ድለ

ንሃልኪ ምስራሕ ንእምነት ዘጥቅዕ ናይ ዘመንና ሕማም እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለተ 1 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዮቤል መበል 25 ዓመቶም ኣብ ሮማ ዝዝኽሩ ዘለው ቊምስና ካቶሊካውያን ኮንጎ ተቀቢሎም ብሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስለታ ሎሚ እውን ከይተረፈ ትሕመስ ዘላ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እውን ጸልዮም። ሃብቲ ክድልቡን ክእክቡን ካብ ምቅላስ ብዛዕባ ኣሕዋቶም ንምሕሳብ ክፉት ልቢ ክህልዎም ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ በኒ ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ሚነምብወ ብዙሓት ርእዮም ከምዘረእዩ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ኣጽቂጦም ዝዕዘብዎ ካብ ወጻኢ እውን ከይተረፈ ኢድ ኣእታውነት ዝረኣየሉ ብርቱዕ ቅልውላው ዘየቅስን ብምዃኑ ገሊጾም። ብኣማልድነት ጓል እቲ ዓዲ ዝኾነት ብፅዕት ማሪ ክለመንቲን ኣኖሪት ነንጋፐታ፡ ብስም ፍቅሪ ዝኾነ ኣምላኽናን፡ ብሓጐዝ ጐረባብትን ክንምሕጸነኩም እንተዀይኑ ኣጽዋር ውግእ ኣውርዱ፡ እዚ ውግእ እዚ ምስ ካልኦት ጥራይ ዝግበር ውግእ ዘይኮነስ ኣብ ነንሕድሕዶም እውን ይላባዕ ስለዘሎ፡ በጃኹም ቁጠባኹም ብውግእ ካብ ምንባይ ብሰላም ከምዝግልገል ክትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣሎና እንክብሉ ሓያል ምሕጽንታ ኣብ ግዜ ስብከት ኣቅሪቦም።

ኣብ መእተዊ ከምዝበልናዮ ኣብ ሮማን ከባቢኣን ብስደት ንዝመጹ ካቶሊካውያን ንምግልጋል ዝቆመ ኣገልግሎት መበል 25 ዓመት ምሥረታ ንምዝካር ነታ ብ1994 ዓም ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤተክርስትያን ልደታ ለማርያም ዝመስረተት ማሕበረ ክርስትያን ዘኪሮም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሮማን ከባቢአን ምስ ዝመጸ ካቶሊካውያን ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ሥርዓተ ኣምልኾ ዛየር ወይውን ኮንጎ!

ቅድሚ ደሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ ምባላ ብሃገረ ዛየር ትፍለጥ ስለዝነበረት ዝኽተልዎ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዛየር ወይውን ናይ ኮንጎ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ሥርዓት እዚ ብናይቲ ዓዲ ጳጳሳት ብ1969 ብጥብቂ ዝተሓተን ድሕሪ ዓሠርተ ዓመት ከኣ ብ30 ሚያዝያ 1988 ዓም ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኮ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ዘፍቀደቶ እዩ። ዳርጋ ነዚ ሎሚ ሮማውያን ኣመሓሾም ዘውጽኦ ሥርዓተ ሮም ይመሳሰል።

ፍልይ ዘብሎ ብዙሕ ምውስዋስን ሳዕስዒትን ኣፍሪቃ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኩሎም ዝሳተፉሉ ክፉት ሥርዓተ ኣምልኾ ምዃኑ ዝተፈላለየ ላህጃን ባህላዊ መዛሙርን መጋበሪ ሙዚቃን ይጥቀሙ። ቅዱስነቶም ነዚ ብዙሕነት ኣብ ግምት ብምእታው ንኩሉ ዝኸውን ኣገባብ ተከቲሎም ኣብ ዝቀደሱሉ እግዚአብሔር ንኩልና ብማዕረ ከዝዕድም ገሊጾም።

ኩልና ብእግዚኣአብሔር ዝተዓደምና ኢና!

ቀዳማይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ብምንባሩ ቅዱስነቶም ንምጽኣት ጐይታ ዳግም ብምርግጋጽ እዚ ከኣ ሱር ተስፋ ክርስትያን ምዃና ሓቢሮም። ነታ ምምጻእ ትብል ቃል ንጽል ኣቢሎም ከኣ ንእግዚአብሔር ጥራይ ዘይኮነ ንዓና እውን ትምልከት ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ከምቲ ትንቢት ኢሳያስ ዝገልጾ ኩሎም ኣብ ከረን እግዚአብሔር ክመጹ እዮም። ንሕና እውን ዕዱማት ናይ እግዚአብሔር ስለዝኾናን ንዝተዓደመ ኩሉ ከኣ ከም ዝጽበይዎን ከምዝደልይዎን ፍሉጥ እዩ። ገዛውትኹም ገዲፍኩም ትፈትውዎ ነገራትን ክቡር ነገራትን ንድሕሪት ገዲፍኩም ኣብዚ ትርከቡ። ኣብዚ ምስ መጻእኩም ሽሕ’ኳ ምስ ጸገማቱ እንተኾነ ተቅባል ረኺብኩም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ግን ወትሩ ምስ ተዓደምኩም ኢኹም። ንጐይታ ኣጋይሽ ኣይኮነን ደቁ ኢና ዝጽበየና ደቁ። ቤተክርስትያን ከኣ ገዛ እግዚአብሔር እያ ስለዚ ከም ኣብ ገዛ ኰይኑ ይሰማዕኩም። ናይ ክብሪ ዕዱማት ኢኹም ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ብዘመን ኖኅ ዝኾነ ኣብ ትጽቢት እንከሎና ኣብ ዘይሓሰብናዮ ግዜ ጐይታ ስለዝጽበየና ወትሩ ስንድዋት ኰና ክንጽብዮ ዘዘኻሩ ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብ ዘመን ኖኅ እቶም ሕዝቢ ንጻውዒት ጐይታ ምንም ዘየቅለቡሉ እሞ ኣብ ወውራዮም ዝኸዱ ንሓልክን ካልእ ነገርን ክብሉ ካብቲ ቀንዲ ነገር ዝበዀሩ ሎሚ እውን ከምኡ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንሃልኪ ኢልካ ዝግበር ፈተነ ኩሉ ንእምነት እናጐርጐሐ ካብ ሱሩ ክምሑ ዝቃለስ ቫይረስ እዩ። ከመይ እዚ ናብራ እዚ ሕይወት ካብ ዘሎካ ነገራትን ካብ ተህልኾን ይምዘን ስለዝብል ምሉእ ሃምኻን ቀልብኻን ናብኡ ገርካ ንእግዚአብሔርስ ይኹን ኣብ ጐድንኻ ዘሎ ብጻይካን ከምእትርስዕ ይገበረካ። እቲ ጸገም ጐይታ ክረኽበካ እናመጻ ካልእ ነገር ሃሰስ ምባል ብጻይካ ማዕጾኻ ክኩሕኩሕ ከሎ ቅጭ የምጽኣልካ። እዚ ዝንባሌ እዚ ከኣ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ናይ ሃልኪ ዝምባሌ እዩ። ናይዚ ኩሉ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኣፍቅሮ ንዋይ ፍቅሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት እያ።”

ፍቅሪ ገንዛብ ንልብና ብቚጥዓ ይመልኦ!

ንሃልኪ ጥራይ እንተሰሪሕና ልብና ይድንዝዝ ከመይ ነገራት ጥራይ ይርኢ ንምንታይ ከምዝኾነ ኣይሓትትን። ብዙሕ ሃብቲ ይእከብ ኰይኑ ግን ቅሳነት ኣይህብን። ገዛ ብዘብለጭልጭ ነገራት ይመልእ ኰይኑ ግን ውሉድ የለን ባዶ ይኸውን። ግዜኻ ኣብ መሕለፍ ግዜን መዘናግዕን ኲስትር ተብሎ እሞ ንጸሎት ንእግዚኣአብሔር ንምሕጋዝ ብጾት ዝኸውን ግዜ ፈጺምካ ኣይርከብን።

“ንነገራት ኢልካ እንክትነብር ዝኣከብካ ኣክብ ኣይኣኽሉን። ህርፋን ይዓቢ ካልኦት ከም ዕንቅፋት ይኾኑ እለዮም እለዮም ዝብል ይመጸካ ከመይ ዕጋበት ዝበሃል የሎን ወትሩ ቊጡዕ ኰንካ ጽልኢ ተዕቢ። ኣይዓገብኩን ገና ብዙሕ የድልየኒ ኣሎ ጐድሊኒ ኣሎ ትብል። እዚ ንሃልኪ ጥራይ ምስ እትነብር ዘጋጥም እዩ። ምሳኡ ከኣ ክንደይ ዓመጽ ክንደይ ቈይቊ ክንደይ ጸለመ። ምስ ተቈጣዕካ ብዝኾነ ይኹን ሓደ ጸላኢ ትፈጥር ከምዚ ኢሉ ከኣ ውግእን ኣጽዋርን ይመጽእ ሞትን መቊሰልትን ይመጽእ ከይተረደአና ንልብና ቊጥዓ ነዕጥቆ። ነዚ ፈውሲ ጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን እዩ። ልብኻ ንካልኦት ምኽፋት ከኣ ሰላም የምጽእ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
01 December 2019, 15:14