ድሕሪ ደጊም ከም ሕልቂት መዳጎኒ ኣውስኪዝ ቢርከናው ዚኣመሰለ ከይድገም! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ሰንበት 26 ጥሪ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝዝከረሉ ዕለት ብምንባሩ ንክልቲኡ ኣመልኪቶም ቃሎም ዘስምዑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ሓደ ወገን መበል 75 ዝኽሪ ሓርነት ካብቲ ብሸዋ ዝፍለጥ መዳጎኒ ሕልቂት ኣውስኪዝ ቢርከናው ‘ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሕልቂት ምንም ከምዘይኮነ ከይተገደስካ ሸለል ክትብል ዘይከኣልን ዘይፍቀድን ስለዝኾነ ነዚ ዝኽሪ ክንገብር ግድን እዩ። ጽባሕ ኩልና እዚ ጉዳይ እዚ ፈጺሙ ኣብ ገጽ ምድሪ ከይድገም ብልብና እናተመነና ፍሉይ ናይ ጸሎት ግዜ ንመድብ’ ኢሎም።
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማቴ 4.12 ኰይኑ ኢየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱን ማእሰርቲ ዮሓንስ መጥምቅን መንግሥቲ ኣምላኽ ንክሰብኽ ኣብ ወገን ዛብሎንን ንፍታሊምን ኣብ ገምገም ባሕሪ ናብ እትርከብ ቅፍርናሆም ከይዱ ከምዝተቀመጠ ዝገልጽ እዚ ከኣ ነቲ ቀደም ብትንቢት ኢሳያስ 8 ዝተነግረ ከምዝተፈጸመ ምምልካት ‘ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን መንገዲ ባሕሪ ስግር ዮርዳኖስ ገሊዝላ ኣሕዛብ እቲ ኣብ ጸልማት ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ ነቶም ኣብ ሃገር ሞትን ጽላል ሞትን ዝነበሩ እውን ዓቢይ ብርሃን በረቀሎም’ ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም ኮነ’ ዝብል ነበረ። ነዚ ምጅማር ስብከተወንጌል ኢየሱስ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ኢየሱስ ክንዲ ብዓባይ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝጅምር በታ ናይ ገሊላ ቊሸት ምጅማሩ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝህበና እዚ ከኣ እዚ ከባቢ እዚ በቶም ኣይሁዳውያን ምስ ኣረማውያን ዝተሓዋወሰ ዘይጽሩይ ኰይኑ ዝረኤ ከምዝነበረ ኢየሱስ ከአ `ተነስሑ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ` ክብል በቶም ትሑታት ከምዝጀመረ ገሊጾም። እዚ ከኣ ከምቲ ትንቢት ዝብሎ ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ከም ዓቢ ብርሃን እዩ። ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ብምዃኑ ብናቱ ምምጻእ እግዚአብሔር ኣቦ ቅርበቱን ዕርክነቱን ንደቂሰባት ይገልጽ። ነዚ ከኣ ብነጻ ይዕድሎ። ማንም ብጻዕረይ ብመንፈዓተይ ረኺበዮ ክብል ኣይክእልን። ስለዚ ነዚ ዓቢ ትዕድልቲ እዚ ነዚ ዓቢ ጸጋ እዚ ነዚ ዓቢ ግንዖ እዚ ክንዕቅቦ የድሊ ኢሎም።
ስብከት ሓቀኛ ሓርነት!
ጉዕዞ ለውጢ ልቢኸስ ካብዚ እዩ ዝጅምር ክብሉ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ከኣ እቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ኣብ ኣሠር መድሓኒ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ኩልና ልኡካን ቃለ እግዚአብሔር ክንከውን ጽውዓት ምዃና ከምዚ ክብሉ ኣዛኻኺሮም።
በዚ ዕለት እዚ ዓለምለኸ ዕለት ብለምጺ ዝሓመሙ ንመበል 67 ግዜ ‘ኣብ ልዕሊ ለምጻማት ዓለምና ኢፍትሓውነትን ምጉናይን ፈጺሙ ከይግበር’ ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝዝከር ኣመልኪቶም ‘በዚ ሕማም ንዝሳቀዩ ቅርበትና ብተግባር ክንገልጽ ትሑዛት ኢና’ ክብሉ ኣዛኻኺሮም።