አባ መኰንን አማኑኤል - ከትማ ቫቲካን
ኣብ ናይ ሎሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝኾኑ መንእሰያት ከምዝተሳተፉን ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድ ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ንጃፓን ቅድሚ ምንቃሎምን ንብዙሓት ሕሙማት ኢዶም ከምዝበሩሎምን ከምዝባረኽዎምን እንክምልከት ነቶም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያንን ቅርዓትን መሊኦም ንዝነበሩ መንእሰያት ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ከይጥፍኡ ብፍቅሪ ክነብሩ ልቦም ከየዝሕሉ ተላቢዮምዎም።
ጐይታ ወትሩ ንክረኽበና ይመጽእ!
ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉሉ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ምሳሌ ናይተን ዓሠርተ ደንጋል ኰይኑ ቅዱስነቶም እውን ብኣምሳል ናይዘን ንመርዓዊ ክቅበላ ዝወጻ ዓሠርተ ደናግል መንእሰያት ነቲ ኣብ ሕይወት ነፍሲወከፍና ኣብ ዓለምናን ንክረኽበና ዚመጽእ ክርስቶስ ንኽቅበሉ ወትሩ ተሰናድዮም ክጽበዩን ክህንጠዩን ኣዘኻኸርዎም።