ድለ

ንክፍኣት ብሠናይ ነገር ክነሸንፎ ወትሩ ግዜ ኣሎና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 22 መስከረም 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምሳሌ ብልሓት ዘይእሙን መጋቢ ተመርኲሶም ንገንዘብ ከመይ ጌርና ዓለማዊ ውሕስነት ዘይኮነስ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንምውሓስ ክንጥቀመሉ ከምዚግባእ ንመሃር ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዛ ሰንበት ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃስ 16 ኰይኑ ብልሓት ዘይእሙን መጋብን ንገንዘብ ከመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግበኣና ዝነግርን ነበረ።

ስግንጢራዊ ብምዝኾነ ኣገባብ እቲ ሓለቃ ነቲ ዘይቅኑዕ መጋቢ በቲ ጉርሑ እንክንእዶ እዚ ከኣ ካብ ሥራሕ ክትባረር ኢኻ ምስ በሎ ነቶም ዕዳ ዝነበሮም ጸዊዑ ካብ ፍርቂ ክሳብ ዕሥራ ምእታዊት እናኣጒደለ ብምምዝጋብ ደሓር ካብ ሥራሕ ምስ ተባረረ ጸግዒ ክኾንዎ ዝገበሮ ናይ ጒርሕን ሽርሕን ሥራሕ እዩ።

ቅዱስነቶም እውን ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ጒርሒ ከምዘድሊ እዚ ግን ንክፍኣት ዘይኮነ ንሠናይ ነገር ንምርካብ ነቲ ነገራት ላዕልን ታሕትን ምግምጣል ጥበብ እዩ ኢሎም። ኰይኑ ግን ይብሉ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘመንና ብልሽውና ሳዕሪሩ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኣትዩ ንረኽቦ እውን ኢሎም።

ብልሽውና ሳዕሪሩ!

ኣብ ማእከል ናይ ዕለቱ ወንጌል እቲ ጐራሕ ኰይኑ ግን ዘይቅኑዕ ኣመሓዳሪ እዩ። እዚ ኣመሓዳሪ እዚ ንገንዘብ ጐይታኡ ብዘይ ኣገባብ ንጥቅሚ ገዛእ ርእሱ ክብል ንካልኦት ደሓር ምእንቲ ክጠቅምዎ ይብትኖ እዚ ብልሽውና እዩ። ኰይኑ ግን ናይ ጐራሕን ዘይቅኑዕን ኣመሓዳሪ ጥበብ ዘገርም እዩ። ከመይ መጀመርያ ኰፍ ኢሉ ድሩትነቱ ጸገሙ ዓቅሙ ይግምግም ስለዚ ፍታሕ የናዲ። ብዓቢ ጉርሒ ከኣ ገንዘብ ጐይታኡ ክሰርቅ ይምድብ። ነቶም ሰብ ዕዳ ጸዊዑ ኣዕሩኹ ክገብሮም እሞ ደሓር ክኽሕስዎ ኢሉ ይሓስብ። እዚ ሎሚ ኣብ ፈቀዶኡ ንርእዮ ዘሎና ብልሽውና ዝበሃል ኣብ ኩሉ መዳይ ሳዕሪሩ ዘሎ እዩ።

“ኢየሱስ ነዚ ኣብነት እዚ ዘቅርበልና ዘይቅኑዓት ክንከውን ኢሉ ከምዘይኮነ ርግጽ እዩ ኮይኑ ግን ነታ ጒርሒ ከም ጥበብ ክንሕዛ የቅርበልና። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ኁ 8 ‘እቲ ጐይታ ነዚ ዘይቅኑዕ መጋቢ በቲ ጉርሑ ነኣዶ’ ይብል። እዚ ማለት ከኣ ጥበብን ምጉርሕን ብሓንሳብ ሓቢሮም ንኣጸጋሚ ኩነታት ንምስጋር የኽእሉ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ካብዚ ኣብነት እዚ ክምህረና ዝደልዮ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምሳሌ ንረኽቦ። ኁ 9 ‘ኣነ እውን ገንዘብ ምስ ተወአ ኣብ ዘለዓለማዊ ድንኳኖም ምእንቲ ኺቕበሉኹም ብእኡ ጌርኩም ፈተውቲ ኣጥርዩ እብለኩም ኣሎኹ’ ይብል። ቁሩብ ዘደናግር ስግንጢር ይመስል ግን ከምኡ ኣይኮነን እዚ ዘይቅኑዕ ሃብቲ ዝብሎ ዘሎ ገንዘብ እዩ ገንዘብ ከኣ ዓኾር ዲያብሎስ እንብሎ ብሓፈሻ ናይዚ ዓለም እዚ ንብረትን ሃብትን እዩ። ስለዚ በዚ ሃብቲ እዚ ገርና ንጽባሕ ዋሕስ ዝኾነና ንድኽታት ምጽዋት ብምሃብ ንተዓወት እዩ ትምህርቱ። ከመይ ንጽጉም ንድኻ በቲ ኣሎና እንብሎ ሃብቲ ናትና ግን ዘይኮነ ምስ እንረድእ ጽባሕ ክንርዳእ ኢና።”

ንሃብቲ ናብ ርክብ ምቅያር ንነገራት ምግምጣል!

