ድለ

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ 

ቅድሚ ሕጂ ዝቀረባ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብጠቅላላ!

ሓደ ካብተን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መላእ ዓለም ምስ ዝመጹ ነጋድያንን ምእመናን ከተማ ሮማን ከባቢኣን ብቀጥታ ዝራኸቡሉን ከም ጓሳን ቀድማይ መምህር ትምርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ዘቅርቡሉን ሶሙን ሶሙን ኣብ ዕለተ ሮቡዕ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኩነታት ኣየር እንተዘየፍቂዱ ከኣ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝግበር እዩ። እዚ ከኣ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ነቲ መሠረታዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝገልጽ ክፍሊ እዩ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ክሳብ ለይቲ ሎሚ 279 ኣስተምህሮ ከምዝቀረቡ ጸብጻባት ቅድስት መንበር የመልክቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብምኽንያት ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዝሰርዖ ዕረፍቲ ወቅቲ ሓጋይ ኣቋሪጹ ዝወረሐ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጻባሕ ሮቡዕ ዕለት 7 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ክጅምር ምዃኑ ዘመልከተ ሓበሬታ ቅድስት መንበር እዛ ናይ ጽባሕ ኣስተምህሮ መበል 280 ምዃና እውን ገሊጹ። እዚ ግን ናይ ዕለተ ሮቡዕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሮቡዕ ቀዳም ቀዳም እውን ንዓመት ምሕረት ዚምልከት ፍሉይ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዓመት መመላእታ ከምዘስተምሃሩ ዝዝከር ኮይኑ እዚ 280 ዝብል እኩብ ድምር ናይ ኩሉ እዩ።

13 ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ!

ካብታ ብዕለት 27 መጋቢት 2013 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ፍልይ ብዝበለ ቃና ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ቦንጆርኖ ክብሉ ዘቅረብዋ ቀዳመይቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ 26 2019 ዘቅረብወን 13 ዙርያ ሃልዪወን እዚአን ከኣ 30 ኣብ 2013 43 ኣብ 2014 42 ኣብ 2015 54 ኣብ 2016 43 ኣብ 2017 43 ኣብ 2018 ክሳብ ትማል ሰነ ከኣ 24 ኣብ 2019 እየን። እተን ዝተመርጻ ኣርእስታት ቤተክርስትያን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበረቶ ጉዕዞ የመላኽታ። ካብ 2013 12 ዝተፈላለያ ኣርእስቲ ዝሓዛ ዙርያታት ምስተን ልሙዳት ናይ ዘመነ ምጽኣትን ልደትን ጾመ ኣርባዓን ፋሲካን ኰይነን ዝሓለፈ ሰነ መበል 13 ዙርያ ጀሚሮም። ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ጸሎተ ሃይማኖትን ዓመት እምነትን ዝጀመርዎ ብምቅጻል 25 ኣስተምህርቶታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣስተምሂሮም። ዝቀጸለ ዙር ብዛዕባ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ኮይኑ 9 ኣስተምህሮ ድሕሪኡ ብዛዕባ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ 7 ኣስተምህሮ ቀሪቦም። ብዛዕባ ቤተክርስትያን 15 ብዛዕባ ሥድራቤት 36 ኣብ ዓመት ኢየቤል ምሕረት ከኣ ብዛዕባ ምሕረት 49 ትምህርቲ ሂቦም። ቀጺሎም ብዛዕባ ተስፋ ክርስትያን 38 ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ 15 ብዛዕባ ጥምቀት 6 ብዛዕባ ምሥጢረ ሜሮን 3 ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር 17 ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር 16 ኣብዚ ቀረባ ዝጀምርዎ ገናውን ዝቅጽልዎ ዘለዎ ብዛዕባ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት ከኣ 4 ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ኣሎው።

ቀዳመይቲ ኣስትምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ንሕማማትን ትንሣኤን ከም ክርስቶስ ምንባር

ብዕለት 27 መጋቢት 2013 ዘቅረብዋ ፈላሚት ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስም ብዛዕባ ሶሙነ ሕማማት ኰይኑ “ንሶሙነ ሕማማት ከም ክርስትያን ብተግባር ብግቡእ ምንባር ማለት ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብቶም ዓለምና ዝረሰዓቶምን ገሊፋ ወሰን ዘትሓዘቶምን ድኻታት ሓገዝ ምብርካት ኢዩ” እንክብሉ አስተምሂሮም፣

