ቅድሚ ሕጂ ዝቀረባ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብጠቅላላ!
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብምኽንያት ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዝሰርዖ ዕረፍቲ ወቅቲ ሓጋይ ኣቋሪጹ ዝወረሐ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጻባሕ ሮቡዕ ዕለት 7 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ክጅምር ምዃኑ ዘመልከተ ሓበሬታ ቅድስት መንበር እዛ ናይ ጽባሕ ኣስተምህሮ መበል 280 ምዃና እውን ገሊጹ። እዚ ግን ናይ ዕለተ ሮቡዕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሮቡዕ ቀዳም ቀዳም እውን ንዓመት ምሕረት ዚምልከት ፍሉይ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዓመት መመላእታ ከምዘስተምሃሩ ዝዝከር ኮይኑ እዚ 280 ዝብል እኩብ ድምር ናይ ኩሉ እዩ።
13 ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ!
ካብታ ብዕለት 27 መጋቢት 2013 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ፍልይ ብዝበለ ቃና ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ቦንጆርኖ ክብሉ ዘቅረብዋ ቀዳመይቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ 26 2019 ዘቅረብወን 13 ዙርያ ሃልዪወን እዚአን ከኣ 30 ኣብ 2013 43 ኣብ 2014 42 ኣብ 2015 54 ኣብ 2016 43 ኣብ 2017 43 ኣብ 2018 ክሳብ ትማል ሰነ ከኣ 24 ኣብ 2019 እየን። እተን ዝተመርጻ ኣርእስታት ቤተክርስትያን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበረቶ ጉዕዞ የመላኽታ። ካብ 2013 12 ዝተፈላለያ ኣርእስቲ ዝሓዛ ዙርያታት ምስተን ልሙዳት ናይ ዘመነ ምጽኣትን ልደትን ጾመ ኣርባዓን ፋሲካን ኰይነን ዝሓለፈ ሰነ መበል 13 ዙርያ ጀሚሮም። ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ጸሎተ ሃይማኖትን ዓመት እምነትን ዝጀመርዎ ብምቅጻል 25 ኣስተምህርቶታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣስተምሂሮም። ዝቀጸለ ዙር ብዛዕባ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ኮይኑ 9 ኣስተምህሮ ድሕሪኡ ብዛዕባ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ 7 ኣስተምህሮ ቀሪቦም። ብዛዕባ ቤተክርስትያን 15 ብዛዕባ ሥድራቤት 36 ኣብ ዓመት ኢየቤል ምሕረት ከኣ ብዛዕባ ምሕረት 49 ትምህርቲ ሂቦም። ቀጺሎም ብዛዕባ ተስፋ ክርስትያን 38 ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ 15 ብዛዕባ ጥምቀት 6 ብዛዕባ ምሥጢረ ሜሮን 3 ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር 17 ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር 16 ኣብዚ ቀረባ ዝጀምርዎ ገናውን ዝቅጽልዎ ዘለዎ ብዛዕባ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት ከኣ 4 ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ኣሎው።
ቀዳመይቲ ኣስትምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ንሕማማትን ትንሣኤን ከም ክርስቶስ ምንባር
ብዕለት 27 መጋቢት 2013 ዘቅረብዋ ፈላሚት ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስም ብዛዕባ ሶሙነ ሕማማት ኰይኑ “ንሶሙነ ሕማማት ከም ክርስትያን ብተግባር ብግቡእ ምንባር ማለት ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብቶም ዓለምና ዝረሰዓቶምን ገሊፋ ወሰን ዘትሓዘቶምን ድኻታት ሓገዝ ምብርካት ኢዩ” እንክብሉ አስተምሂሮም፣
ይቅጽል!