ንጸልማት ለይታት ሕይወትና ንክነብርህ ቀንዴልና ኣብሪህና ንሓዞ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት 11 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ዝቀረበ ወንጌል 12.30 ኮይኑ ‘ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ። ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን . . . ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።’ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱስነቶም ነተን ስንድዋት ኩኑ ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን ዝብላ ቃላት ጐይታ ዘመልክታኦ ከምቲ ሕዝበ እስራኤል ገንሸል ፋሲካ በሊዖም ንጉዕዞ ክሰናደው ዝኣዘዞም ንዓና እውን ኣብዚ ሓላፍን ግዝያውን ዝኾነ ዓለምና ሠራውር ከይሰደድና ንሰማያዊ ጒዕዞ ስንድዋት ክንከውን ከምዘዘኻኽረና ገሊጾም።
ንጒዕዞ ስንድዋት ምዃን!
ንጒዕዞ ዝብገስ ሰብ ዘድልዮ ኩሉ ኣሰናድዩ ስንቑን ዕጡቁን ኣስጢሙ ከየፍኰሰን ከየኽበደን ዓቅሙ ፈሊጡ ዘድልዩ ነገር ሒዙ ይለዓል። ቅዱስነቶም ነዚ ብኣምሳል ናይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።
ቅዱስነቶም ቅድሚ ሕጂ እውን ዝደጋገምዎ ንቃል ኣምላኽ ብዝርኢ `ሓደራ ንእሽቶ ወንጌል እንተስ ኣብ ጅባኹም እንተስ ኣብ ቦርሳኹም ሒዝኩም ተጓዓዙ እሞ ግዜ ኣብ ዝረኸብክምሉ ግንጽል ኣቢልኩም ኣንብቡ ብርሃን ክኾነኩም’ ኢሎሞ ብዛዕባ እዛ ብርሃን ወንጌል ነዚ መብርሂ እዚ ሂቦም።
ምስንዳው! ነታ ዘይትተርፍ ናይ መወዳእታ ርክብ ምስ ጐይታ!
ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተሰናዲኹም ጽንሑ ይብል እሞ እቲ ጐይታ ተሰናድዩ ዝረኽቦ ዕማም ዕዮኡ ከምቲ ሓደራ ዝተዋህቦ ክገብር ዝርከብ ኣገልግሊ ብፁዕ ምዃኑ ብተጻዩ ከኣ ከይተሰናደወ ዝጸንሕ ክሳብ ክንደይ ውርደትን መከራን ከምዝጽበዩ ዝገልጽ ነበረ።
ጐይታ ኣብዚ ቃል ወንጌል እዚ ዘዘኻኽረና ነገር እንተልዩ ሕይወትና ጒዕዞ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ስለዝኾነ ንዝተዋህቦ መክሊት ኩሉ ክነፍሪ ኣብዚ ምድሪዚ ቀዋሚ ዓዲ ከምዘይብልና ብምርዳእ ነቲ መጻኢ ሃሰስ ክንብል እዩ። በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሁመት ካልኢት ብጣዕሚ ክብርቲ እያ ትኸውን ንሰማይ እናናፈቅና ብሓጐስ ክነብራን ክንሰርሓላን እዩ። እግርና ኣብ መሬት ገቢርና ኣብ መሬት እናሠራሕና ልብና ግን ናፍቆት ሰማይ ክመልእ ኣለዎ።
ዘለዓለማዊ ታሕጓስ መንግሥተ ሰማይከስ በዚ ከምዚ ይግለጽ። ኩነታት ይገማጠል ንሕና ዘይኰና ንጐይታ እነገልግልሲ እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ ዘገልግለና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሕጂ ነዚ እዩ ዝገብር ዘሎ። ምእንታና ይጽሊ ኣሎ ይሕልወና ስለኣና ነቦኡ ይልምን። ኢየሱስ የገልግለና ኣሎ። እዚኣ ከኣ ኣብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ክትልወጥ እያ። እታ ምስ ጐይታ እንራኸበላ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምሕረት ዝመልኣ ብምዃና ንልብና ብተስፋ ይመልኣ ዕለት ዕለት ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ ከኣ ክንጸንዕ በዚ ከኣ ቅንዕናን ሕውነትን ዝመልኦ ዓለም ንክንሃንጽ እዩ።
ቅዱስነቶም ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።