ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ምንቅስቃስ እዚ ዘተኣታተዎ ሓዲስ ኣገባብ ንሥድራቤታት ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋር ምዃኑ ዘይሓብኡ ቅዱስነቶም እዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ዘይኣምኑን ካብ እምነት እምብዛ ርሒቆም ንዘለውን ሰሓቢ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ቅዱስነቶም ንመሥራትን መራሕን ናይዚ ምንቅስቃስ ንዝኾኑ ኪኮ ንቅድሚት ንክስጉሙን ንመላእ ዓለም ስብከተ ወንጌል ከስፍሑን ብምልባው ነቶም ኣብ ዘርአ ክህነታት ኮይኖም ኣብ ኲስኰሳ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዝሠርሑ ምትብባዖም ገሊጾም።
ኪኮ ንቅድዱስነቶም ናይቶም ሰባኬ ወንጌል ሃገረ ቻይና ዝስመዩ ኢየሱሳዊ ቅዱስ ፍራንቸኮስ ሳቨርዮ ምስሊ ኣረኪቦሞም። ቅዱሰንቶም እውን ብወንገኖም ነቶም ናብቲ ዓቢይ ዘርአ ክህነት ዝብገሱ መማህራንን ኰስኰስቲ ጸዋዕታን በብሓደ ረኺቦም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ድሕሪ ኣተባቢዖምን ዳግም ቀንዲ ውራዮም ስብከተ ወንጌል ምዃኑን ነዚ ከኣ ብዓቢ ኣድማዕነት ክቅጽልዎ ብምልባው ተሰናበትዎም።