ሞዛምቢክ ሰላም ይግብኣ እዩ! ንብልሽውናን ጥቅሚ ምድላይን ሰዓርዎ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቀረበ ወንጌል ሉቃ 6,27-38 ኮይኑ ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ’ ዝብል ሕመረት ዝርከቦ ነቲ ኣብ ኦሪት ስኒ ክንዲ ስኒ ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ዝብል ሕጊ ሕነ ምፍዳይ ዘሐደሰሉ ኩነት ዝገልጽ ነበረ። ከክንዳኡስ ‘ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ’ እናበለ እቲ ጥርዚ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ክንከውን ይጽውዕ።
ቅዱስነቶም ነቲ ሎሚ ንመብዛሕትና ስዒሩ ዘሎ ኦሪታዊ ኣተሓሳስባ ዓመጽ ብዓመጽ እቲ ሕነ ብልክዕ ክፍደ ዝብል መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ኣብ ዘመንና ጸረ ሰላምን ተስፋን ዝኾና ሕነ ምፍዳይ ጽልኢ ብልሽውና ኮይነን እዚአን ከኣ ምስ ግላውን ፖሎቲካውን ጥቅምታት ተጠናኒገን ንብዙሕ ሕልምታት ድኻታት ሃገራት ከቅህማ ከምዝርከባ ገሊጾም።
ንኩሉ ፍታሕ ትኸውን ኣብታ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዘላ ቃል ትርከብ። ንእትገብርዎ ሠናይ ነገር ሓገዝ ልቃሕ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ክገብሩልኩም ከይደለኹም ግበሩ እትብል እያ።
ዓመጽ ጽልኢ ፍልልይ
ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ዓመታት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ብ1998 ንዕርቀ ሰላም ኣመልኪቶም ነቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብ1992 ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ዘኽተመ ሕድሕዳዊ ውግእ ሕዝቢ ሞዛምቢክ ዘሕለፎ ቂመ በቀል ሰጊሮም ኣብ ምሕረትን ዕርቅን ከተኩሩ ንዝገበርዎ ጻውዒት መሠረት ዝገበረ ሓሳብ የቅርቡ። ናብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ኢሎም ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ምስ ሓረየ መንገዲ ብፅዕና ምሂሩ ኣብ መወዳእታ ጸላእቶም ከፍቅሩ ይላበዎም።
ነዚ ኩሉ ዝፍውሶ ነዘን ሰለስተ ሕሱማት ዘረግቲ ሰላምን ኣጸልመቲ ተስፋን መጻእን ዝኾና ዓመጽ ጽልኢ ፍልልይ ወጊድ ኢልካ ክትፍደዩ ከይደለኹም ሠናይ ግብሩ።
ጥቅምኻ ከይደለኻ ዝግበር ግብረ ሠናይ
ደቡባዊ ክፍሊ ሞዛምቢክ ብባህርያዊ ሃብቲ ሃብታም ብምዃኑ እቲ ኩሉ ዓመጻትን መጥቃዕትታን ኣብኡ እዩ ዝፍጸም። ንምሉእ ሃገር ዘናውጽ ከኣ እዚ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍልልያት ዝሰዓበ ሕሉፍ ቊስልታት ከይሓውየ እንከሎ ብዛዕባ ዕርቂ ክትዛረብ ከቢድ እዩ። ወይውን ንክትምሕር ሓደ ስጒምቲ ንቅድሚት ክትሓትት ከሎኻ ዝቀደመ ሥቃይን መከራን ምርሳዕ ኣይኮነን። ምስ እዚ ኩሉ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ ክነፍቅርን ሠናይ ነገር ክንገብርን ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘሳድድኹም ጸልዩ ይብለና። ልዕሊ ነቲ በደልን ዝበደለናን ክንርስዕ ምቅላስ እዚ ዝለዓለ እዩ። ጥቅሚ ክትረክብ ኢልካ ዘይኮነ ስለፍቅሪ ጽቡቅ ነገር ክትገብሮ ወላውን ነቶም ዝገፍዑኻ ክትምሕርን ክተፍቅርን ምንም ክገብሩልካ ከይተጸበኻ ሠናይ ነገር ክትገብረሎምን ዝዕድም እዩ። ስለዚ ሕማቅ ንዝገበረ ክትቀጽዕ ሕነ ክትፈዲ ምቅላስ ኣይደልን ማለት እዩ። በዚ ኸኣ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ክንከውን ንጽዋዕ። ሓቀኛ ሰላም ዝወልድ ከኣ እዚ እዩ።
ነዚ እንክንገብር ሕማቃትን ዝተሸነፍናን ኰይኑ ዘይኮኑ ንሰባት ምስቃይ ኣድላዪ ኣይኮነን ካብ ሓያል ሰብኣዊ ስምዒት ነቂሉ ሓያልሲ ዝዕምጽን ዘሳቅን ዘይኮነ ተጻዩ ምዃኑ ንገልጽ። ኢየሱስ ዘስተምህረና ትንቢታዊ ሓይሊ ከኣ እዚ እዩ። ብሕይወቱ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ኣገልግሎት ምዃኑ ሓቢሩና እዩ።
ሓደጋ ብደገ ዝመጹ ሓገዛት
ሃገረ ሞዛምቢክ ብዙሕ ባህርያዊ ሃብቲ ዝተዓደለት ክንሳ ካብ ሕዝባ ዝበዝሑ ትሕቲ ድኽነት ምንባሮም ጸገም ከምዘሎ የመልክት ዝበሉ ቅዱስነቶም እቲ ቀንዲ ጸገም ከኣ ብስም ሓገዝ ዝመጽእ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ሓንሳብ ሓንሳብ እቶም ክሕግዙና ኢሎም ዝመጹ ሰባት ካልእ ጥቅሚ ከቋምቱ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብቶም ብሓባር ዝነበሩ ኣሕዋት ደቂ ሓንቲ መሬት ክኸውን ከሎ ከኣ ብዘይመጠን የሕዝን። እቲ ሓደጋ ግን ብደገ ብዝመጽእ ሓገዝ ኣብ ብልሽውና ጥሒሎም እንክትርኢ እዩ። ነዚ ንምሽናፍ ኢየሱስ ዝምህረና መንገዲ ብዘርኢ ታሕጓስን ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ጥራይ ከምዝኾነ እዩ።
ኣብዚ ሕውስውስ ዝበለ ውሳኔታት ሃገረ ሞዛምቢክ ንኢየሱስ ኣብ ልብና ናይ ስምዒታትና ዳኛ እንተገርናዮ መጽኢ ተስፋ ሞዛምቢክ ውሕስነት ረኺቡ ማለት እዩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።
ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ብግሁድ ይኹን ብሥውር ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ሞዛቢክ ዕውት ንክኸውን ንዝሠርሑ ኣመስኪኖም ንሕዝብን ቤተክህነትን ስለኩሉ እቲ ዝገበርዎ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ሥርዓታትን ርክባትን ንክሳተፉ ዝኸፈልዎ መስዋዕቲ ግዜን ገንዘብን ንብረትን ነቲ ብዓይኖም ርእዮም ዝምስክርዎ ተስፋ ሞዛምቢክ ክዕቅብዎ ብምምሕጻን ተሰናቢትዎም።