ንክፍኣት ብሠናይ ነገር ክነሸንፎ ወትሩ ግዜ ኣሎና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዛ ሰንበት ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃስ 16 ኰይኑ ብልሓት ዘይእሙን መጋብን ንገንዘብ ከመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግበኣና ዝነግርን ነበረ።
ስግንጢራዊ ብምዝኾነ ኣገባብ እቲ ሓለቃ ነቲ ዘይቅኑዕ መጋቢ በቲ ጉርሑ እንክንእዶ እዚ ከኣ ካብ ሥራሕ ክትባረር ኢኻ ምስ በሎ ነቶም ዕዳ ዝነበሮም ጸዊዑ ካብ ፍርቂ ክሳብ ዕሥራ ምእታዊት እናኣጒደለ ብምምዝጋብ ደሓር ካብ ሥራሕ ምስ ተባረረ ጸግዒ ክኾንዎ ዝገበሮ ናይ ጒርሕን ሽርሕን ሥራሕ እዩ።
ቅዱስነቶም እውን ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ጒርሒ ከምዘድሊ እዚ ግን ንክፍኣት ዘይኮነ ንሠናይ ነገር ንምርካብ ነቲ ነገራት ላዕልን ታሕትን ምግምጣል ጥበብ እዩ ኢሎም። ኰይኑ ግን ይብሉ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘመንና ብልሽውና ሳዕሪሩ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኣትዩ ንረኽቦ እውን ኢሎም።
ብልሽውና ሳዕሪሩ!
ኣብ ማእከል ናይ ዕለቱ ወንጌል እቲ ጐራሕ ኰይኑ ግን ዘይቅኑዕ ኣመሓዳሪ እዩ። እዚ ኣመሓዳሪ እዚ ንገንዘብ ጐይታኡ ብዘይ ኣገባብ ንጥቅሚ ገዛእ ርእሱ ክብል ንካልኦት ደሓር ምእንቲ ክጠቅምዎ ይብትኖ እዚ ብልሽውና እዩ። ኰይኑ ግን ናይ ጐራሕን ዘይቅኑዕን ኣመሓዳሪ ጥበብ ዘገርም እዩ። ከመይ መጀመርያ ኰፍ ኢሉ ድሩትነቱ ጸገሙ ዓቅሙ ይግምግም ስለዚ ፍታሕ የናዲ። ብዓቢ ጉርሒ ከኣ ገንዘብ ጐይታኡ ክሰርቅ ይምድብ። ነቶም ሰብ ዕዳ ጸዊዑ ኣዕሩኹ ክገብሮም እሞ ደሓር ክኽሕስዎ ኢሉ ይሓስብ። እዚ ሎሚ ኣብ ፈቀዶኡ ንርእዮ ዘሎና ብልሽውና ዝበሃል ኣብ ኩሉ መዳይ ሳዕሪሩ ዘሎ እዩ።
ንሃብቲ ናብ ርክብ ምቅያር ንነገራት ምግምጣል!
ቅዱስነቶም ናብ ቃል ኣምላኽ ምልስ ኢሎም ‘ብሃብቲ ኣዕርኽቱ ፈተውቲ ኣጥርዩ ክብል እንከሎ እንታይ ማለት ይኸውን እቲ ዘለዓለማዊ ድንኳን ዝብሎኸ እንታይ ኰን ይኸውን’ ክብሉ ይሓቱ እሞ ሃብቲ ወይ ንጥፍኣት ወይ ንልምዓት ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ንክትክወል መናድቅ ክትሰርሓሉን ምፍልላይን ሌላን ጐሌላን ክትገብረሉ ወይ ድኻታት እናረዳእካ ክተድሕነሉን ክትድሕነሉን እትኽእል ግብረሠናይ ክትገብር ትኽእል። በዚ ከኣ እዩ ኢየሱስ ነርድእቱ ንኩሉ ክገማጥልዎ እሞ ካብ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶምን ግበረለይ ክገብረልካን ስግር ኢሎም ንመጻኢ መኣዲ ኣዕሩኽ ክገብሩ ዝላበዏም።
ዘለዓለማዊ ሕይወት ምውናን ዓለማዊ ዓወት ኣይኮነን!
ቅዱስነቶም ናባና ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ቃል እዚ ንዓና ኣብዚ ሎሚ እንታይ ይብለና ኢሎም ይሓቱ! ኣብ ተግባራዊ ናብራ ዕለታዊ ሕይወት ኣትዮም ከኣ ‘ንሕናውን ከምዚ ናይዚ ኣብ ምሳሌ ዘሎ ሰብኣይ ብኩሉ ጨኒቚና መውጽኢ ንስእነሉ ግዝያት ክንርከብ ንኽእል ኢና ከምቲ ናቱ ኸኣ ሕጂኸ ደኣ እንታይ እየ ዝገብሮ ናበይ እየ ዝኸደ ነዚ ኣይክእል ነቲ ኣይፍትን ክንብል ንኽእል። እታ እንኮ መንገዲ ከኣ ናብ ምሕረት እግዚኣአብሔር ገጽና ምኻድ ምዃን ከመይ ንሳ ንናጽነት ወዲሰብ ክትጋልሆ ክተርሕዎ ትኽእል እያ ኢሎም።
ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ኣብ ዓለማዊ ዓወት ዘይኮነ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዕውታት ንክንከውን ክሳብ ዕለተ ፍርዲ ንጽጉማት ኣሕዋትና ክንረድእ ትሓግዘና ኢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ።