ድለ

ታሊታ ኩም ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ቃልሲ ጸረ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ታሊታ ኩም ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ቃልሲ ጸረ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ 

ታሊታ ኩም ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ቃልሲ ጸረ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ

ማሕበር ታሊታ ኵም ነተን ካብ ሓድሽ ጊልያነት ንዘናገፋ ኣሕዋት ኣሊዩን ሓድሽ ተኽእሎ ከምዘቕርብን፡ ብፍላይ እቲ ዝተጐድአ ሰብኣውነት ነፍሲ ወከፍ ብምሕዋይ ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳይ ዓቢይ ኣስትዋጽኦ ዘበርክት

ናይ መላእ ማሕበር ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር  ታሊታ ኵም- ኣቲ ጓል ተንስኢ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ደቀንስትዮ ካብ ናይ ሓድሽ ጊልያነት መጋበርያ ናጻ ክልቐቓ ኵለ መዳያዊ ምንቅስቓሳትን ቀጥተይና ድጋፍን ዘቕርብ ማሕበር ግብረ ሰናይ ቅዋሜ ዝኽሪ ዕስራይ ዓመት ምኽንያት ንሓደ ሰሙን ብሓባር ንምብዓል ዝተፈላለዩ ናይ ዘተን ዓውደ መጽናዕትን ናይ ጉባኤ መደባት ከምዘሰናደወ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ታሊታ ኵም ማሕበር ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸረ ሓድሽ ጊልያነት መረብታዊ ርክባት ኣወሃሃዲት እናቴ ጋብሬላ ቦታኒ፥ ደቀንስትዮ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም በደልን ዝወርድ ምዝመዛን ሓድሽ ጊልያነትን ንምኹናንን ብዛዕባ እቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ክብላን ብቀዳምነት ክዋሳእ ኣለወን፡ ቢለን ዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝተፈላለየ ማሕበረ ደናግል ኣብ ሮማ ጠቕላሊ ኣባይቲ ዘለወን 86 ልኡካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸባን ቃለ ምዕዳን ክልገሰለን እውን ምዃነን ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ቅዋሜ ማሕበር ታሊታ ኵም ምኽንያት ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 27 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ደናግል ንጸረ ሓድሽ ጊልያነት ቀዳማይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ከካይድ ከምዝዀነን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ዘካይዶ ዝተፈላለዩ ርክባት 86 ካብ 48 ሃገራት ዝተዋጽኣ ልኡካን ደናግል ኣብ ዓለም ኣብ ጸረ ሓድሽ ጊልያነት ዘካይድኦ ጓሳጓሳትን ፍጻሜታትን ኣቕሪበን ንመጻኢ ዝፍጸሙ መደባት ክሕንጽጻ ምዃነን ይሕበር።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምቁጽጻር ዕጸ ፋርንስን ምክልኻልን ምግታዕእ ገበናትን ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ዓለም 40 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ኣብ ሓድሽ ጊልያነት መጻወዲያ ከምዝርከቡን፡ ካብዚ ብዝሒ’ዚ እቲ 70 ሚእታዊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሽፍን ከምዝዀነ ካብቲ ጠቕላላ ብዝሒ 59 ሚእታዊ ብወሲብ ዓመጽ ዝተጠቕዑ ከምዝዀኑን ካብ ዝሃቦ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ ማሕበር ታሊታ ኵም ነዚ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምውጋእ  ትሽዓት ኣብ ኣፍሪቃ 11 ኣብ እሲያ 15 ኣብ ኣመሪካን 7 ኣብ ኤውሮጳ 2 ኣብ ኦቻይና ብጠቕላላ 44 ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብታ ኣብ መላእ ከፍለ ዓለም ከምዘቖመን ይሕበር።

ማሕበር ታሊታ ኵም ነተን ካብ ሓድሽ ጊልያነት ንዘናገፋ ኣሕዋት ኣሊዩን ሓድሽ ተኽእሎ ከምዘቕርብን፡ ብፍላይ እቲ ዝተጐድአ ሰብኣውነት ነፍሲ ወከፍ ብምሕዋይ ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳይ ዓቢይ ኣስትዋጽኦ ዘበርክት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ ብምኽንያት ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ቅዋሜ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ክኢላታትን ብዛዕባ ሓድሽ ጊልያነት ዓምዩቕ ኣፍልጦ ዘለዎምን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባርን’ዚ ንኽውገድ ብዝተፈላለያ መዳይ ዝዓዩ ናይ ዝተፈላለየ ስነ ምርምር ሊቃውንትን ይሳተፉ ከምዘለዉን ዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. መላእ ተጋባእያን ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ክግብረሎምን ቃለ ምዕዳን ክልገሱን ከምዝዀኑ ማሕበር ታሊታ ኵም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ታሊታ ኩም ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ቃልሲ ጸረ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ
23 September 2019, 17:13