ድለ

ንኢየሱስ ኣብ ልብና ቦታ ካብ ምስንዳው ዘዘንግዑና ነገራት ንተኣለ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 15 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ሣልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት እንክትዝክር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ‘ነቲ ሓጐሱ ክህበና ዝዕድመና እግዚአብሔር ካብ ምቅባል ዘዘንግዑና ነገራት ንርሓቅ` እንክብሉ ብዝግባእ ንልደት ክንሰናዶ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሣልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሰንበት ናይ ደስታ ናይ ታሕጓስ ተባሂላ ትጽዋዕ። ከምዚ መስመዪኣ ኸኣ ቀዳማይ ንባብ ኢሳ 35.1 ‘በረኻን ምድረ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ’ ስለዝብል እዩ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ኢየሱስ ኣርድእቱ ልኢኹ `እቲ ክመጽእ ዘለዎስ ንስኻ ዶ ኢኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ’ ዝብል ማቴ 11.2 ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዘን ቃላት ዮሓንስን ትንቢት ኢሳያስን ብሓንሳብ ብምግንዛብ ሕይወትና ታሕጓስን ምጥርጣርን ዝዓሰሎ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተመኲሮ ምዃኑ ገሊጾም።

“ንእምነትና ኣብ ፈተነ ዘውድቁ ወትሩ ተመሳሰልቲ ጉዳያት እዮም። ናይ እግዚአብሔር ሰብ ግን ክንዮዚ ክጥምት ዝኽእል እዩ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ነቲ ናይ ተስፋ ሓይሊ ከምዝስምዖ ይገብር በዚ ከኣ ድሕነት ይእወጅ። ከምቲ ነቢይ ኣብ ኁ.5-6 ዝብሎ ኸኣ ‘ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ፡’ ይብል። እዚ ከኣ እቲ ብኢየሱስ ክፍጸም ዝነበሮ እዩ። ነታ ቅዱስ ዮሓንስ ተሻቂሉ ዝለኣኸሉ ከኣ ‘ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ’ (ማቴ 11።4-6) ቢሉ ኢየሱስ ይምልስ። ትንቢት ከስ ተፈጺሙ። እታ ተድሊ ከይተዓንቀፍካ ምእማን ለውጢ ልቢ እዩ።”

ጻውዒት ንለውጢ ልቢ!

ቅዱስነቶም ምሥጢር ድሕነት እንክገልጹ ‘ድሕነትሲ ንወዲሰብ ብኩለንትናኡ ይልውጦ ዳግም ከምዝውለድ እውን ይገብሮ። ኰይኑ ግን እዛ ከም ብሓዲስ ምውላድ እዚኣ ወትሩ ብሓጐስ እንክትስነ ነቲ ኣባና ዘሎ ሓጢኣትን ንገዛእ ርእስናን ከምዝሞትና ከምዝተቀበርና ኰና ክንፍለ ይሓትት’ ኢሎም።

“ካብዚኸስ እቲ ለውጢ ልቢ ይሕተት። ብመሠረት እቲ ዯሓንስ መጥምቅ ዝጽውዖስ ይኹን እቲ ኢየሱስ ዝሰብኮ ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ሓሳብ እግዚአብሔር ክንልውጦ ናብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክንልውጦ የድሊ። ዘመነ ምጽኣት ከኣ ነቲ ዮሓንስ መጥምቅ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝሓተቶ ሕቶ ነፍሲወከፍና ክኸውን እሞ ‘እቲ እትመጽእስ ንስኻ ዶ ኢኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ’ ንበል። ሕስብ እሞ ነብሎ! ዮሓንስ መጥምቅ መዋዕሉ ምሉእ ንምጽኣት መሲሕ ይጽበ ነሩ። ምሉእ ሕይወቱን ኩለንትናኡን በዚ ሓሳብ እዚ ዝተወረቀ ነበረ። ንሕናውን ከም ቅዱስ ዮሓንስ ዝተጸዋዕና ኢና።”

እግዚአብሔር ወትሩ ምስ ተወከሰና እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ይመልሱና እሞ ‘ንሕና እውን ከም ዮሓንስ መጥምቅ ነቲ ብትሑትን መሓርን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተለገሠልና ገጽ እግዚኣአብሔር ክንፈልጥ ንጽዋዕ ኣሎና’ ኢሎም።

