ድለ

ሃብቲ ምድሪ ዘገልግሉና ምስ እንካፈሎም እዩ! ክንደይ ውግእ ብምኽንያት ስስዕቲ ዘይተገብረ! ር.ሊ.ጳ

ከምቲ ልሙድ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 4 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ህርፋን ሃብትን ንብረትን እዚ ዓለም ንልብና ዓጺዩ ካብቲ ሓቀኛ መዝገብ ሰማይ ከምዝዘናበል ይገብሮ። ሃብትን ንብረትን ዓለምና ከኣ ምንጪ ዘይቅሳነት ኰይኖም ናብ ስስዔን ህርፋንን ብቅን መሪሑ ምኽንያት ውግእ ይኾኑ። ስስዔ ፈጺምካ ኣይዓግብን እዩ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 4 ነሐሰ ግጽው ወንጌል ሉቃ 12.13 ኰይኑ ‘ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።` ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል ኣምላኽ ብምንቃል ‘ናይዚ ዓለም እዚ ሃብትስ ይኹን ንብረት ዕለታዊ ሕይወትና ንክንመርሕ ብግዲ የድልዩና እዮም ኰይኑ ግን ናይ ሕይወትና ዕላማ ነዚኦም እንተገርና ንልብና ርግጥ ኣቢሎም ዓጽዮም ካብቲ ስለኡ ዝተፈጥርናሉ ዘልዓለማዊ ሰማያዊ ሃብቲ ይፈልዩና ህውኻትን ርቡጻትን ኰይና ዘይረዊ ጽምኦም ይሕዘና እሞ ብቅን ስሰዔን ጥራይ ኰና ኣብ ውግእ ንነብር’ ኢሎም።

ነቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ምሳሌ ዓሻ ሃብታም ከኣ ‘ኣብ ሕይወትና ብዙሕ እትምህረና ጽብቅቲ ምሳሌ እያ’ ኣንክብሉ ክነስተንትና ኣዘኻኺሮም።

ብዝኣከቦ ዓለማዊ ሃብቲ ውሕስነት ዝስምዖ ሃብታም!

ክርስቶስ በዚ ምሳሌ እዚ ገሩ ካብ ስስዕትን ብቅን ክንሃድም እዩ ዝምህረና ዝበሉ ቅዱሰነቶም እቲ ብዝኣከቦ ሃብቲ ቀሲኑን ተሓጐሱን ክነብር ዝሓልፍ ዝነበረ ሰብኣይ ኩሉ ሕልሙን ድልየቱን ብሞት ይቁጸ። ቀንዲ ጸገሙ ከኣ ንሓልዮት እግዚኣአብሔር ፍቅሪ ብጻይን ኣብ ግምት ዘየእተወ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ጣዕምን ውሕስነትን ብምሕላሙ እዩ። በዚ ከኣ እቲ ቃል ወንጌል ‘ሎሚ ምሸት ክትመውት ኢኻ እዚ ኩሉ ሃብትኻ ንመን ክኸውን እዩ’ ክብል ዝነግሮ።

ክትመውት ኢኻ እዚ ኩሉ ሃብትኻ ንመን ክኸውን እዩ!

እቲ ሃብታም ብልቡ ንነዊሕ ዓመታት እንክሓስብ ጐይታ ግን ሎሚ ለይቲ ክትመውት ኢኻ እንክብል ሕይወትና ክነወፍያ እምበር ንፈንጠዝያን ምቾት ገዛእ ርእስናን ከምዘይኮነ ገሊጹ ንመን ክኸውን እዩ ክብል ከኣ ሓቃዪት ዝኾነ ሕቶ የቅርበሉ።

“ኣብ ውርሻታት ዝግበር ክርክር እሞ ንሕሰብ። ኣብ ውሽጢ ሥድራቤታት ዝግበር ባእሲ። ብዙሓት በዚ ጸገም እዚ ይጒድኡ ነፍሲወከፍና ገለ ታሪኽ ንዝክር ንኸውን ኣብ ግዜ ሞት ወረ ዘይነበሮም ደቅን ደቂ ደቅን ይቅልቀሉ የማነ ጸጋም ይጥምቱ ‘ንዓይ ገለ ውርሻዶ ይህልወኒ! ተላቢዮምለይዶ ይኾኑ’ ወዘተ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ስግንጢራዊ ኩነታትከስ እታ ‘ኣታ ዓሻ እዚ ኩሉ ዝኣከብካዮ ንመን ክኸውን እዩ’ እትብል ቃል ነቲ ክህልውዱ ከይህሉ ከይፈልጠ ዘመዱ መይቱ ንቀብሪ ክውሰድ ውርሻ ንዝሓስብ ግርም ትገልጾ። እቲ ዕሽነት ከኣ ንእግዚኣአብሔር ምዝንጋዑን ምስኡ ዘይምጽብጻቡን እዩ።”

ምድራዊ ሃብቲ ልብና ይኣስሩ! ሓቀኛ መዝገብና ኣብ ሰማይ እዩ!

ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ‘እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።’ ክብል ይዛዝም። እዚ ከኣ ኩልና ብከመይ ዝበለ መንገዲ ክነብር ከምዘሎና ይምህረና።

“ርግጽ እዩ ናይዚ ዓለም ሃብቲ የድልዩና እዮም! ኰይኑ ግን ብቅንዕና ንክነብር ዝወሃቡና መጋበሪ እምበር ምእንታኡ እንነብሮ መወዳእታ ዕላማና ስለዘይኮነ መጠን ምስ ካልኦት ምናዳ ምስ ድኻታት ዝተካፈልናሉ ኸኣ ሰማያዊ መዝገብ ነፍርየሉ። ኢየሱስ በዚ ምሳሌ ገሩ ምድራዊ ሃብቲ ንልብና ክዓጽዎን ካብቲ ሓቀኛ ሰማያዊ መዝገብ ከዘንግዕን ከምዝኽእል ይገልጽ።”

ዋጋ ፍትሕን ሕወነትን ሰላምን!

ቅዱስነቶም በዚ ኣበሃህላ እዚ ግጉይ ርድኢት ከይህልወና ናብ ህልው ኩነታት ናብራና ምልስ ይብሉ ‘ከምዚ ክንብል ከሎና ካብ ኩሉ ተፈሊና ክንጸል ዘይኮነስ ነገራት ሓቀኛ ዋግ ከምዘለዎም ተረዲእና ፍትሒ ደግፍ ምቅባል ጋሻ ሕውነት ሰላም ዝበሃሉ ንክብሪ ወዲሰብ ዘቊሙ ነገራት ሃሰስ ክንብሎም ኣሎና። መምርሒ ሕይወትና ዓለማዊ መኽሰብን ምቾትን ዝጠመተ ዘይኮነስ ከምቲ ወንጌል ዝእዝዘና ንእግዚአብሔር ብኩለንትናና ክነፍቅር ቀጺልና ከኣ ንብጾትና ከምቲ ኢየሱስ ዘፍቀሮም ገርና ክነፍቅሮምን ከምቲ ንሱ ዘገልግሎምን ገዛእ ርእሱ ምእንታኣቶም ዘወፈየን ከኣ ክንገብር ኣሎና’ ኢሎም።

“ስስዕቲ ኣብ ምውናን ዓለማዊ ሃብቲ ርውየት ዘይብሉ ሃረርታ ምግባት ነራት ንልብና ኣየዕግቦን እዩ እኳ ደኣ መሊሱ ከምዝደሊ ይገብሮ። ስስዕቲ ከም ናይ ሓንቲ ጥዕምቲ ካረመላ ጉዳይ እዩ! ሓንቲ ትወስድ! እንደገና ትደሊ ትደግም ከምኡ እናበልካ ትቅጽል። ኣብዚ ምጥንቃቅ የድሊ እቲ እንኮ ነባሪዝኾነን ሓቀኛ ታሕጓስ ዝልግስን ሓቀኛ ፍቅሪ ኣምላኽን ብጻይን እዩ። እንተ እቲ ቅጥዒ ዘይብሉ ሃብቲ ክተኻዕብት ላዕልን ታሕትን ምባልን ግን ኣይቀስነካ ምንጪ ሁከት ኰይኑ ከኣ ቅንእን ሕስድናን ብቅን ውግእን የስዕብ። ካብ ውግኣት ዝበዝሑ ብሰንኪ ስስዔ እዮም ዝኽሰቱ።”

ብሓላፊ ውሕስነት ኣይንተዓሻሾ!

ቅዱስነቶም ቀቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምድጋሞም ብሓላፊ ንብረትን ሃብትን ከይንተዓሻሾ ናብ እኖና ድንግል ማርያም ክንምሕጸን ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“እኖና ድንግል ማርያም ብሓላፊ ሃብትን ውሕስነትን ከይንደናገር እኳ ደኣ እሙናት መሰኻክር ዘልዓለማዊ ሃብታት ወንጌል ክንከውን ትሓግዘና ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2019, 18:30