ድለ

ንጸልማት ለይታት ሕይወትና ንክነብርህ ቀንዴልና ኣብሪህና ንሓዞ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 11 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝንበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ምስ ጐይታ ወትሩ ኣብ ርክብ ንምንባር ዝሕግዘና ነቂሕካ ምጽባይ እዩ። ቀንዴል እምነት ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ነሕዋትናን ኣሓትናን እውን ከብርህ የድሊ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት 11 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ዝቀረበ ወንጌል 12.30 ኮይኑ ‘ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ። ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን . . . ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ነተን ስንድዋት ኩኑ ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን ዝብላ ቃላት ጐይታ ዘመልክታኦ ከምቲ ሕዝበ እስራኤል ገንሸል ፋሲካ በሊዖም ንጉዕዞ ክሰናደው ዝኣዘዞም ንዓና እውን ኣብዚ ሓላፍን ግዝያውን ዝኾነ ዓለምና ሠራውር ከይሰደድና ንሰማያዊ ጒዕዞ ስንድዋት ክንከውን ከምዘዘኻኽረና ገሊጾም።

ንጒዕዞ ስንድዋት ምዃን!

ንጒዕዞ ዝብገስ ሰብ ዘድልዮ ኩሉ ኣሰናድዩ ስንቑን ዕጡቁን ኣስጢሙ ከየፍኰሰን ከየኽበደን ዓቅሙ ፈሊጡ ዘድልዩ ነገር ሒዙ ይለዓል። ቅዱስነቶም ነዚ ብኣምሳል ናይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

“እዚ መንፈሳዊ ጒዕዞ ወይ ንግደት እዚ ምቾት ዝመልኦ ምርጣጥን ውህሰነት ዘለዎ ናብራን ንከይንገብር ይዕድም። ክንገብሮ ዘሎናስ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ገዲፍካ ነቲ ናብ ዝስዕብ ናይ ዓወት ዕላማ ዝመርሓና ፍቃድ እግዚአብሔር ገርሀይና ብዝኾነ መንፈስን ብምሉእ ተኣማንነትን ክፉታት ምዃን እዩ። ጐይታ ኩሉ ግዜ ምሳና ይጐዓዝ። እዚ ጒዕዞ እዚ ብጣዕሚ ሓያል ስለዝኾነ ንከይንጋገ ብዙሕ ግዜ ንክመርሓና ብኢድና ሒዙ የሰንየና። ናብራ እምነት ኣብ ሓደ ቦታን ኩነትን ጥራይ ደሪቁ ዝተርፍ ኣይኮነን ወትሩ ሓዲስ ነገር የምጽኣልና። ነዚ ከኣ ጐይታ ዕለት ዕለት መንገዱ ይሕብረና። ንድቅድቅ ጸልማታት ለይቲ ጒዕዞ ሕይወት ንምብራህ ብሱል እምነት የድሊ ከመይ እተን ኣብሪህና ሒዝናየን ዘሎና ቀንዴላትና ንጸልማት ለይቲ ንከብርሃ ብሱል እምነት የድሊ። ነዚ ንምግባር ከኣ ሓቀኛን ብሱልን እምነት ምንባር የድሊ። እዛ ቀንዴል እዚኣ ቀጻሊ ነዳዲ የድልየና ዘይቲ ኰይኑ ዝቅልባ ከኣ ዝውቱር ጸሎትን ቃል ኣምላኽ ምስማዕን እዩ።”

ቅዱስነቶም ቅድሚ ሕጂ እውን ዝደጋገምዎ ንቃል ኣምላኽ ብዝርኢ `ሓደራ ንእሽቶ ወንጌል እንተስ ኣብ ጅባኹም እንተስ ኣብ ቦርሳኹም ሒዝኩም ተጓዓዙ እሞ ግዜ ኣብ ዝረኸብክምሉ ግንጽል ኣቢልኩም ኣንብቡ ብርሃን ክኾነኩም’ ኢሎሞ ብዛዕባ እዛ ብርሃን ወንጌል ነዚ መብርሂ እዚ ሂቦም።