“ዘመነ ምጽኣት ግዜ ጸጋ ኰይኑ ብእግዚኣአብሔር ምእማን ጥራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን ይብለና እንታይ ደኣ ዕለት ዕለት ንእምነትና ክነንጽሖ ኣሎና። ክንቅበሎ ንሰናደዎ ዘለዎ ናይ ኣፈታሪኽ ሰብ ዘይኮነ ነቲ ወትሩ ዝውከሰናን ዝጽበየና እግዚአብሔር ኢና ክንቅበል ንሰናዶ ዘሎና ነግ ፈረግ ከይበልካ ወትሩ ወሳኒ ምርጫ ክንገብር እውን ንሕተት። ኣብ በዓቲ ልደት እንዕዘቦ ምስሊ ኢየሱስ ሕጻን ገጽ ናይቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ እውን ናይቶም በዚ ምሥጢር እዚ ዝኸብሩ ድኻታት ገጽ ኣሎ። እዚኦም ብዙሕ ግዜ እግዚአብሔር ኣብ ማእከልና ከምዘሎ ዝስምዖምን ዝፈልጥዎን ዚኣምንዎን እዮም።”

ኢየሱስ ታሕጓሱ ክህበና ይደሊ!

ቅዱስነቶም ነታ ቅድሚ ኩሎም ክትጾሮን ክትወልዶን ክትርእዮም ክትሓቊፎን ዝኸኣለት ድንግል ማርያም ንዓና እውን ናይቲ ሓጐስ ተሳተፊት ክንከውን ንማሕጸና ኢሎም።

“ንልደት ኣብ ንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ብደገ ብእንርእዮም ነገራት ከየዘንግዑና ኣብ ልብና ነቲ ድሮ ዝመጸን እንደገና ሕማማትና ክፍውስን ታሕጓሱ ክዕድለናን ንዝመጽእ ክነሰናዱ ድንግል ማርያም ትሓግዘና ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣስተምህሮኦም ምስ ዛዘሙ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ደጊሞም ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንሕጻናትን መንእሰያትን ሰላምታ ኣቅሪቦም ነቲ ኣብ ግዜ ልደት ኣብ በዓቲ ልደት ከቀምጥዎ ኢሎም ሒዝምዎ ዝመጹ ምስልታት ኢየሱስ ሕጻን ‘ብምሉእ ልበይ እባርኾ ኣሎኹ። በዓቲ ልደት ከም ወንጌል ምዃኑ ዘክሩ። ኣብ በዓቲ ልደት ልደት ኢየሱስ እንከስተንትን ብመንፈስ ክንጐዓዝን ነቲ ንነፍስወከፍና ክረኽበና ሰብ ናይ ዝኾነ ኢየሱስ ትሕትና ክንስሓብ ኣሎና’ ኢሎም። እዚ ልማድ እዚ ሓምሳ ዓመት ዘቊጸረ ኰይኑ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ኩሎም ሕጻናትን መንእሰያትን ምስሊ ኢየሱስ ሕጻን ሒዞም ብምምጻእ የባርኹ።

ዓንዲ ማእከል ቤተክርስትያን ቅዱስ ቊርባን እዩ!

ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮን ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔርን ቡራኬ ምስልታት ኢየሱስ ሕጻንን ቅዱስነቶም ንዝመጽእ መስከረም 2020 ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 20 ንዝኸብር መበል 52 ዓለምለኸ በዓለ ቅዱስ ቚርባን ንክሳተፉ ቡዳበስት ከምዝግበር ኣዘኻኺሮም። ኮንግረስ ወይውን ዓለምለኸ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ልዕሊ ሓደ ዘመን ዓንዲ ማእከል ቤተክርስትያን ምዃኑ ይዝከር። እዚ ኣብ ቡዳፐስት ዝግበር እውን ኣብ ማሕበረክርስትያን ጉዕዞ ተሓድሶ ከቀላጥፍ ንጸሊ እንክብሉ ጉባኤ መልአከ እግዚኣአብሔር ናይ ዕለቱ ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 December 2019, 15:12