ ቀዳማይ ሰንበት ቃለ እግዚኣአብሔር አመልኪቶም ከኣ `ብቃል ክርስቶስ ንተኣማመን ንምሕረት ኣቦ ልብና ከፊትና ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክልውጠና ነፍቅደሉ` ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሰንበት 26 ጥሪ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝዝከረሉ ዕለት ብምንባሩ ንክልቲኡ ኣመልኪቶም ቃሎም ዘስምዑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ሓደ ወገን መበል 75 ዝኽሪ ሓርነት ካብቲ ብሸዋ ዝፍለጥ መዳጎኒ ሕልቂት ኣውስኪዝ ቢርከናው ‘ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሕልቂት ምንም ከምዘይኮነ ከይተገደስካ ሸለል ክትብል ዘይከኣልን ዘይፍቀድን ስለዝኾነ ነዚ ዝኽሪ ክንገብር ግድን እዩ። ጽባሕ ኩልና እዚ ጉዳይ እዚ ፈጺሙ ኣብ ገጽ ምድሪ ከይድገም ብልብና እናተመነና ፍሉይ ናይ ጸሎት ግዜ ንመድብ’ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማቴ 4.12 ኰይኑ ኢየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱን ማእሰርቲ ዮሓንስ መጥምቅን መንግሥቲ ኣምላኽ ንክሰብኽ ኣብ ወገን ዛብሎንን ንፍታሊምን ኣብ ገምገም ባሕሪ ናብ እትርከብ ቅፍርናሆም ከይዱ ከምዝተቀመጠ ዝገልጽ እዚ ከኣ  ነቲ ቀደም ብትንቢት ኢሳያስ 8 ዝተነግረ ከምዝተፈጸመ ምምልካት ‘ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን መንገዲ ባሕሪ ስግር ዮርዳኖስ ገሊዝላ ኣሕዛብ እቲ ኣብ ጸልማት ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ ነቶም ኣብ ሃገር ሞትን ጽላል ሞትን ዝነበሩ እውን ዓቢይ ብርሃን በረቀሎም’ ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም ኮነ’ ዝብል ነበረ።  ነዚ ምጅማር ስብከተወንጌል ኢየሱስ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ኢየሱስ ክንዲ ብዓባይ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝጅምር በታ ናይ ገሊላ ቊሸት ምጅማሩ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝህበና እዚ ከኣ እዚ ከባቢ እዚ በቶም ኣይሁዳውያን ምስ ኣረማውያን ዝተሓዋወሰ ዘይጽሩይ ኰይኑ ዝረኤ ከምዝነበረ ኢየሱስ ከአ `ተነስሑ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ` ክብል በቶም ትሑታት ከምዝጀመረ ገሊጾም። እዚ ከኣ ከምቲ ትንቢት ዝብሎ ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ከም ዓቢ ብርሃን እዩ። ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ብምዃኑ ብናቱ ምምጻእ እግዚአብሔር ኣቦ ቅርበቱን ዕርክነቱን ንደቂሰባት ይገልጽ። ነዚ ከኣ ብነጻ ይዕድሎ። ማንም ብጻዕረይ ብመንፈዓተይ ረኺበዮ ክብል ኣይክእልን። ስለዚ ነዚ ዓቢ ትዕድልቲ እዚ ነዚ ዓቢ ጸጋ እዚ ነዚ ዓቢ ግንዖ እዚ ክንዕቅቦ የድሊ ኢሎም።

“ብዙሕ ግዜ መንገዲ ሕይወትናስ ይኹን እንኽተሎ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መነባብሮ ከምኡ እውን ሕማቅ ተግባርናስ ይኹን ሕይወት ሓጢኣት ክንልውጦ ዘይከኣል ኰይኑ ይስመዓና። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ባዕልና ንሕና ጥራይ ብገዛእ ሓይልና ጥራይ ክንገብሮ ንፍትን! ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን ኣይንዝክሮምን። ንጐይታ ኩለንትናና ምውፋይ ናይ ገዛእ ርእስና ጻዕሪ ኣይኮነን። ከምኡ ምሕሳብ ጥራይ ናብ ሓጢኣት ትዕቢት ክመርሓና ይኽእል። ብጻዕርና ዘይኮነስ ናብ ጐይታ ኩለንትናና እንወፍየሉ መንገዲ ልብና ብተኣማንነት ንኣኡ ክንከፍትን ነቲ ሠናይ ዜና ዝኾነ ወንጌል ኢየሱስ ብክፉት ኣእምሮ ምቅባልን እዩ። እታ ሠናይ ዜና ዝዀነት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ልብናን ዓለም ምሉእን እትልውጥ ቃል ኣምላኽ እዚኣ እያ። ነዛ ቃል እዚኣ ክንኣምን ንጽዋዕ ኣሎና። ልብና ንምሕረት ኣቦ ክንከፍት እሞ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክልወጥ ንምፍቃድ እውን ዝተጻዋዕና ኢና። ነዚ ሓቀኛ ሓርነት ክነበሥር ኣሎና።”

ስብከት ሓቀኛ ሓርነት!

ጉዕዞ ለውጢ ልቢኸስ ካብዚ እዩ ዝጅምር ክብሉ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ከኣ እቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ምስ መለኮታዊ መምህር እንክትራኸብ በቲ መለኮታዊ ዝኾነ ጠመተኡን በቲ ንክስዕብዎ ዝዓደሞም ቃሉን ሕይወቶም ኣብ ኣገልግሎት መንግሥቲ ኣምላኽ ብምውፋይ ለዊጦምዋ። ብድሕሪዚ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣሰር መድሓኒ ስዒቦም።”

ኣብ ኣሠር መድሓኒ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ኩልና ልኡካን ቃለ እግዚአብሔር ክንከውን ጽውዓት ምዃና ከምዚ ክብሉ ኣዛኻኺሮም።

“ሓዋርያት በቲ ምስ ኢየሱስ ኣብ መጀመርታ ዝገበርዎ ሃንደበታውን ወሳንን ርክብ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ሕዝቡ ዘለዎ ፍቅሪ ሰበኽትን መሰኻኽርን ብምዃን ጉዕዞኦም ከምዝጅምሩ ገበሮም። ኣብነት ናይዞም ቀዳሞት ሰብኽትን መልእኽተኛታትን ቃል ኣምላኽ ብምስዓብ ነፍስወከፍና ኣሠር መድሓኒ ብምኽታል ነቶም ጽምኢ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም ተስፋ ንምሃብ ክንቀሳቀስ ኣሎና ኢሎም።”

በዚ ዕለት እዚ ዓለምለኸ ዕለት ብለምጺ ዝሓመሙ ንመበል 67 ግዜ ‘ኣብ ልዕሊ ለምጻማት ዓለምና ኢፍትሓውነትን ምጉናይን ፈጺሙ ከይግበር’ ብዝብል መሪሕ ቃል  ከምዝዝከር ኣመልኪቶም  ‘በዚ ሕማም ንዝሳቀዩ ቅርበትና ብተግባር ክንገልጽ ትሑዛት ኢና’ ክብሉ ኣዛኻኺሮም። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

27 January 2020, 17:42