““ንሶሙነ ሕማማት ንክርስቶስ እናተኸተልካ ምንባር ማለትከስ ይዋእ እናበልካ ብምሕዛን ዘይኮነስ ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእ እንመሃረሉ ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝሰበኽክዎ ንብጾትና ክንረክብ አብ ወሰናስን ዝነብሩ ድኻታት ክንረኽቦም ንንቀሳቀስ፤ ነቶም ርሒቆም ዘለው አኅዋትናን አኃትናን ምናዳ ነቶም ተረሲዖም ዘለው፤ ምጽንናዕን ሓገዝን ዘድልዮም ንርዳእ፤ እዚ እዩ መል እኽቲ ወንጌል፣ ምስተን አብ ውሑስ ቦታ ዘለዋ 99 አባጊዕ ተሓጺርና ከይተረፍና ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ነታ ዝጠፍ ኤት ንድለ፣ ንኢየሱስ ምኽታል ምስኡ ምንባር ማለትከስ ካብቲ ድኹም ናይ ልማድ ሃይማኖት ተበራቢርና እንታይ ገደሰኒ ካብ ዝብል ናይ ዘመንና ፈተና አሸኒፍና ንተግባራቱ ንቀጽል፣ ከምቲ አብ ወንጌል ማቴዎስ ነቲ ክኽተለካ ዝበሎ መንእሰይ ዝሃቦ መጠንቀቅታ “ወኻሩ ጐዳጕዲ አለዎም አዕዋፍ ሰማይውን ገዛ አለወን ወዲሰብ ግን ርእሱ ዘጸገዓላ እምኒ እኳ የብሉን” ዝበሎ ኢየሱስ መንበሪ ገዛ አይነበሮን፣ “ኢየሱስ መንበሪ ገዛ የብሉን፤ መንበሪ ገዛኡ ደቂ ሰባት ኢዩም፤ ንሕና ኢና፡ ተልእኾኡ ከአ ንዓናቅጽ ናይ እግዚአብሔር ንክኸፍተልና ኢዩ ነቲ ፍቅራዊ ናይ እግዚአብሔር አብ መንጎና ምህላው ክገልጸልና ኢዩ ተላኢኹ፣ “ብዙሕ ጊዜ ነአሽቱ ነገራት ብምግባርና ንቀስን ንአብነት ንእሽቶይ ጸሎት እንተብጻሕና ወይውን ልባትና ካልእ ነገራት እናሓሰበ እንሰም ዖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት ወይውን ን እሽቶይ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምስ እንገብር ንቀስን ኮይኑ ግን ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ንኢየሱስ ናብ ካል ኦት ንምብጻሕ ትብ ዓት ይጐድለና፣ ኢየሱስ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ም እንቲ ኩሎም ርእሱ ከምዘወፍን ምንጋር ጅምር ከብል ሓዋርያ ጴጥሮስ አግልል አቢሉ አይፋልካ ከማኡ አይትበል እናበለ ክገንሖ ጀሚሩ፣ እዚ ከአ ኩሉ ጊዜ እንገብሮ ኢዩ፣ ኮይኑ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ ዘኪርና ከም አተሓሳስባ እግዚአብሔር እምበር ከም አተሓሳስባ ደቂ ሰባት ክንመላለስ ከምዘይብልና ንፍለጥ ከመይ እግዚአብሔር ብመንገዲ ምሕረት ኢዩ ዚሓስብ፣ ሶሙነ ሕማማት ናይ ምስጋና ጊዜውን ክኸውን አለዎ ምኽንያቱ ኢየሱስ ዓናቅጽ ልባትናን ሕይወትና ቍምስናታትናን ምእንቲ ከርሑ በጃ ሓሊፉልና፤ ብዙኃት ቍምስናታት ተዓጽየን ክትር ኢ ክንደይ የሕዝን፣ ንቍምስናታትናን ምንቅስቃሳትናን ከፊቱ ንዑ ውጹ ንካልኦት አናድዩ ነቲ ሓጐስ ብርሃንን ናይ እምነትና ነካፍል ይብለና፤ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣”

ብድምጺ ንምክትታል!

ይቅጽል!

06 August 2019, 19:20