ሕይወትና ከም እኖና ድንግል ማርያም ናይ ፍቅርን ኣገልግሎትን እሽታ ንእግዚኣአብሔር ይኹን! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 8 ታሕሣስ 2019 በዓለ ፅንሰታ ለማርያም ኣብ ዘብዓሉሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ፍርቂ መዓልቲ መልአከ ኣግዚአብሔርን ጉባኤ ኣስተምህሮን ሂቦም ኣማስያኡ ኣብቲ ብፕያሳ እስፓኛ ዝፍለጥ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ዝርከብ ኣደባባይ ብኣሽሓት ምእመናንን ቤተክህነትን ሰብሥልጣንን ተሰንዮም ጸሎት ከምዘዕረጉን ዓሚቚ ስብከት ከምዝሃቡን ተመልኪቱ። ኣብ ዕለቱ ዝዝከር ብዘይ ሓጢኣት ከም ዝተፀንሰትን ምልእተ ጸጋ ከምዝኾነትን ዘመልክታ ሓረጋት እየን።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዕለቱ ዝዝከር ብዘይ ሓጢኣት ከም ዝተፀንሰትን ምልእተ ጸጋ ከምዝኾነትን ዘመልክታ ሓረጋት እየን።

ንፅሕት ድንግል ማርያም!

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ ገብርኤል  መልኣኽ ንድንግል ማርያም ሰላምታ ከቅርበላ እንከላ ዝበላ ቃላት ማለት ‘እነሆ ክትጸንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ` ንዝብላ እንደገና ብምድጋም እዘን ቃላት እዚአን ቅድመ ምስንዳው ስለዘድልዮ እቲ ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ምጽናስ እንብሎ ቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ኣካልን ሕይወትን ድንግል ማርያም ተፈጺሙ።

“ስለዝኾነ ከኣ ብዘይሓጢኣት ኣዳም ተፀኒሳ እንክብል ሕይወት ድንግል ማርያም ኣብ ማሕጸን ኣዲኣ ኣብ ዝጀመረትሉ ድሮ እቲ ቀዳሲ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ሥራሑ ከምዝጀመረን ካብ ዝኾነ መልከፍቲ ናይ ኩሉ ዘመደ ኣዳም ሓባራዊ ውርሻ ዝኾነ ሕማቅ ነገር ይዕቅባ። ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ተፀንሰት እንብሎ ኸኣ እዚ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ግብርኤል መልአኽ ጸጋ ዝመልኣኪ ይብላ።”

ምልእተ ጸጋ!

እኖና ድንግል ማርያም ከስ ብፍቃድ እግዚአብሔር ካብ መጀመርያ ካብ ሓጢኣት ነጻ ጥራይ ዘይኮነትስ ብጸጋ ዝመልአት ምልእተ ጸጋ እውን እያ።

“እግዚአብሔር ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ በቲ ዘይምርመር መደቡ ንእኖና ድንግል ማርያም ምልእተ ጸጋ ማለት ብፍቅሩ ዝመልአት ክትከውን መደባን ፈቀደን። ብፍቅሩ ክትመልእ ግን ቦታ ክትፈጥረሉ ኣለዋ ባዶ ክትከውን ኣለዋ። ድንግል ማርያምከስ ነዚ እያ ዝገበረት ንገዛእ ርእሳ ባዶ ገራ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ክትሰምዕን ምሉእ ብምሉኡ ኣብኡ ክትተኣማመንን ፍቃድ ንክትፍጽም ንርእሳ ምንም ከይሓደገት ንኣኡ ተወፈየት። በዚ ከኣ ቃል ኣምላኽ ኣባኣ ሰብ ኮነ ቃል ሥጋ ኮነ ለበሰ። ስለዚ ኩለንትናአ ቅድስት ኮነት።”

ብዘይተጒላባ ኩለንትናኣ ቅድስት!

