ሕይወትና ከም እኖና ድንግል ማርያም ናይ ፍቅርን ኣገልግሎትን እሽታ ንእግዚኣአብሔር ይኹን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ዕለቱ ዝዝከር ብዘይ ሓጢኣት ከም ዝተፀንሰትን ምልእተ ጸጋ ከምዝኾነትን ዘመልክታ ሓረጋት እየን።
ንፅሕት ድንግል ማርያም!
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ ገብርኤል መልኣኽ ንድንግል ማርያም ሰላምታ ከቅርበላ እንከላ ዝበላ ቃላት ማለት ‘እነሆ ክትጸንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ` ንዝብላ እንደገና ብምድጋም እዘን ቃላት እዚአን ቅድመ ምስንዳው ስለዘድልዮ እቲ ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ምጽናስ እንብሎ ቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ኣካልን ሕይወትን ድንግል ማርያም ተፈጺሙ።
ምልእተ ጸጋ!
እኖና ድንግል ማርያም ከስ ብፍቃድ እግዚአብሔር ካብ መጀመርያ ካብ ሓጢኣት ነጻ ጥራይ ዘይኮነትስ ብጸጋ ዝመልአት ምልእተ ጸጋ እውን እያ።
ብዘይተጒላባ ኩለንትናኣ ቅድስት!
ነቲ ዘበሠራ መልኣኽ ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ብምባል ድንግል ማርያም ምሥጢረ ሥጋዌ ከምዝፍጸም ብምግባራ ተኣዝዞኣ ምሉእ ኮነ። ደኾን ይኸውን እናበለት ነግ ፈረግ ኣይበለትን ግዜ ኣይወሰደትን ብኡ ንብኡ እሺ በለት። ነዚ ከኣ ብትሕትናን ርእሳ ኣንኢሳ ምሉእ ብምሉእ ብመንፈስ ቅዱስ ብምትእምማንን ንክሠርሕ ንኣኡ ቦታ ብምሃብን እዩ።
ኣገልጋሊት እግዚአብሔር! ትሕትን ሕፍርትን ክብርትን ፍልይትን!
ቅዱስነቶም ከም ሳልሳይ ነጥቢ ዘምጽእዎ ኣብቲ ወፈያኦ እተርእዮ ናይ ኣገልግሎት መንፈስ እዩ። ፍቃዱ ክትፍጽም ስንድውቲ ብምዃን ብኣኡ ክትምራሕ ንሱ ክሃንጻ ንሱ ክመርሓ ንገዛእ ርእሳ ከም ባዶ ቈጺራ እሺ ሕራይ እንክትብል ንገዛእ ርእሳ ገዲፋ ንኣገልግሎት ካልኦት ንግድነት ካልኦት ምውፋይ ኰይኑ እቲ ሽዑ ተቐላጢፋ ናብ ኤልሳቤጥ ምዃዳ ምስክር እዩ።
ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ቅዱስነቶም ብኣማልድነት እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ንምግባር ክንክእል ጸጋኡ ክህበና ንእግዚኣአብሔር ብምልማን ኣብ ዕለታዊ ናብራና ከም እኖና ድንግል ማርያም ሓራይ እሺ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን እናበልና ብናኣሽቱ ናይ ፍቅርን ኣገልግሎትን ተባራትን ኣምልኾ ናብ ጐይታ እነቅርብ ክንከውን ኣብዚ በዓላ ትደግፈና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሙ።
ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነታ ዝሓለፈ ቀዳም በዓለ ብፅዕና ናይቲ ሰማዕትነት ኲስኰሳ ዝኾነ ፍራተሎ ጀይምስ ሚለር ዝኣወጀት ሃገረ ጓተማላ ፍትሕን ሰላምን ምትሕግጋዝን ተመንዮም። ከምኡ እውን ሎሚ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዋዕላ ምናዳ ንኡክርያና ዝርኢ ሰላምን ዘተን ክዕወት ጸሎቶምን ጻውዒቶምን ገሊጾም።