ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ታሊታ ኵሙ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ፈላሚ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ታሊታ ኵሙ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ፈላሚ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ታሊታ ኵሙ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ፈላሚ እዩ

ዕለታዊ ዕዮ ነተን ናይ ንግድ ሰብ ግዳያት ዝዀና ካብቲ ክብሪ ሰብ ዝሓኽኽ መጻውዲያ ንኽላቐቓ ንዝድገፋ ኣሕዋት ብምሕሳብ ዛዝማ ሓደራ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ጸሎት እዩ፡

ዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሰዓት 11.30 ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ታሊታ ኵም እተሰምየ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጠቕላሊ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ እቲ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዓለም መታን ክዝርጋሕ ካልኦት ናይ ደናግል ማሕበራት እውን ክሓብራ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ መረብታዊ ርክብ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ማሕበር ታሊታ ኩም ብዝተፈላለያ ማሕበር ደናግል ዝቖመ ክኸውን እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት 52 መረብት ከዋህድን ኣብ 90 ሃገራት ህልው ንምዃን ዝበቕዔ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ መዕዳን ዘኪሮም፡ እዚ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ደናግል ማሕበር ዓበይቲ ኣሕሉቕን ብናይ ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ዓበቲ ኣሕሉቕን ብምትሕብባር ዝቖመን፡ ብክልተ ሺሕ ኣባላቱ ኣቢሉ ንልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ናይ ንግድ ሰብ ሓደጋ ግዳያት ዝዀኑ ይአልይ ከምዘሎን፡ ብሓቂ ብሓባር እተካይድዎ ጻዕሪ ንመላእ ቤተክርስቲያንን ንዓና ጳጳሳትን ካህናትን ዜጋታትን ዓቢይ ኣብነት እዩ፡ ብሓባር ናይ ምዕያይ ኣብነት ኢኻትኩም ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓሊ ኣስዒበን፡ ናይዚ ዕለት 27 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ታሊታ ኵም፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባት እቲ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝህቦ ብዛዕባ ስደተይናታን ተመዛበልትን ዝምልከት መምርሒ ብምጥቃም ዝተወጠነ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣድናቖቶም ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ.

እቲ ንግድ ሰብ ኣብ ቅድመና ዘንብሮ ብድሆ፥ ንእዋናዊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ናይ ኣካል ቁስሊ እዩ፡ ምእንት’ዚ

ካልኦት ማሕበራት ማሕበረ ደናግል ይዅን ናይ ካህናትን ኣሓውን ማሕበራትን ልኡካነ ወንጌልን ኣብዚ ኣገልግሎ’ዚ ንኽሓብሩ ጻውዒት አቕርብ … ነቲ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ብዝተፈላለየ መገዲ እውን ንዝድግፉ አመስግን ድጋፎም ክቕጽል እምሕጸን

ከምዝበሉን፡ ብዙሓት ማሕበር ደናግል ኰነ ማሕበር ካህናትን ኣሓውን ናይ ካልእ ጸገም ዘይኰነ ብዙሕ ክንፈትሖ ዘሎና ናይ ውሽጢ ማሕበር ጸገማት ኣሎና ክብሉ ይኽእሉ ናይ ውሽጢ ጸገም ንምፍታሕ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ንጹሕ ኣየር ክኣትው ኣብ ምፍቃድ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ውሽጢ ጸገም ኣብ ውሽጢ ተዓጽየ ክፈትሖ እየ ዘይምባል ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥነት ዘዋድድ ሓባራዊ ዓቕሚ ክህሉን ካልኦት ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ውድባት እውን ሱታፌ ክህልወን ይግባእ፡ እዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ስሉጥ ይገብር ከምዝበሉ ዝገለጻ ካምፓኒለ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኪ ቅድሚ ምሃቦም፡ ዕለታዊ ዕዮ ነተን ናይ ንግድ ሰብ ግዳያት ዝዀና ካብቲ ክብሪ ሰብ ዝሓኽኽ መጻውዲያ ንኽላቐቓ ንዝድገፋ ኣሕዋት ብምሕሳብ ዛዝማ ሓደራ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ጸሎት እዩ፡ ከምዝበሉ ይሕብራ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ታሊታ ኵሙ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ፈላሚ እዩ
27 September 2019, 17:32