“እዛ መብራህቲ እዚኣ ንሠናይ ነገር ናይ ኩሉ እያ ሓደራ ተዋሂባትና። ስለዚኸስ ወላ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኢሉ ንርእሱ ጥራይ ክድሕን ብዛዕባ ካልኦት ሸለል ክብል ከይፍትን። ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ንበይኑ ውሳጣዊ ብርሃን ክረክብ ኢሉ ዝሓስብ ጽላሌ እዩ። ሓቀኛ እምነት ወትሩ ንልብና ነሕዋትና ይኸፍት ንጭቡጥ ውህደት ኣሕዋት ከኣ ከም ድርጉሕ ይገብሮ ምናዳ ኸኣ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን። ነዚ ዝሕግዘና ነታ ምስ ጐይታ እንራኸበላ መወዳእታ ዕለትና እንከስተንትን እዩ ኢሎም።”

ምስንዳው! ነታ ዘይትተርፍ ናይ መወዳእታ ርክብ ምስ ጐይታ!

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተሰናዲኹም ጽንሑ ይብል እሞ እቲ ጐይታ ተሰናድዩ ዝረኽቦ ዕማም ዕዮኡ ከምቲ ሓደራ ዝተዋህቦ ክገብር ዝርከብ ኣገልግሊ ብፁዕ ምዃኑ ብተጻዩ ከኣ ከይተሰናደወ ዝጸንሕ ክሳብ ክንደይ ውርደትን መከራን ከምዝጽበዩ ዝገልጽ ነበረ።

ጐይታ ኣብዚ ቃል ወንጌል እዚ ዘዘኻኽረና ነገር እንተልዩ ሕይወትና ጒዕዞ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ስለዝኾነ ንዝተዋህቦ መክሊት ኩሉ ክነፍሪ ኣብዚ ምድሪዚ ቀዋሚ ዓዲ ከምዘይብልና ብምርዳእ ነቲ መጻኢ ሃሰስ ክንብል እዩ። በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሁመት ካልኢት ብጣዕሚ ክብርቲ እያ ትኸውን ንሰማይ እናናፈቅና ብሓጐስ ክነብራን ክንሰርሓላን እዩ። እግርና ኣብ መሬት ገቢርና ኣብ መሬት እናሠራሕና ልብና ግን ናፍቆት ሰማይ ክመልእ ኣለዎ።

“ዝጽበየና እንታይ እዩ ዝብል ሓሳብ ከይከብደና ከኣ ቅዱስነቶም ዝጽበየናስ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ከመይ ጐይታ ምሉእን ዘለዓለማውን ሓጐስ ኣተስፍዩና እዩ ሓሊፉ። ምናልባት ክንርድኦ ኣይንኽእልን ከይንብል ከኣ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ወንጌሉ ‘ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።’ ክብል እንተደኣ ተጊህና ተጸቢናን ከምቲ ጐይታ ዝበሎን ዝደልዮን ኰና እንተጸኒሕና ጐይታ ባዕሉ ተዓጢቑ ከምዘገልግለና ይገልጽ።”

ዘለዓለማዊ ታሕጓስ መንግሥተ ሰማይከስ በዚ ከምዚ ይግለጽ። ኩነታት ይገማጠል ንሕና ዘይኰና ንጐይታ እነገልግልሲ እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ ዘገልግለና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሕጂ ነዚ እዩ ዝገብር ዘሎ። ምእንታና ይጽሊ ኣሎ ይሕልወና ስለኣና ነቦኡ ይልምን። ኢየሱስ የገልግለና ኣሎ። እዚኣ ከኣ ኣብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ክትልወጥ እያ። እታ ምስ ጐይታ እንራኸበላ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምሕረት ዝመልኣ ብምዃና ንልብና ብተስፋ ይመልኣ ዕለት ዕለት ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ ከኣ ክንጸንዕ በዚ ከኣ ቅንዕናን ሕውነትን ዝመልኦ ዓለም ንክንሃንጽ እዩ።

ቅዱስነቶም ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2019, 19:23