ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለእቶም ኣብ ሕ.መ.አመሪካ ግዳያት ተዅሲ ዝኾኑ ጸልዮም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 4 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምእመንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ምእንቲ እቶም ኤል ፓሶን ኦሃዮን ካሊፎንያን ብተዅሲ ዝተቀትሉ ጸልዮም ንሥድራቤቶም ጽንዓት ተመንዮም ብመንፈስ ቅርበቶም ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዳርጋ ልሙድ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ምናዳ ኸኣ ዶናልድ ትራምፕ ፕረሲደንት ካብ ዝኾነ ንደሓር ዝጐሃሃር ዘሎ ዓሌት ኣብ ግምት ዘእተወ ሰባት ብጃምላ ናይ ምቅታል ግጉይ ፍጻሜ እናተደጋገመ ብምምጽኡ ንብዙሓት ዘሻቅል ተርእይዎ ኣብ ኰይኑሉ ዘሎ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዕለታት ጥራይ 29 መቅተልትን ልዕሊ ሓምሳ መቚሰልትን ዘስዓበ ኣብ ተክሳስን ካሊፎርንያ ኦሃዮን ኣጋጢሙ። ቅዱስነቶም ነዚ ዘሕዝን ዜና ምስ ሰምዑ ትማሊ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ከምዚ ክብሉ ሓዘኖምን ቅርበቶምን ጸሎቶምን ገሊጾም።

“ኣብዘን ዕለታት እዚአን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ንተክሳስን ካሊፎርንያን ኦሃዮን ንጹሓት ሰባት ብምቅዛብ ብዘድመየ ፍጻሜ ንዝተጐድኡ ወገናት ቅርበተይ እገልጽ። ስለ እቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑን ዝቈሰሉን ስለሥድራቤታቶምን ኣብ ጸሎት ምሳይ ክትሓብሩ እዕድም’ ኣንክብሉ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን ብሓባር ጸልዮም እግዚአብሔር ጽንዓት ክህቦም እናተመነዩ ከኣ ደጋጊሞም ሓዘኖም ገሊጾም።”

ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ቀንዲ ደጋፊ ሪፓብሊካውያን ዝኾነ ኣፍራዩ ኣጽዋር ብነጻ ዝኾነ ኣመሪካዊ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዓዲጉ ክሕዝን ክጥቅመን ብዝብል ሓሳብ ንገዛእ ርእስኻ ንክትከላኸል ዝብል ኣምር ተጐልቢቡ ከም ልብኻ ኣጽዋር ክትዕድግን ክትውንንን ዘኽእል ሕጊ ክእለ ንዝሓተቱ ብምቅዋም ሓደጋ እናጋጥም መዛረቢ ኰይኑ ኣሎ። ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካስ ይኹኑ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖታት ነዚ ቊጽጽር ኣልቦ ምጥራይ ሓደገኛ ኣጽዋር ክግታእ ደጋጊሞም እኳ እንተጸውዑ ዝቀደመ ፕረሲደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማውን ብተደጋጋሚ እዚ ሓደጋ እዚ ምስ ኣጋጠመ ኣጽዋር ይተኣገድ ኢሉ ብዙሕ እንተጸዓረ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ኣጽዋር ዘፍርን ንሱ ዝድግፎም ኣባላት ባይቶም ክሳብ ገሊኤን ፓርትታት ከይተረፈ እቲ ሕጊ ከይቅየር ኩሉ ከም ልቡ ኣጽዋር ውግእ ክዕድግ ዝብል መምርሒ ይጽናሕ ይብሉ። እቲ ኩነት ዘርእዮ ግን ነናሻዕ ከምዚ ዓይነት ጅምላዊ ሕልቂት ኣብ ቤትትምህርታት ኣብያተክርስትያን ዕዳጋታት ይረኤ ኣሎ። ብእዋኑ ገለ እንተዘይተገሩ ከኣ ገና ሳዕቤኑ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ክኾነሉ ዝኽእል ርሑቅ ኣይኮነን ይብሉ ተንተንቲ ፖሎቲካን ውሕስነት ኅብተሰብን።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2019, 18:39