2019.11.22 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ፍልሠታ ለማርያም ባንግኮክ ንመንእሰያት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 2019.11.22 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ፍልሠታ ለማርያም ባንግኮክ ንመንእሰያት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ  

ሕጉስ ልቢ ኣብ ክርስቶስ ዝተሠረተ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት ታይላንድ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባዚሊካ ፍልሠታ ለማርያም ባንግኮክ ንመንእሰያት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ዘዘናግዑ ተስፋታት ዓለምና ነታ ጐይታ ኣብ ልብና ዝዀለዓ ብርሃን ሕይወት የጥፍኡ። ስለዚ ኣብ እምነት ወለድኹም ተመስሪትኩም ምስ ኢየሱስ ዘሎኩም ዕርክነት ክተበርትዑን እታ ብርሃን እምነትኩም ከይትቅህም ዘይታ ኰይኑ ከብርሃን ንጒዕዞኹም ከብርሃልኩም ናብኡ ቅረቡ’ እንክብሉ መዓድዎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከትማ ቫቲካን

ኣብ ናይ ሎሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝኾኑ መንእሰያት ከምዝተሳተፉን ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድ ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ንጃፓን ቅድሚ ምንቃሎምን ንብዙሓት ሕሙማት ኢዶም ከምዝበሩሎምን ከምዝባረኽዎምን እንክምልከት ነቶም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያንን ቅርዓትን መሊኦም ንዝነበሩ መንእሰያት ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ከይጥፍኡ ብፍቅሪ ክነብሩ ልቦም ከየዝሕሉ ተላቢዮምዎም።

ጐይታ ወትሩ ንክረኽበና ይመጽእ!

ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉሉ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ምሳሌ ናይተን ዓሠርተ ደንጋል ኰይኑ ቅዱስነቶም እውን ብኣምሳል ናይዘን ንመርዓዊ ክቅበላ ዝወጻ ዓሠርተ ደናግል መንእሰያት ነቲ ኣብ ሕይወት ነፍሲወከፍና ኣብ ዓለምናን ንክረኽበና ዚመጽእ ክርስቶስ ንኽቅበሉ ወትሩ ተሰናድዮም ክጽበዩን ክህንጠዩን ኣዘኻኸርዎም።

“ከምቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ልሙድ ዝኾነ! ንስኻትኩም መንእሰያት ከኣ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ! ነዚ ክረኽበና ዝመጽእ ጐይታ ብዓቢ ደስታን ፍቅርን እንቛዕ ደሓን መጻእካ ንበሎ። ከመይ ጐይታ ቅድሚ ንሕና ክንደልዮ ምብጋስናን ንሱ ደልዩ ይረኽበና ቅድሚ ንሕና ክንፈልጦ ምፍታንና ካብ ማሕጸን ኣዲና ኣትሒዙ ቅድሚ ዓለም ይፈልጠና ብሓዲስ ንኽፈጥረናን ንኸድሕነናን ይመጽእ ኣሎ እሞ ንሱ ከምዝጽበየና ፈሊጥና ብታሕጓስ ንቅድሚት ንገስግስ። ኣብዚ ግን ጥንቃቄ የድልየና ከመይ ሓደጋ ምዝሓል ልቢ ስለዘሎ ወትሩ ትግሁ። ሃየ እምበኣር ኣብ ኢየሱስ ዝተሠረተ ልቢ ይሃልኹም። ነታ ንሱ ኣብ ልብኹም ዝዀልዓ መብራህቲ እምነት ንከይትጠፍእ ሓልውዋ። መሰኻኽር ፍቅሪ ክርስቶስ ብምዃን ከኣ ንሕውነት ምስ ካልኦት ተኻፈልዎ እንክብሉ ተሰናበትዎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
22 November 2019, 12:11