ቅዱስነቶም ናብ ቃል ኣምላኽ ምልስ ኢሎም ‘ብሃብቲ ኣዕርኽቱ ፈተውቲ ኣጥርዩ ክብል እንከሎ እንታይ ማለት ይኸውን እቲ ዘለዓለማዊ ድንኳን ዝብሎኸ እንታይ ኰን ይኸውን’ ክብሉ ይሓቱ እሞ ሃብቲ ወይ ንጥፍኣት ወይ ንልምዓት ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ንክትክወል መናድቅ ክትሰርሓሉን ምፍልላይን ሌላን ጐሌላን ክትገብረሉ ወይ ድኻታት እናረዳእካ ክተድሕነሉን ክትድሕነሉን እትኽእል ግብረሠናይ ክትገብር ትኽእል። በዚ ከኣ እዩ ኢየሱስ ነርድእቱ ንኩሉ ክገማጥልዎ እሞ ካብ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶምን ግበረለይ ክገብረልካን ስግር ኢሎም ንመጻኢ መኣዲ ኣዕሩኽ ክገብሩ ዝላበዏም።

“‘ብኣኡ ገርኩም ፈተውቲ ኣጥርዩ’። እዚ ንዘሎካ ንብረትን ሃብትን ናብ ርክብ ክትልውጦ ይዕድም። ከመይ ካብ ንብረትን ገንዘብን ሰባት ብጣዕሚ ይበልጹ። ኣብ ሕይወት ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ብዙሕ ሃብቲ ዘልዎ ብዙሕ ኣዕሩኽ ዘለውዎ በቲ ዘለዎ ሃብቲ ዕርክነትን ርክብን ክፈጥር ዝኸኣለ እዩ ዕውት እዚ ሃብቲ ኣዚ ከኣ እቲ እግዚአብሔር ብነጻ ዝዓደለና ዝተፈለለዩ ጸጋታት እዮም። ስለዚ ነቲ ነገራት ክንገማጥሎ ክንክእል ኣሎና። ንዘሎና ሃብትን ንብረትን ጸጋን ሕውነትን ምድግጋፍን እነጥርየሉ መጋበሪ እንተደኣ ገርናዮ ጽባሕ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምስ እግዚኣብሔር ንኩሎም እቶም ሃብትናን ንብረትናን ጸጋታትናን ምሳኦም ዝተኻፈልና ድኻታትን ጽጉማትን እውን ኣብኡ ክንረኽቦም ኢና። ስለዚ ከኣ ቃል ኣምላኽ ‘ኣብ ዘለዓለማዊ ድንኳን ምእንቲ ኺቕበሉኹም ብገንዘብኩምን ንብረትኩምን ጌርኩም ኣዕሩኽቲ ኣጥርዩ ዝብለና’ ኢሎም።”

ዘለዓለማዊ ሕይወት ምውናን ዓለማዊ ዓወት ኣይኮነን!

ቅዱስነቶም ናባና ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ቃል እዚ ንዓና ኣብዚ ሎሚ እንታይ ይብለና ኢሎም ይሓቱ! ኣብ ተግባራዊ ናብራ ዕለታዊ ሕይወት ኣትዮም ከኣ ‘ንሕናውን ከምዚ ናይዚ ኣብ ምሳሌ ዘሎ ሰብኣይ ብኩሉ ጨኒቚና መውጽኢ ንስእነሉ ግዝያት ክንርከብ ንኽእል ኢና ከምቲ ናቱ ኸኣ ሕጂኸ ደኣ እንታይ እየ ዝገብሮ ናበይ እየ ዝኸደ ነዚ ኣይክእል ነቲ ኣይፍትን ክንብል ንኽእል። እታ እንኮ መንገዲ ከኣ ናብ ምሕረት እግዚኣአብሔር ገጽና ምኻድ ምዃን ከመይ ንሳ ንናጽነት ወዲሰብ ክትጋልሆ ክተርሕዎ ትኽእል እያ ኢሎም።

“ኣሕዋተይን ኣሓተይን! እዛ ክፍሊ ወንጌል እዚኣ ነታ እዚ ዘይእሙን ኣገልጋሊ ብጐይታኡ ምስ ተሰጐ ‘ሕጂ ደኣ እንታይ እየ ዝገብሮ’ ክብል ዝሓተቶ ሕቶ ናትና እውን ክኸውን ከምዝኽእል የዘኻኽረና። ውድቀት ከጋጥመና እንከሎ ብገለ ጐዲልና ክንርከብ እንከሎና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝወደቅናዮ ነቲ ዘጉደልናዮ ክንዕሪ ክንክሕስ ክንፍውስ ወትሩ ግዜ ኣሎኩም ይብለና ኣሎ። ብገለ ምኽንያት ንካልእ ከምዝነብዕ ዝገበረ ከምዝሕጐስ ክገብር በዓል ዕዳ ኰይኑ ዝስምዖ ኣብ ጸገም ንዘሎ ይርዳእ። ከምዚ ብምግባርና ጐይታ ክንእደና እዩ ‘ከመይ ብጉርሕን ጥበብን ስለዝሠራሕና’ ኢሎም።”

ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ኣብ ዓለማዊ ዓወት ዘይኮነ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዕውታት ንክንከውን ክሳብ ዕለተ ፍርዲ ንጽጉማት ኣሕዋትና ክንረድእ ትሓግዘና ኢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
22 September 2019, 12:17