ንኢየሱስ ኣብ ልብና ቦታ ካብ ምስንዳው ዘዘንግዑና ነገራት ንተኣለ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ሣልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሰንበት ናይ ደስታ ናይ ታሕጓስ ተባሂላ ትጽዋዕ። ከምዚ መስመዪኣ ኸኣ ቀዳማይ ንባብ ኢሳ 35.1 ‘በረኻን ምድረ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ’ ስለዝብል እዩ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ኢየሱስ ኣርድእቱ ልኢኹ `እቲ ክመጽእ ዘለዎስ ንስኻ ዶ ኢኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ’ ዝብል ማቴ 11.2 ነበረ።
ቅዱስነቶም ነዘን ቃላት ዮሓንስን ትንቢት ኢሳያስን ብሓንሳብ ብምግንዛብ ሕይወትና ታሕጓስን ምጥርጣርን ዝዓሰሎ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተመኲሮ ምዃኑ ገሊጾም።
ጻውዒት ንለውጢ ልቢ!
ቅዱስነቶም ምሥጢር ድሕነት እንክገልጹ ‘ድሕነትሲ ንወዲሰብ ብኩለንትናኡ ይልውጦ ዳግም ከምዝውለድ እውን ይገብሮ። ኰይኑ ግን እዛ ከም ብሓዲስ ምውላድ እዚኣ ወትሩ ብሓጐስ እንክትስነ ነቲ ኣባና ዘሎ ሓጢኣትን ንገዛእ ርእስናን ከምዝሞትና ከምዝተቀበርና ኰና ክንፍለ ይሓትት’ ኢሎም።
እግዚአብሔር ወትሩ ምስ ተወከሰና እዩ!
ቅዱስነቶም ናብ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ይመልሱና እሞ ‘ንሕና እውን ከም ዮሓንስ መጥምቅ ነቲ ብትሑትን መሓርን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተለገሠልና ገጽ እግዚኣአብሔር ክንፈልጥ ንጽዋዕ ኣሎና’ ኢሎም።
ኢየሱስ ታሕጓሱ ክህበና ይደሊ!
ቅዱስነቶም ነታ ቅድሚ ኩሎም ክትጾሮን ክትወልዶን ክትርእዮም ክትሓቊፎን ዝኸኣለት ድንግል ማርያም ንዓና እውን ናይቲ ሓጐስ ተሳተፊት ክንከውን ንማሕጸና ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣስተምህሮኦም ምስ ዛዘሙ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ደጊሞም ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንሕጻናትን መንእሰያትን ሰላምታ ኣቅሪቦም ነቲ ኣብ ግዜ ልደት ኣብ በዓቲ ልደት ከቀምጥዎ ኢሎም ሒዝምዎ ዝመጹ ምስልታት ኢየሱስ ሕጻን ‘ብምሉእ ልበይ እባርኾ ኣሎኹ። በዓቲ ልደት ከም ወንጌል ምዃኑ ዘክሩ። ኣብ በዓቲ ልደት ልደት ኢየሱስ እንከስተንትን ብመንፈስ ክንጐዓዝን ነቲ ንነፍስወከፍና ክረኽበና ሰብ ናይ ዝኾነ ኢየሱስ ትሕትና ክንስሓብ ኣሎና’ ኢሎም። እዚ ልማድ እዚ ሓምሳ ዓመት ዘቊጸረ ኰይኑ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ኩሎም ሕጻናትን መንእሰያትን ምስሊ ኢየሱስ ሕጻን ሒዞም ብምምጻእ የባርኹ።
ዓንዲ ማእከል ቤተክርስትያን ቅዱስ ቊርባን እዩ!
ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮን ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔርን ቡራኬ ምስልታት ኢየሱስ ሕጻንን ቅዱስነቶም ንዝመጽእ መስከረም 2020 ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 20 ንዝኸብር መበል 52 ዓለምለኸ በዓለ ቅዱስ ቚርባን ንክሳተፉ ቡዳበስት ከምዝግበር ኣዘኻኺሮም። ኮንግረስ ወይውን ዓለምለኸ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ልዕሊ ሓደ ዘመን ዓንዲ ማእከል ቤተክርስትያን ምዃኑ ይዝከር። እዚ ኣብ ቡዳፐስት ዝግበር እውን ኣብ ማሕበረክርስትያን ጉዕዞ ተሓድሶ ከቀላጥፍ ንጸሊ እንክብሉ ጉባኤ መልአከ እግዚኣአብሔር ናይ ዕለቱ ዛዘሙ።