ድኻታት ንመንገዲ መንግሥተ ሰማይ ይኸፍቱልና! ሃየኸስ ንገዓሮም ንስምዓዮ እሞ ንሓግዞም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 17 ሕዳር 2019 ዓምፈ ዓለምለኸ ዕለት ድኻታት ንምዝካር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ካብቲ ዓቢጡ ሒዙና ዘሎ ኣነነት ንክንወጽእ ገዓር ድኻታት ንስማዕ። ካቶሊካዊ እየ ክርስትያን እየ ጥራይ ምባል ናይ ክርስቶስ ኣይገብረናን እዩ። ንግብዝነት ዚኣለ ቋንቋን ናብ ኣገልግሎት ዝደፍእን ቋንቋ የድልየና’ እንክብሉ ንጻውዒት ድኻታት ንስማዕ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ‘ሃብቲ ቤተክርስትያን ምሩጻት እግዚኣአብሔር ማዓጹ መንግሥተ ሰማያት’ ኢሎም ዝሰመይዎም ድኻታት ብምዃኖም ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብድኻታት ኣዕለቅሊቃ ነበረት። እዚኦም ካብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ንድኻታት ወኪሎም ብሓገዝ ገበርቲ ሠናይ ኣብ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ድኻታት ምስ ኩሉ በሰላታት ድኽነቶም ኣብቲ ሓባራዊ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ምስታፎም ዓቢ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም ኣብ ገጻቶም ይንበብ ነበረ። ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ ትምህርቲ ክርስቶስ ምልስ ኢሎም እግዚአብሔርን ብጻይናን እዮም ንዘለዓለም ዘሰንዩና ኢሎም።

እግዚአብሔርን ብጻይን እዮም ነበርቲ!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ዕንወት ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም ዝገልጽ ናይቲ ምልኩዕ ሕንጻ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ከምዘይተርፍ ዝገልጽ ነበረ። ቅዱስነቶም ንተሳተፍቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣድለይቲ ናብ ዝብልዎም ነገራት ኣተኲሮም ክጥምቱ ይዕድሙ እሞ ነዛ እትስዕብ ሕቶ የቅርቡ። ‘ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ደቂ ሰባት እምንቶኦም ዝገብሩሎም ዓበይቲ ነገራት ዓነውነው ኢሎም ኪዓንው ዘፍቅድ!’ ይብሉ እሞ መልሲ ናይዛ ሕቶ ከኣ ባዕሎም ቅልል ብዝበለ መንገዲ ‘እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንሕና ደቂ ሰባት ነበርትን ኣድለይትን ንዝኾኑ ነገራት ካብ ሓላፍን በራስን ነገራት ፈሊና ንክንክእል እዩ። ቀዲሙ ወይውን ድሒሩ መንግሥታትን ኩነታት ደቂሰባትን ውግእስ ይኹን ምንቅጥቃጥ መሬት ዘይወድቁን ዘይፈርሱን ዝመስሉ ዓበይቲ ነገራት ሓለፍቲ እዮም። ነባሪ ዝኾነ ንዘለዓለም ዝነብር እግዚአብሔር ከምኡ እውን እቲ ከም ነፍስና ክነፍቅሮ ዝተኣዘዝናዮ ብጻይ ጥራይ እዮም ነበርቲ ኢሎም።

ታህዋኽ ካብ እግዚኣአብሔር ኣይኮነን!

ነቲ ብሓቅን ብቀንድን ኣድላዪን ነባርን ዝኾነ ነገር ንምርዳእ ክንመሃሮ ዝግበኣና ክልተ ፈተናታት ኣለዋና። ብቀዳምነት ታህ ዋኽ ትበሃል ፈተና ኣላ። ታህዋኽ ከኣ ፈጺማ ካብ እግዚአብሔር ኣይኮነትን።

“ነቶም መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እዩ ንዝብሉ ምስዓብ ናይ ኢየሱስ ኣይኮነን። ስምዕታን ጭንቅን እናኣውረዩ ካብ ብጻይናን ካብ መጻእን ክንፈርህን ክንርዕድን ንዝገብሩ ምኽታል ኣየድልን። ከመይ ፍርሒ ንልብናን ነእምሮናን የደንዝዞ። ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ንኩሉ ንክትፈልጥን ብዝቀልጠፈ ክተሳልጥን ናይ ምድላይ ታህዋኽን ውጥምናን ክንደይ ዘየሳቅየና! እንታይ ተባህለ እንታይ ተገብረ ዜና እንታይ ኣሎ እናበልና ሸበድበድ እንብሎ እዚ ኩሉ ካብ እግዚኣአብሔር ኣይኮነን።”

ድኻ ንምርኣዩ የጸግመና!

እዛ ቀዳመይቲ ፈተና ዝኾነት ሸበድበድን ታህዋኽን ብቀዳምነት ንእግዚኣአብሔር ዝኸውን ግዜ ከምዘይህልወና ይገብር ኣስዒቡ ከኣ ንብጻይና ንሓውናን ሓውትናን ኣብ ጐድንና ንዘለው ግዜ ንስእነሎም። ነዚ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ንሱ እዩ ዝድሕን ዝብለና። ከመይ ህድእ እንተኢልና ንእግዚኣአብሔር ክነስተውዕል ንዝሃበና ጸጋታቱ ድማ ክንርዳእ ንብጾትና ከኣ ከም ውህበት እግዚኣአብሔር ክንቅበሎም ኢና።

“ሎሚ ከም ሎሚ ብጉያ ጉያ ተጐቢእናሉ ኣብ ዘሎና ንኩሉ ብቅልጡፍ ክንጭብጦ ቁሩብ ድሕር ዝበለ ኸኣ ከጸግመና ይርከብ። ስለዝኾነ ኣብዚ ዘመንና ዝጐሰናዮም ክንደይ ሽማግለታት ገና ዘይተወልዱ ሕጻናት ዝተፈላለየ ስንክልና ዘለዎም ድኻታት ከምዘይጠቅሙ ተቈጺኖም ኣወጊናዮም ብታህ ዋኽ ላዕልን ታሕትን ንብል። ከይተረዳኣና ኣብ መንጎና ዘሎ ርሕቀት እናሰፍሐ ይኸይድ። እቲ ቊሩብ ቊራቦ ብታህዋኽ ንላዕሊ እንክውንጨፍ ዝበዝሐ ግን ኣብ ዓዘቅቲ ድኽነት ይተርፍ። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ነፍስወከፍና ከም ቤተክርስትያን ኣብ ሠናይ ነገር ንጸንዕዶ ነቲ ነባሪ ዝኾነ ነተኲርዶ ኢልና ነስተንትን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ታህዋኽ ከኣ ፈተና ኣነነት ይመጽእ።”

ፈተና ኣነነት!

እታ ካልኣአይቲ ምድንጋር ከኣ ኣብ ኣነነት ምጥሓል ኰይኑ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ናእዳ ክተትርፍ ዝግበር ቃልሲ እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ዘለዎ ሓቀኛ ሓዋርያ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን። ከመይ ሓቀኛ ሓዋርያ ክርስቶስ ንጻውዒት ፍቅሪ እምበር ናይ ሕማቅ ጻውዒታቱ ኣይሰምዕን።

“ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ‘ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም’ ይብሉ ኰይኑ ግን ኣይትስዓብዎም። ናይ ኢየሱስ ንምዃን ብስም ክርስትያን እየ ካቶሊክ እየ ምባል እኹል ኣይኮነን። ቋንቋ ኢየሱስ ቋንቋ ፍቅሪ ምዝራብ የድሊ። ስለዚ ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ኢልና ሠናይ ነገር ንምግባር ካብ ግዝኣት ግብዝነት ኣነ ንውጻእ። እንተዘየሎ ንክትረኤ ኢልካ ንክተነኣድ ኢልካ ሠናይ ነገር ምግባር ብቁዕ ኣይኮነን ። ፍቅሪ ግብዝ ኣይኮነትን። ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ግበረለይ ክገብረልካ ኣይትብልን። ምንም ግብረ መልሲ ኣይትጽበን። ሓቀኛ ፍቅሪ ነባሪ እዩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
17 November 2019, 17:06