ነቲ ዘበሠራ መልኣኽ ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ብምባል ድንግል ማርያም ምሥጢረ ሥጋዌ ከምዝፍጸም ብምግባራ ተኣዝዞኣ ምሉእ ኮነ። ደኾን ይኸውን እናበለት ነግ ፈረግ ኣይበለትን ግዜ ኣይወሰደትን ብኡ ንብኡ እሺ በለት። ነዚ ከኣ ብትሕትናን ርእሳ ኣንኢሳ ምሉእ ብምሉእ ብመንፈስ ቅዱስ ብምትእምማንን ንክሠርሕ ንኣኡ ቦታ ብምሃብን እዩ።

“ቃል እግዚኣአብሔርን ፍቃዱን ንክሃንጽዋን ኣብ ፍጻሜ ንከብጽሕዋን ብኡ ንብኡ ንኩለንትናኣን ታሪኽ ሕይወታን ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ተወፊ። ከምዚ ብምግባራ ኸኣ ምስቲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሕይወታ ምስ ዝነበሮ መደብ ምሉእ ብምሉኡ ተወሃሃድ። ኩለንትናኣ ሠናይት ኩለንትናኣ ቅድስቲ ትኸውን። ነዚ ኩሉ ከኣ ብምሉእ ትሕትና ንርእስና ምንም ከይገደፈተን ከይተሰመዓን ብምሉእ ነጻነት ትገብሮ። ብሓቂ ትሕቲ ፍጥረት። ዝዓበየ ዕማም ሸፊና ክንሳ ትሕትን ንእሽቶን ድኻን ኰይና ትነብር። እቲ ፍጹም ፍቅርን ጸጋን ዝኾነ እግዚኣአብሔር ኣብዚ ወፈያኣ የንጸባርቅ።”

ኣገልጋሊት እግዚአብሔር! ትሕትን ሕፍርትን ክብርትን ፍልይትን!

ቅዱስነቶም ከም ሳልሳይ ነጥቢ ዘምጽእዎ ኣብቲ ወፈያኦ እተርእዮ ናይ ኣገልግሎት መንፈስ እዩ። ፍቃዱ ክትፍጽም ስንድውቲ ብምዃን ብኣኡ ክትምራሕ ንሱ ክሃንጻ ንሱ ክመርሓ ንገዛእ ርእሳ ከም ባዶ ቈጺራ እሺ ሕራይ እንክትብል ንገዛእ ርእሳ ገዲፋ ንኣገልግሎት ካልኦት ንግድነት ካልኦት ምውፋይ ኰይኑ እቲ ሽዑ ተቐላጢፋ ናብ ኤልሳቤጥ ምዃዳ ምስክር እዩ።

“ንፍቃድ እግዚአብሔር ስንድው ምዃን ንጾር ብጻይካ ክትስከም ምስንዳው የመልክት። ነዚ ከኣ ብዘይ ረኣዪለይ ስምዑለይ ብዘይ ምንም ዕሚም ምባልን ክብሪ ምድላይን እዩ ክኸውን ዘለዎ ከመይ ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ናይ ምሕረት ሥራሕን ንስኻን ኣምላኽን ብእትፈልጦ መንገዲ ጥራይ እዮም ክፍጸሙ ዘለዎም። ናይ ምሕረት ሥራሓት ተሓቢእካ ብሱቚታ ከምትገብር ንማንም ከየፍለጥካን ትዕቢት ከይስመዓካን ተጠንቂቅካ እዮም ዝግበሩ። ኣብ ማሕበራትና ኣብነት እኖና ድንግል ማርያም ስዒብና ብሥውርን ብዓቢ ጥንቃቄን ከምኡ ክንገብር ዝተጸዋዕና ኢና።”

ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ቅዱስነቶም ብኣማልድነት እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ንምግባር ክንክእል ጸጋኡ ክህበና ንእግዚኣአብሔር ብምልማን ኣብ ዕለታዊ ናብራና ከም እኖና ድንግል ማርያም ሓራይ እሺ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን እናበልና ብናኣሽቱ ናይ ፍቅርን ኣገልግሎትን ተባራትን ኣምልኾ ናብ ጐይታ እነቅርብ ክንከውን ኣብዚ በዓላ ትደግፈና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሙ።

ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነታ ዝሓለፈ ቀዳም በዓለ ብፅዕና ናይቲ ሰማዕትነት ኲስኰሳ ዝኾነ ፍራተሎ ጀይምስ ሚለር ዝኣወጀት ሃገረ ጓተማላ ፍትሕን ሰላምን ምትሕግጋዝን ተመንዮም። ከምኡ እውን ሎሚ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዋዕላ ምናዳ ንኡክርያና ዝርኢ ሰላምን ዘተን ክዕወት ጸሎቶምን ጻውዒቶምን ገሊጾም።   

ብድምጺ ንምክትታል!
09 December 2019, 16:46