ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ሜዳ ዚምፐቶ ናይ ከተማ ማፑቶ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ሜዳ ዚምፐቶ ናይ ከተማ ማፑቶ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ  

ሞዛምቢክ ሰላም ይግብኣ እዩ! ንብልሽውናን ጥቅሚ ምድላይን ሰዓርዎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ሜዳ ዚምፐቶ ናይ ከተማ ማፑቶ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ሞቶር ሓደ ዓዲ ክኸውን ኣይካልን። ንመጻኢ ሰላም ተስፋ ንምዕቃብ ነቲ ዘሎ ብልሽውናን ፖሎቲካውስ ይኹን ግላዊ ጥቅሚ ምድላይ ምስጋር የድሊ።’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቀረበ ወንጌል ሉቃ 6,27-38 ኮይኑ ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ’ ዝብል ሕመረት ዝርከቦ ነቲ ኣብ ኦሪት ስኒ ክንዲ ስኒ ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ዝብል ሕጊ ሕነ ምፍዳይ ዘሐደሰሉ ኩነት ዝገልጽ ነበረ። ከክንዳኡስ ‘ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ’ እናበለ እቲ ጥርዚ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ክንከውን ይጽውዕ።

ቅዱስነቶም ነቲ ሎሚ ንመብዛሕትና ስዒሩ ዘሎ ኦሪታዊ ኣተሓሳስባ ዓመጽ ብዓመጽ እቲ ሕነ ብልክዕ ክፍደ ዝብል መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ኣብ ዘመንና ጸረ ሰላምን ተስፋን ዝኾና ሕነ ምፍዳይ ጽልኢ ብልሽውና ኮይነን እዚአን ከኣ ምስ ግላውን ፖሎቲካውን ጥቅምታት ተጠናኒገን ንብዙሕ ሕልምታት ድኻታት ሃገራት ከቅህማ ከምዝርከባ ገሊጾም።

ንኩሉ ፍታሕ ትኸውን ኣብታ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዘላ ቃል ትርከብ። ንእትገብርዎ ሠናይ ነገር ሓገዝ ልቃሕ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ክገብሩልኩም ከይደለኹም ግበሩ እትብል እያ።  

“ማንም ሥድራቤት ማንም ጉጅለ ጐረቤት ማንም ዓሌት ሞቶር ኰይኑ ኣሕቢሩ ዘንቀሳቅሶ እንተደኣ ሕነ ምፍዳይን ጽልእን ኰይኑ መጻኢ ዝበሃል ክህልዎ ኣይክእልን። ሕነ ንክንፈዲ ክንሰማማዕን ክንወሃሃድን ኣይንኽእልን። ናይ ውግእ መሳርሕን ብዓመጽ ዝግበር ጸቅጥን ሓደስትን ዝገደዱን ግርጭታት እዮም ዝፈጥሩ። ከምታ ዘሕሰመኒ ከሕስሞ ትብል ዓመጽ መውጽኢ ዘይብላ ዕንኪላሎ እያ። ዝኽፈሎ ዋጋ ከኣ ብጣዕሚ ገዚፍ እዩ። እናገደደት ከኣ እያ እትኸይድ። መፍትሒ ዝኸውንሲ ካልእ መንገዲ ኣሎ። ሕዝብና ሰላም ክረክብ መሰረታዊ መሰሉ ከምዝኾነ ምዝካር። ናይ ሰላም መሰል ኣሎኩም። ውግእኩም ነንሕድሕድኩም ዘይኮነ ተጻይ ዓመጽን ጽልእን ምፍልላይን ይኹን።”

ዓመጽ ጽልኢ ፍልልይ

ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ዓመታት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ብ1998 ንዕርቀ ሰላም ኣመልኪቶም ነቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብ1992 ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ዘኽተመ ሕድሕዳዊ ውግእ ሕዝቢ ሞዛምቢክ ዘሕለፎ ቂመ በቀል ሰጊሮም ኣብ ምሕረትን ዕርቅን ከተኩሩ ንዝገበርዎ ጻውዒት መሠረት ዝገበረ ሓሳብ የቅርቡ። ናብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ኢሎም ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ምስ ሓረየ መንገዲ ብፅዕና ምሂሩ ኣብ መወዳእታ ጸላእቶም ከፍቅሩ ይላበዎም።

“ብዙሓት ካባኹም ነቲ ዝወረደ ኣደራዕ ዓመጽን ጽልእን ፍልልይን ብኣካል ዝተሳተፍኩሞ ኢኹም። ብዙሓት ዝቈሰልኩም ኣዝማድኩም ዝሰኣንኩም ገሊኹም እቲ ፍርህን ረዓድን ናይ ሕሉፍ እንደገና ከይድገሙ ብፍርሂ ትሽቊረሩ ኣይተሰኣኑን።”

ነዚ ኩሉ ዝፍውሶ ነዘን ሰለስተ ሕሱማት ዘረግቲ ሰላምን ኣጸልመቲ ተስፋን መጻእን ዝኾና ዓመጽ ጽልኢ ፍልልይ ወጊድ ኢልካ ክትፍደዩ ከይደለኹም ሠናይ ግብሩ።

