ድኻታት ንመንገዲ መንግሥተ ሰማይ ይኸፍቱልና! ሃየኸስ ንገዓሮም ንስምዓዮ እሞ ንሓግዞም! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ‘ሃብቲ ቤተክርስትያን ምሩጻት እግዚኣአብሔር ማዓጹ መንግሥተ ሰማያት’ ኢሎም ዝሰመይዎም ድኻታት ብምዃኖም ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብድኻታት ኣዕለቅሊቃ ነበረት። እዚኦም ካብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ንድኻታት ወኪሎም ብሓገዝ ገበርቲ ሠናይ ኣብ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ድኻታት ምስ ኩሉ በሰላታት ድኽነቶም ኣብቲ ሓባራዊ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ምስታፎም ዓቢ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም ኣብ ገጻቶም ይንበብ ነበረ። ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ ትምህርቲ ክርስቶስ ምልስ ኢሎም እግዚአብሔርን ብጻይናን እዮም ንዘለዓለም ዘሰንዩና ኢሎም።
እግዚአብሔርን ብጻይን እዮም ነበርቲ!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ዕንወት ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም ዝገልጽ ናይቲ ምልኩዕ ሕንጻ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ከምዘይተርፍ ዝገልጽ ነበረ። ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣድለይቲ ናብ ዝብልዎም ነገራት ኣተኲሮም ክጥምቱ ይዕድሙ እሞ ነዛ እትስዕብ ሕቶ የቅርቡ። ‘ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ደቂ ሰባት እምንቶኦም ዝገብሩሎም ዓበይቲ ነገራት ዓነውነው ኢሎም ኪዓንው ዘፍቅድ!’ ይብሉ እሞ መልሲ ናይዛ ሕቶ ከኣ ባዕሎም ቅልል ብዝበለ መንገዲ ‘እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንሕና ደቂ ሰባት ነበርትን ኣድለይትን ንዝኾኑ ነገራት ካብ ሓላፍን በራስን ነገራት ፈሊና ንክንክእል እዩ። ቀዲሙ ወይውን ድሒሩ መንግሥታትን ኩነታት ደቂሰባትን ውግእስ ይኹን ምንቅጥቃጥ መሬት ዘይወድቁን ዘይፈርሱን ዝመስሉ ዓበይቲ ነገራት ሓለፍቲ እዮም። ነባሪ ዝኾነ ንዘለዓለም ዝነብር እግዚአብሔር ከምኡ እውን እቲ ከም ነፍስና ክነፍቅሮ ዝተኣዘዝናዮ ብጻይ ጥራይ እዮም ነበርቲ ኢሎም።
ታህዋኽ ካብ እግዚኣአብሔር ኣይኮነን!
ነቲ ብሓቅን ብቀንድን ኣድላዪን ነባርን ዝኾነ ነገር ንምርዳእ ክንመሃሮ ዝግበኣና ክልተ ፈተናታት ኣለዋና። ብቀዳምነት ታህ ዋኽ ትበሃል ፈተና ኣላ። ታህዋኽ ከኣ ፈጺማ ካብ እግዚአብሔር ኣይኮነትን።
ድኻ ንምርኣዩ የጸግመና!
እዛ ቀዳመይቲ ፈተና ዝኾነት ሸበድበድን ታህዋኽን ብቀዳምነት ንእግዚኣአብሔር ዝኸውን ግዜ ከምዘይህልወና ይገብር ኣስዒቡ ከኣ ንብጻይና ንሓውናን ሓውትናን ኣብ ጐድንና ንዘለው ግዜ ንስእነሎም። ነዚ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ንሱ እዩ ዝድሕን ዝብለና። ከመይ ህድእ እንተኢልና ንእግዚኣአብሔር ክነስተውዕል ንዝሃበና ጸጋታቱ ድማ ክንርዳእ ንብጾትና ከኣ ከም ውህበት እግዚኣአብሔር ክንቅበሎም ኢና።
ፈተና ኣነነት!
እታ ካልኣአይቲ ምድንጋር ከኣ ኣብ ኣነነት ምጥሓል ኰይኑ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ናእዳ ክተትርፍ ዝግበር ቃልሲ እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ዘለዎ ሓቀኛ ሓዋርያ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን። ከመይ ሓቀኛ ሓዋርያ ክርስቶስ ንጻውዒት ፍቅሪ እምበር ናይ ሕማቅ ጻውዒታቱ ኣይሰምዕን።