ኪኮ ንቅድዱስነቶም ናይቶም ሰባኬ ወንጌል ሃገረ ቻይና ዝስመዩ ኢየሱሳዊ ቅዱስ ፍራንቸኮስ ሳቨርዮ ምስሊ እንከወፍዩ! ኪኮ ንቅድዱስነቶም ናይቶም ሰባኬ ወንጌል ሃገረ ቻይና ዝስመዩ ኢየሱሳዊ ቅዱስ ፍራንቸኮስ ሳቨርዮ ምስሊ እንከወፍዩ!  

ብምንቅስቃስ ንኡሰ ክርስትያን ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ስብከተ ወንጌሉ ይቀጽል! ር.ሊ.ጳ

ብሓደስቲ ምንቅስቃስ ንኡሰ ክርስትያን ወይውን ነዮካተኩመነይት ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ብመሪሕነት ኪኮ ኣርግወሎ ማርያ ኣሰንስዮን ሮመሮን ኣባ ማርዮ ፐሲን ተመሪሑ ንስብከተ ወንጌል ዘመንና ዝኾኑ ካህናትን ሰበኽቲ ወንጌል ስድራቤታትን ኣብ ምስንዳው ዝርከብ ኰይኑ ዝሓለፉ ዕለታት ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም ኣብ ቻይና ብዛዕባ ዝተኸፍተ ሓዲሽ ኮለጅ ኣብ ቻይና እውን ተዛሪቦም።

ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ምንቅስቃስ እዚ ዘተኣታተዎ ሓዲስ ኣገባብ ንሥድራቤታት ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋር ምዃኑ ዘይሓብኡ ቅዱስነቶም እዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ዘይኣምኑን ካብ እምነት እምብዛ ርሒቆም ንዘለውን ሰሓቢ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ቅዱስነቶም ንመሥራትን መራሕን ናይዚ ምንቅስቃስ ንዝኾኑ ኪኮ ንቅድሚት ንክስጉሙን ንመላእ ዓለም ስብከተ ወንጌል ከስፍሑን ብምልባው ነቶም ኣብ ዘርአ ክህነታት ኮይኖም ኣብ ኲስኰሳ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዝሠርሑ ምትብባዖም ገሊጾም።

ኪኮ ንቅድዱስነቶም ናይቶም ሰባኬ ወንጌል ሃገረ ቻይና ዝስመዩ ኢየሱሳዊ ቅዱስ ፍራንቸኮስ ሳቨርዮ ምስሊ ኣረኪቦሞም። ቅዱሰንቶም እውን ብወንገኖም ነቶም ናብቲ ዓቢይ ዘርአ ክህነት ዝብገሱ መማህራንን ኰስኰስቲ ጸዋዕታን በብሓደ ረኺቦም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ድሕሪ ኣተባቢዖምን ዳግም ቀንዲ ውራዮም ስብከተ ወንጌል ምዃኑን ነዚ ከኣ ብዓቢ ኣድማዕነት ክቅጽልዎ ብምልባው ተሰናበትዎም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
24 September 2019, 18:05