ጥቅምኻ ከይደለኻ ዝግበር ግብረ ሠናይ

ደቡባዊ ክፍሊ ሞዛምቢክ ብባህርያዊ ሃብቲ ሃብታም ብምዃኑ እቲ ኩሉ ዓመጻትን መጥቃዕትታን ኣብኡ እዩ ዝፍጸም። ንምሉእ ሃገር ዘናውጽ ከኣ እዚ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍልልያት ዝሰዓበ ሕሉፍ ቊስልታት ከይሓውየ እንከሎ ብዛዕባ ዕርቂ ክትዛረብ ከቢድ እዩ። ወይውን ንክትምሕር ሓደ ስጒምቲ ንቅድሚት ክትሓትት ከሎኻ ዝቀደመ ሥቃይን መከራን ምርሳዕ ኣይኮነን። ምስ እዚ ኩሉ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ ክነፍቅርን ሠናይ ነገር ክንገብርን ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘሳድድኹም ጸልዩ ይብለና። ልዕሊ ነቲ በደልን ዝበደለናን ክንርስዕ ምቅላስ እዚ ዝለዓለ እዩ። ጥቅሚ ክትረክብ ኢልካ ዘይኮነ ስለፍቅሪ ጽቡቅ ነገር ክትገብሮ ወላውን ነቶም ዝገፍዑኻ ክትምሕርን ክተፍቅርን ምንም ክገብሩልካ ከይተጸበኻ ሠናይ ነገር ክትገብረሎምን ዝዕድም እዩ። ስለዚ ሕማቅ ንዝገበረ ክትቀጽዕ ሕነ ክትፈዲ ምቅላስ ኣይደልን ማለት እዩ። በዚ ኸኣ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ክንከውን ንጽዋዕ። ሓቀኛ ሰላም ዝወልድ ከኣ እዚ እዩ።

“ሰላም ክንብል እንከሎና ግጭትን ሁከትን ዘይምህላው ጥራይ ኣይኮነን ዕለት ዕለት ምሕረትን ምግባረ ሠናይን ብምዝውታር እዩ ዝዕምብብ። እዚ ከኣ ነቶም እንፈትዎምን ደስ ዝብሉናን ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ምናዳኸኣ ነቶም ኅብረተሰብናን ናብራን ዝጐስዮም ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ዝተነጸሉን ቅድሚያ ብምሃብ ክግበር ኣለዎ።”

ነዚ እንክንገብር ሕማቃትን ዝተሸነፍናን ኰይኑ ዘይኮኑ ንሰባት ምስቃይ ኣድላዪ ኣይኮነን ካብ ሓያል ሰብኣዊ ስምዒት ነቂሉ ሓያልሲ ዝዕምጽን ዘሳቅን ዘይኮነ ተጻዩ ምዃኑ ንገልጽ። ኢየሱስ ዘስተምህረና ትንቢታዊ ሓይሊ ከኣ እዚ እዩ። ብሕይወቱ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ኣገልግሎት ምዃኑ ሓቢሩና እዩ።  

ሓደጋ ብደገ ዝመጹ ሓገዛት

ሃገረ ሞዛምቢክ ብዙሕ ባህርያዊ ሃብቲ ዝተዓደለት ክንሳ ካብ ሕዝባ ዝበዝሑ ትሕቲ ድኽነት ምንባሮም ጸገም ከምዘሎ የመልክት ዝበሉ ቅዱስነቶም እቲ ቀንዲ ጸገም ከኣ ብስም ሓገዝ ዝመጽእ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ሓንሳብ ሓንሳብ እቶም ክሕግዙና ኢሎም ዝመጹ ሰባት ካልእ ጥቅሚ ከቋምቱ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብቶም ብሓባር ዝነበሩ ኣሕዋት ደቂ ሓንቲ መሬት ክኸውን ከሎ ከኣ ብዘይመጠን የሕዝን። እቲ ሓደጋ ግን ብደገ ብዝመጽእ ሓገዝ ኣብ ብልሽውና ጥሒሎም እንክትርኢ እዩ። ነዚ ንምሽናፍ ኢየሱስ ዝምህረና መንገዲ ብዘርኢ ታሕጓስን ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ጥራይ ከምዝኾነ እዩ።

“ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ልባትና ሰላም ክርስቶስ እንተኣንጊስና ንሱ እዩ ዳኛ ኰይኑ ንኩሉ ዕርቅን ሰላምን ክመርሓና ዝኽእል።”

ኣብዚ ሕውስውስ ዝበለ ውሳኔታት ሃገረ ሞዛምቢክ ንኢየሱስ ኣብ ልብና ናይ ስምዒታትና ዳኛ እንተገርናዮ መጽኢ ተስፋ ሞዛምቢክ ውሕስነት ረኺቡ ማለት እዩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ብግሁድ ይኹን ብሥውር ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ሞዛቢክ ዕውት ንክኸውን ንዝሠርሑ ኣመስኪኖም ንሕዝብን ቤተክህነትን ስለኩሉ እቲ ዝገበርዎ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ሥርዓታትን ርክባትን ንክሳተፉ ዝኸፈልዎ መስዋዕቲ ግዜን ገንዘብን ንብረትን ነቲ ብዓይኖም ርእዮም ዝምስክርዎ ተስፋ ሞዛምቢክ ክዕቅብዎ ብምምሕጻን ተሰናቢትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 September 2019, 14:45